እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል-ሓማስ፡ ንስፖርታውያን ኣብነት ዝዀነ ግብረመልሲ መሓመድ ሳላሕ
ወሩይ ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ዝዀነ መሓመድ ሳላሕ ንጉዳይ ግጭት እስራኤልን-ሓማስን ዝሃቦ ግብረመልሲ ንስፖርታውያን ኣብነት ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ።
እቲ ወዲ 31 ዓመት ግብጻዊ፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ቓዛ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ነተን ዝቕዘፋ ዘለዋ ንጹሃን ነፍሳት ንምድሓን መራሕቲ ዓለም ክላዘቡ ኣለዎም" ክብል ተማሕጺኑ።
ሳላሕ፡ ሓደ ካብቶም ብዛዕባ'ቲ ግጭት ርእይቶኦም ዝሃቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓቢ ተፈላጥነትን ሰዓብትን ዘለዎም ስፖርታውያን እዩ።
እቲ ብ7 ጥቅምቲ ንቓዛ ከመሓድር ዝጸንሐ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣስታት 1400 ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣስታት 240 ጅሆ ሒዙ ናብ ቓዛ ከምዝወሰዶምን ይዝከር።
እስራኤል ኣብ ዝሃበቶ ሓያልን ቍጡዕን ግብረመልሲ፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ደብዳብ ኣብ እተካይዶ ዘላ ልዕሊ 10,500 ሰባት ተቐቲሎም ብዙሓት ድማ ቈሲሎም ኣለዉ።
ወኪል ስፖርት ነበርን መምህር ዩኒቨርሲቲን ዝዀነ ተንታኒ ከምዝበሎ፡ እቲ ግብጻዊ ሻራ ክወስድ ንዝተገብረሉ ጸቕጢ ብዝግባእ ከምዝኣለዮ ይዛረብ።
"ሳላሕ፡ ብዘለዎ መንነት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ ናይ ዝኣተወ ሰብ ኣብነት'ዩ" ይብል ኢያን በይሊ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታፈርድሸር መምህር ጋዜጠኝነት ስፖርት።
"ግን ህድእ ኢሉ፡ ሓደ ስጕምቲ ንድሕሪት ብምምላስ 'ናተይ መርገጺ ሰላም እዩ፡ ስቓይ ከብቅዕ'ዩ' ኢሉ"።
መግለጺ እቲ ኮኾብ ኣፍሪቃዊን ዓረባውን ተጻዋታይ፡ ብዘለዎ ጽልዋን ተፈላጥነትን ንጹር ፖለቲካዊ መርገጺ ክወስድ ንዝምነዩ "ገለ ሰባት ኣየዕገበን" ይብል በይሊ።
"ፈለማ ዝሃቦ መልእኽቲ፡ ሰብኣውነት ዝለበሰ ምዃኑ ናእዳ ረኺብሉ'ኳ እንተነበረ፡ ንዓረብን ፍልስጤምን ደገፉ ዘይምግላጹ ግን ተነቒፉ'ዩ"።
"ክለቡ ፖሊሲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለዝህልዋ ግን ከምኡ ክገብር ኣይክእልን'ዩ።"
ፍልጥቲ ኣፍሪቃዊት ተጻዋቲት ተኒስ ባይታ ኦንስ ጃቡር ብወገና፡ ኣብ ፈለማ ናይቲ ግጭት ዝሃበቶ መግለጺ፡ ተዋላዋሊ ኣይነበረን።
"ገለ ክፋል ካብቲ ዝተሸለምኩዎ ገንዘብ ፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ከወፍዮ እየ" ክትብል እታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ታሪኽ ዝሰርሐት ቱኒዝያዊት ስፖርተኛ ኣፍሊጣ ነይራ።
"ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣይኰነን፣ ሰብኣውነት'ዩ። ኣብ ዓለም ሰላም ክነግስ'የ ዝደሊ" ብምባል ድማ ሞጒታ።
በይሊ፡ መግለጺ እታ ኣብ ስፖርት ተኒስ ባይታ ዓለም ኣብ 7ይ ደረጃ እትርከብ ኣፍሪቃዊትን ዓረባዊትን ብምንኣድ "ንስቓይ ሰባት ዘቃልል ተበግሶ ክንኣድ ኣለዎ፡ መበገሲኡ ሰብኣዊ'ምበር ፖለቲካዊ ክሳዕ ዘይኮነ" ይብል።
እቲ ግጭት ሻራ ክትወስድ ዘገድድ ተኣፋፊ ስለዝዀነ፡ ዝዀነ ጽቡቕ ርእይቶ ናእዳን ነቐፌታን ኣብ ሓደ እዋን ካብ ምእንጋድ ዘይተርፎ ኮይኑ ምህላዉ'ውን የመልክት።
ስለዚ፡ ካብዚ ናይ ሳላሕ፡ ጃቡርን ካልኦት ፍሉጣት ኣፍሪቃውያንን ዝሃብዎ ርእይቶታት ብዛዕባ ስፖርተኛታት ክህልዎም ዝግባእ ፖለቲካዊ መርገጺ እንታይ ክንመሃር ንኽእል? ሓደጋ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢታትከ እንታይ'ዩ?
