ወጥሪን ኲናትን እስራኤል-ፍልስጤም ክንግንዘብ ዘኽእሉና 5 ቀንዲ ነጥቢታት

ናይ ቀደም ፍልስጤም ኣብ ክልተ ተመቒላ ሃገራት ዓረብን ኣይሁድን ክምስረታ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ምትፍናንን ኲናትን ብዝተፈላለየ ደረጃ ክረስንን ክዝሕልን ዓመታት ሓሊፎም እዮም።

ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓይልታት ፍልስጤምን ዝካየድ መጥቃዕትን ውግእን ብተደጋጋሚ እኳ እንተቐጸለ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዘጋጠመ ግን ካብ ካልእ እዋናት ዝተፈልየ ስለዝዀነ ኣሻቓሊ ኰይኑ'ሎ።

እቲ ብፍልስጤማዊ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ፡ ዝተዋደደን ሰፊሕን መጥቃዕቲ ንእስራኤላውያን ኣሰንቢዱን ኣቘጢዑን እዩ።

ሓማስ ኣብ ርእሲ’ቲ ብቐዳም ኣብ ሓያለ ከባቢታት እስራኤል ኣሽሓት ሮኬታት ኣዝኒቡ፤ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ንዕጡቓቱ ናብ እስራኤል ብምእታው ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ’ሎ።

እስራኤል እውን ከም ግብረመልሲ፡ ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምክያድ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ቀቲላ ከቢድ ዕንወት ኣስዒባ።

እዚ መጥቃዕቲ ሓማስን ሕነ ምፍዳይ እስራኤልን ክሳብ ክንደይ ከምዝኸይድ ንጹር'ኳ እንተዘይኰነ፡ ብቕልጡፍ ደው ዝብል ግን ኣይመስልን።

ንምዃኑ፡ መበገሲ ናይዚ ምፍጣጥን ኲናትን ፍልስጤምን እስራኤልን እንታይ እዩ? ክሰማምዑሎም ዘይከኣሉ ጉዳያትከ እንታይ እዮም?

1. ግጭት ፍልስጤምን እስራኤልን ብኸመይን መዓስን እዩ ጀሚሩ?

ኣብ መንጐ ሩባ ዮርዳኖስን ማእከላይ ባሕርን ዘሎን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኦቶማን ቱርኪ ዝነበረን ከባብታት ፍልስጤም ብሰዓብቲ እምነታት እስልምና፣ ኣይሁድን ክርስትያንን ከም ቅዱስ ቦታ እዩ ዝቝጸር። እቲ ከባቢ መብዛሕትኡ ብዓረብን ካልኦት ማሕበረሰባት እስላምን ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ ኣይሁድ እውን ይነብሩሉ ነይሮም።

ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም መንግስታዊ ግዝኣት ኦቶማን ቱርካውያን ምስ ፈረሰ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ማሕበር ሃገራት ዓለም (‘ሊግ ኦፍ ኔሽንስ’) እንግሊዝ ንፍልስጤም ንከተመሓድራ ውክልና ሂቡዋ።

ብሪጣንያ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ዓረብን ኣይሁድን ዝደለይዎ ከተማልኣሎም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ቃል ኣትያ እኳ እንተነበረት፡ ንዝኣተወቶ ቃል ከተፈጽም ዘይምኽኣላ ግን ዘይዕግበትን ወጥሪን ተፈጢሩ።

ዓረብን ኣይሁድን ነናቶም ረብሓታት ንምውሓስ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ድማ ኣብ መንጎ ብሄራውያን ኣዕራብን ኣይሁድ ጽዮናውያንን ዝነበረ ግጭት እናገደደ ከደ፤ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ክልቲኡ ወገን ከኣ ግጭት ተላዕለ።

ኣብ 1920ታትን 1940ታትን፡ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝነበረ ጭቆና ብምህዳም ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ድሕሪ ዝተፈጸመ ህልዊት መዕቖቢ ደልዮም ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝኣትዉ ኣይሁድ ቁጽሮም እናወሰኸ መጺኡ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ዓረብን ዝነበረ ግጭታት እናሓየለ ምስ መጽአ፡ ኣንጻር ምምሕዳር እንግሊዝ ዝነበረ ተቓውሞ’ውን እናሓየለ ከደ።

ብዙሓት ፍልስጤማውያን ንስጉምቲ ኣይሁድ ብምቅዋሞም ኣብቲ ከባቢ ኲናት ተወሊዑ። ወተሃደራት ጎረባብቲ ሃገራት ዓረብ እውን ንፍልስጤማውያን ብምድጋፍ ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም።

በዚ ምኽንያት ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ወይ ድማ ክሃድሙ ተገዲዶም። ፍልስጤማውያን ነዚ ፍጻመ "ኣል ናቕባ" ወይ "መቕዘፍቲ" ኢሎም ይጽውዕዎ።

እስራኤል ኣብቲ ኣብ 1967 ዝተኻየደ ኲናት፡ ንግዝኣታት ፍልስጤም ካብ ምቁፅፃር ብተወሳኺ ንገለ ከባቢታት ኣዕራብ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ክትወርር ክኢላ።

እስራኤል ኣብ "ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኲናት" ነቲ ዮርዳኖስ ትቆቆጻጸሮ ዝነበረት ምብራቓዊ ክፋል ኢየሩሳሌም፤ ብግብጺ ዝተትሓዘ ምድረበዳ ቓዛ፤ ዝበዝሕ ክፋል ኣኽራናት ጎላን ሶርያን ክፋል ሲናይ ግብጽን ናብ ቁፅፅራ ኣእትያ።

2. እስራኤል ብኸመይ እያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተመስሪታ?

ብመሰረት ትውፊት ኣይሁድ፡ እቲ ሕጂ እስራኤል ዘላትሉ መሬት፡ ኣምላኽ ንኣብርሃምን ዘርኡን ቃል ዝኣተወሎም ምድሪ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን።

እቲ ከባቢ ኣብ ጥንቲ እዋን ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ብወራር ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ ነቲ ቦታ ፍልስጤም ዝብል ስም ዝሃብዎ ሮማውያን ምዃኖም ይንገር። ብድሕሪኡ ብሰንኪ ዝተፈፀሙ ወራራትን ግብሪ ናይ ምኽፋል ስርዓታትን ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ለውጥታት ተራእዩ።

እስራኤልን ፍልስጤምን ዝርከባሉ ማእከላይ ምብራቕ ዝቆጻጸሩ ዝነበሩ ኦቶማን ቱርካውያን ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ምስ ተሳዕሩ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እንግሊዝ ኣተወ።

እቲ መሬት ከኣ ዝበዝሑ ዓረብን ውሑዳት ኣይሁዳውያንን ዝነብሩሉ ነበረ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ማሕበረሰባት ክሳብ ሎሚ ዝቐጸለ ግጭት ክጓሃሃር ዝኸኣለ ከኣ፡ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ፍልስጤም ናይ ኣይሁዳውያን ሃገር ምቛም ዝብል ሓሳብ ከተፈፅም ስጉምትታት ክትወስድ ምስ ጀመረት እዩ።

ኣይሁዳውያን እቲ ከባቢ ናይ ኣቦሓጎታቶም ውርሻ ምዃኑ ክኣምኑ እንከለዉ፡ ፍልስጤማውያን ኣዕራብ ድማ እቲ መሬት ናቶም ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ሓሳብ ተቓወምዎ።

ንፍልጤም ብዝምልከት ዝተወደበ ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት ብ03 መስከረም 1947 ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ሃገረ-ኣይሁዳውያን ናይ ምምስራት ሕቶ “መፅሓፍ ቅዱሳውን ታሪኻውን” ምንጪታት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ጠቒሱ ነይሩ።

ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ውሽጢ ፍልስጤም ናይ ኣይሁድ ሃገር ምምስራት ከምዝድግፍ ኣብ 1917 ብዘውፅኦ ድንጋገ ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ኣብ ኤውሮጳ ካልኣይ ኲናት ዓለም ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ ከምኡ’ውን ቅድሚኡ፡ ጀርመናዊ ስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ኣይሁድ ዝፈፀሞ ህልቂት ከም ምኽንያት ኮይኑ’ውን ሃገረ እስራኤል ንክትምስረትን ኣፍልጦ ክወሃባን ጸቕጢ ይግበር ነይሩ።

ብሪጣንያ ነቲ ኣብ መንጎ ብሄርተኛታት ዓረብን ደለይቲ ፍትሒ ጽዮናውያንን ዝነበረ ግጭት ክትገትኦ ስለዘይከኣለት ነቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት ሃገራት ወሰደቶ።

ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ትካል ከኣ ነቲ ፍልስጤም ኣብ ክልተ ተመቒላ ናጻ ሃገራት ዓረብን ኣይሁድን ንኽምስረታ ዝቐረበ እማመ ብ29 ሕዳር 1947 ኣጽዲቕዎ።

ነዚ ስዒቡ፡ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም ዝነበራ ውክልና ክዛዘም ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ኣይሁዳውያን ብ14 ግንቦት 1948 ናጽነት ሃገርነት እስራኤል ኣዊጆም።

ንጽባሒቱ እስራኤል ኣባል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ኣመልኪታ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ተቐባልነት ረኸበት።

3. ግዝኣታት ፍልስጤም ስለምንታይ ተነፃፂሎም?

ኮሚተ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ግዝኣት ኣዕራብ ፍልስጤም ንኣየኖት ከባቢታት ከምዘጠቓልል ብንጹር ኣመልኪቱ እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ኲናት ዓረብን እስራኤልን'ዩ ግዝኣቶም ብንጹር ዝተፈለጠ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ብጸጋምን የማንን ብ45 ኪሎ ሜተር ዝተነፀላ ክልተ ግዝኣታታ ፍልስጤም ተፈጢረን። እቲ ሓደ ንምብራቕ ኢየሩሳሌም ሓዊሱ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ (ዌስት ባንክ) ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ምድረበዳ ቓዛ እዩ።

እስራኤል ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ መግዛእታ ዝጸንሐን ክሳብ ሕጂ ስርሒታት ኣየርን ባሕርን እትቆጻጸረሉን ደቡባዊ ዶብ ምድረበዳ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ቁፅፅራ ብምፅናሕ ኣብ 2005 እያ ናብ ፍልስጤማውያን መሊሳቶ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ምድረበዳ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ኣብ ሞንጎ ተነፀልቲ ፍልስጤምን እስራኤልን ንዝተገበረ ስምምዓት ዘይቕበል እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ ይርከብ።

ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ብዓለም ደረጃ ኣፍልጦ ዘለዎ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ‘ፋታሕ’ ንምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዘመሓድር ኮይኑ መንግስቲ ፍልስጤም ብዝብል እዩ ዝፍለጥ።

4. ፍልስጤም ከም ሃገር ቅቡልነት ኣለዋ’ዶ?

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍልስጤም ኣብ ክልተ ተመቒላ ሃገራት ዓረብን ኣይሁድን ክምስረታ ድሕሪ ምውሳኑ እስራኤል ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ መስሪታ ሓንቲ ካብ ልኡላውያን ሃገራት ዓለም ክትከውን በቒዓ። ፍልስጤም ግን ክሳብ ሕጂ ነዚ ኣይበቕዐትን።

እስራኤል ካብ እትምስረት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከም ሓንቲ ሃገር ኣባል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ከላ፡ ፍልስጤም ግን ከም "ዘይኣባል - ተዓዛቢት ሃገር" ብምዃን ምሉእ ኣፍልጦ ከይረኸበት ቀጺላ።

ከም ሃገር ምሉእ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ሕቶ እንተቕረበት’ውን ካብ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እኹል ደገፍ ስለዘይረኸበት ጉዳያ ተንጠልጢሉ ተሪፉ።

ይኹን እምበር ካብተን 193 ኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት እተን 138 ወይ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ሃገራት ንሃገርነት ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ዝሃባ እየን።

5. ዘየቃድውዎም ነገራት እንታይ እዮም?

ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ንዘመናት ስምምዕ ከይፍጠር ዝዓገቱ ብዙሓት ምኽንያታት ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎኦም ከም ዕንቅፋት ኮይኖም ቀጺሎም ኣለዉ። እቶም ቀንዲ ድማ ዝስዕቡ እዮም።

ፍልስጤማውያን ስደተኛታት፦ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበቲኖም ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ጉዳይ እቲ ሓደ እዩ። ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ፍልስጤም ዝኾነ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (ፒ.ኤል.ኦ) 10.6 ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ስደት ከምዝርከቡ ይገልጽ። እዚኦም ነቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ዝርከብ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ መዓስከር ጀኒን ዝርከቡ ዘጠቓልል'ዩ። ስለዚ ምስ እስራኤል ናብ ስምምዕ ክብፃሕ እንተኾይኑ ናብቲ ሕጂ እስራኤል ዝበሃል ግዝኣት ክምለሱ ኣለዎም ይብል። እስራኤል ብወገና እዚ ንኣይሁዳዊ መንነተይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ብምባል ትነጽጎ።

ሰፈራታት እስራኤላውያን፦ እስራኤል ድሕሪ’ቲ ናይ 1967 ኲናት ብወራር ኣብ ዝሓዘቶም ግዝኣታት ፍልስጤማውያን ኣብ ዝበሃሉ ምብራቓዊ ኢየሩሳሌምን ምዕራባዊ ገማግም (ዌስት ባንክን) ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣይሁዳውያን ከምዘስፈረት ይግለጽ። ብመንግስቲ እስራኤል ዝተሃነጹ እቶም ናይ ሰፈራታት ብዓለምለኻዊ ሕጊ’ውን ዘይሕጋውያን ተባሂሎም ተነቒፎም’ዮም። ፍልስጤማውያን ሰፋሮ ኣይሁድ ካብ መሬቶም ክወጽኡ ይጠልቡ’ኳ እንተሃለዉ እስራኤል ግን ጸማም እዝኒ ብምሃብ'ያ ትቕጽል ዘላ።

ጉዳይ ዶብ፦ ፍልስጤማውያን፡ ሕቡራት ሃገራት ክልቲአን ሃገራት ክምስረታ ኣብ ዝወሰኑሉ እዋን ዘቐመጦም ግዝኣታት ክኽበሩ፤ እዚ ድማ እስራኤል ናብቲ ቅድሚ’ቲ ብ1967 ዝተኻየደ ኲናት ዓረብን እስራኤልን ዝነበረ ትሕዝቶኣ ክትምለስ ይጠልቡ። እስራኤል ግን ነዚ ኣይትቕበሎን እያ።

ዋንነት ኢየሩሳሌም፦ እስራኤል ነታ ከተማ ልኡላዊት ግዝኣታ ከምዝኾነትን ኣብ ኲናት 1967 ንምብራቕ ኢየሩሳሌም ድሕሪ ምቁፅፃራ ርእሰ ከተምኣ ምዃና ብወግዒ’ኳ እንተገለጸት ብዓለም ደረጃ ግን ኣፍልጦ ኣይረኸበትን። ፍልስጤማውያን ብወገኖም ምብራቕ ኢየሩሳሌም ርእሰ ከተማኦም ክትኽውን ይደልዩ። ምምሕዳር ትራምፕ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ከተማ ተል ኣቪቭ ናብ ኢዮሩሳሌም ከምዝግዕዝ ምግባሩ ንፍልስጤማውያን ዘቖጥዐ ምንባሩ መርኣያ ነይቲ ምስሕሓብ'ዩ ነይሩ።