'እቲ ዓቢ ሓደጋ' ማሕበራዊ መራኸቢታት
እቲ ኲናት ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ክለባት ስፖርት፡ ተጻወትን ደገፍትን ንጉዳይ ፍልስጤም ልዑል ደገፍ'ዩ ተራእዩ።
ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ኣብቲ ብ12 ጥቅምቲ ኣንጻር ኬፕ ቨርደ ኣብ ዝካየድዎ ምሕዝነታዊ ጸወታ፡ ምስ ተቓውሞ ፍልስጤም ዝተኣሳሰር ክፉፍ (ዕማ) ተኸዲኖም ናብ ሜዳ ኣትዮም። ሓለቓ እታ ጋንታን ኣባል እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲን ዝነበረን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ፕሮ-ሊግ ስዑዲ ዝጻወት ዘሎን ሪያድ ማህረዝ ድማ ሓደ ካብቶም ባንዴራ ፍልስጤም ከንበልብሉ ዝተራእዩ'ዩ ነይሩ።
ኣልጀርያዊ ጋዜጠኛ ኩዕሶ እግሪ ማሄር መዛሂ ብወገኑ፡ "ብሓቂ እንተወሓደ ምስቲ ኣብ ፍልስጤም ዝካየድ ዘሎ ስቓይ ድንጋጸኦም ንምግላጽ ዘይዛረቡ ፍሉጣት ኣልጀርያውያን ኣይነበሩን" ይብል።
"እቲ ክትርድኦ ዘለካ፡ ኣልጀርያ ን132 ዓመታት ብፈረንሳውያን ተገዚኣ ከምዝነበረትን፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣውሮጳውያን ድማ ክሳብ 1962 ኣብ ኣልጀርያ ሰፊሮም ስለዝነበሩን፡ ብዙሓት ኣልጀርያውያን ንጸገም ፍልስጤም ምስ ሕሉፍ ህይወቶም ብምትእስሳር'ዮም ዘርእይዎ።"
መዛሂ፡ መግለጺ ሳላሕ "ብመንጽር ሓደ ንኽዛረብ ጸቕጢ ዝተገብረሉ ፍሉጥ ሰብ ኣገዳሲ ተርእዮ እዩ" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብ ኬንያ እትርከብ ስትራተጂስት ዲጂታዊ ሚድያ ካሮል ኪሙታይ ድማ እቲ ጸቕጢ ዘለናዮ ዘመን ዘምጽኦ ምዃኑ ትምጕት።
ንሳ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ከም ዓሌትነት፡ ጾታዊ ርክብ፡ ግጭት፡ ሃይማኖት፡ ምንጻል ጥንሲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ምስ ዝለዓሉ፡ ኮዋኽብቲ ስፖርት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክዛረቡ ወይ ክኽወሉ ይኽእሉ" ኢላ።
"እቲ ጉዳይ ናባኻ ምስ ዝቐርብ ግን ህዝቢ እቲ ፍሉጥ ውልቀሰብ ክዛረብ ክጽበ'ዩ። ቓዛ ንሳላሕ ቀረባ'ያ። እዚ ከም በዓል ሳላሕ ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ኣብ ስፖርታዊ ሂወቶም ዘጋጥሞም ዝተፈላለየ ረብሓታት ክኣልዩ ዘገድድ ንጹር መርኣያ እዩ።"
ስለዚ ሕዩብ ግብረመልሲ ናይቲ ካብታ ካብ ቓዛ 350 ርሒቓ እትርከብ ግብጻዊት ከተማ ናግሪግ ዝመጸ ኮኾብ ሊቨርፑል፡ ምስቲ ናይታ ንእስራኤል ዘለዋ ደገፍ ዝገለጸት ክለብ ፕረምየርሊግ ክሪስታል ፓላስ ክነጻጸር እንከሎ የገረምዶ ይኸውን?
ብኣረኣእያ ሓደ ፍሉጥ ፕሮፌሰር ስፖርትን ጂኦፖለቲካዊ ቍጠባን ዘገርም ኣይኰነን።
"ክልተ ካብ ዋናታቶም [ክሪስታል ፓላስ] ኣይሁዳውያን ክዀኑ ከለዉ፡ ሳልሳይ ድማ ምስ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣመሪካ ኣዝዩ ጽኑዕ ርክብ ዘለዎ ኣመሪካዊ'ዩ" ይብል ሳይሞን ቻድዊክ።
"ዋንነትን ባህልን ክለባት ኣዝዩ ትርጕም ዘለዎ'ዩ፡ ስለዚ ድማ እዞም ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ኣገባባት ንዕዘብ ኣለና"።
ኣብ እስራኤል ዝርከብ ተዓዋቲ መዳልያ ኦሎምፒክ 2012 ዝዀነ ብራዚላዊ ፈሊፐ ኪታዳይ፡ "ፍቕርን ኵሉ ደገፈይን" ክብል እኳ ደገፉ ነታ ዝቕመጠላ ዘሎ ሃገር እንተገለጸ፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ይዳሎ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።
ኣባል ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እስራኤል ዝዀነ ማኖር ሰሎሞን ድማ ሓደ ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሓማስ ዝነቐፉ እዩ።
ሩስያ ንዩክረይን ኣብ ዝወረረትሉ መዓልቲ ኣብ ኪቭ ድሕሪ ምጽናሕ ኩፉእ ገጽ ኲናት ብቐረባ ዝቐመሰ፡ ተጻዋታይ ቶተንሃም ሰሎሞን፡ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት እስራኤልን ቓዛን ስድራኡን ፈተውቱን ዝሓልፍዎ ዘለዉ "ሲኦል" ምዃኑ ኣዘንትዩ።
"ማሕበራዊ መራኸቢታት እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ለውጢ'ዩ" ይብል በይሊ።
"እዚ ግጭት ቅድሚ 30 ዓመት እንተዝኸውን ነይሩ፡ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽእ ነገራት ብቐጥታ ኣብ ከምዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸቕጢ ኣይምኣተዉን ክንብል ንኽእል ኢና።"
"ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ ኵነታት ንዝዀነ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዘይከኣል፡ ከምቲ ፍሉጥ ብሂል ዝብሎ፡ ኣብ መንቀራቕሮ ምእታዉ'ዩ። እዚ ድማ ዳርጋ ተራእዩ ዘይፈልጥ'ዩ።"
ተሃዊኽካ ምልጣፍ ዘስዕቦ መዘዝ
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ጃቡር፡ ፖለቲካ ንጐድኒ ጐስያ፡ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ተኒስ ንቱኒዝያ ወኪላ ኣንጻር እታ መንግስታ ኣፍልጦ ዘይህባ ሃገር እስራኤል ብምጽዋታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ሞት ምፍርራሕ በጺሑዋ ነይሩ።
ናብ ዓለምለኻዊ ይዅን ሃገራዊ ፖለቲካዊ ዓውዲ ምእታው ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኻልኦት እውን ሓደገኛ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ግኑን ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዐት ኣመሪካዊ ለብሮን ጀምስ ድሕሪ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ ብ7 ንእስራኤል ዝድግፍ ጽሑፍ ድሕሪ ምልጣፉ ብብዙሓት ተነቒፉ ነይሩ፤ ካብቶም ናብኡ ዝተደርበዩ ኣዝዮም ዘይኸፍኡ ጸርፍታት "ዕሱብ"፡ "ዓሻ"፡ "መሕፈር" ይርከብዎም።
ንእስራኤል ንምድጋፍ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ብሉጽ ተጓሳጣይ ፍሎይድ መይወዘር እውን ተመሳሳሊ ዕጫ'ዩ ገጢምዎ። ብድሕሪኡ ድማ ሓያሎ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ርእይቶታቶም ብምግላጾም ካብ ክለባቶም ዲስፕሊናዊ ስጕምቲ ተወሲድሎም'ዩ።
ተኸላኻላይ ኣልጀርያ ዩሱፍ ኣታል ብኒስ ካብ ጸወታ ተኣጊዱ፡ እታ ፈረንሳዊት ክለብ ብሓደ ካብ ጽሑፋቱ ኣይተመሰጠትን፡ ንሱ ድማ ደምሲሱዎን ይቕሬታ ሓቲቱን፡ ጸረ ሴማውያን ኰይኑ ተቘጺሩ። እዚ ወዲ 27 ዓመት ተጻዋታይ ኣብ መወዳእታ ብኣካያዲ ቀዳማይ ዲቪዥን ሊግ 1 ፈረንሳ ን7 ጸወታታት እገዳ ተገይሩሉ።
ኖሳየር ማዝራዊ ንፍልስጤም ዝድግፍ ቪድዮ ኣብ ኢንስታግራሙ ድሕሪ ምዝርግሑ ነቐፌታ ኣጋጢምዎ። ክለቡ ባየር ሙኒክ ብወገና ምስታ ብድሕሪኡ "ኵሉ ግዜ ኣንጻር ኵሉ ዓይነት ግብረሽበራ፤ ጽልእን ዓመጽን ክኸውን እየ" ዝበለ ሞሮኮኣዊ ኣህጉራዊ "ዝርዝርን ዘነጽርን ዕላል" ኣካይዳ። .
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጀርመን፡ ሆላንዳዊ ተጻዋታይ ክንፊ ኣንዋር ኤል ጋዚ፡ ብዛዕባ ግጭት እስራኤልን ቓዛን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ክለቡ መንዝ ንፍልስጤም ዝድግፍ ኰይኑ ስለዝረኸበቶ ውዕሉ ሰሪዛቶ።
"ከምቲ ኣብ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ዝረኣናዮ ኣስላም ተጻወትቲ ንፍልስጤም ዝድግፍ መግለጺታት ብምሃቦም ካብ ጸወታኦም ዝተኣገድዎ፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣይራኣናን" ይብል ቻድዊክ።
"እቲ ኵነታት ብዝነውሐ መጠን ግን እዞም ጉዳያት ዝያዳ ተሃወስቲ ይዀኑ። ኵሉ ግዜ ሓደ ክለብ፡ ተጻዋታይ፡ ስፖንሰር ወይ ትካል፡ ናብ ሓደ ወይ እቲ ካልእ ወገን ዝዛዘወ መግለጺ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ኣሎ።"
"ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡ ንዅዕሶ እግሪ ካብ ህሉው ኵነታት ዓለም ከነፋትሖ ወይ ክንፈልዮ ንኽእል ኣይመስልን።"
ኣብ ፖድካስት ቢቢሲ ዘ ስፖርት ዝቐረበ ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ ፉትቦል ፍልስጤም ባሲል ሚክዳዲ'ውን ምስቲ ትዕዝብቲ ይሰማማዕ'ዩ።
"ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣሰቃቒ ሰብኣዊ ቅልውላው ኢና ዘለና፡ ብሓቂ ንሰባት ክንሓቶ እንኽእል ተግባራዊ ነገር ኣሎ፡ እዚ ድማ ተዅሲ ደው ምባል ምጽዋዕ እዩ፡ እዚ ድማ ዘይወገናዊ መርገጺ'ዩ" ኢሉ።
"ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኣካል ማሕበረሰባትና ስለዝዀኑ፡ ከምኡ ዓይነት መጸዋዕታ ምቕራቦም ርዱእ'ዩ።"
ምስናይዚ ግን እቶም ክዛረቡ ጸቕጢ ዝግበረሎም ኵሉ ግዜ ከምኡ ኣይገብሩን እዮም። ነቶም ንህዝባዊ ርእይቶ ንምውፋር ዝደፈሩ፡ በይሊ እዚ ዝስዕብ ምኽሪ ኣለዎ።
እቲ ኣብ መንጐ ስፖርትን ሚድያን ዘሎ ርክብ ዓሚቕ ተገዳስነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ነበር፡ "ስፖርትን ልዑል ሽም ዘለዎም ስፖርተኛታትን ጽልዋ ንምፍጣር ዘለዎም ሓይሊ ኵሉ ግዜ ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባእ" ኢሉ።
"ገለ ክብሉ እንተደልዮም፡ ምስ ክለባቶም ክማኸሩን፡ ክብልዎ ዝኽእሉን ዘይክእሉን ፍጹም ንጹርነት ከምዘለዎም ከረጋግጹን ናይቶም ተጻወትቲ ሓላፍነት'ዩ።"