ጽምብል ቅዱስ ዮሓንስ ንሰላምን ራህዋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ባሕቲ መስከረም፡ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት ግእዝን እዩ። እብዛ ድርብ ዕለት ውሉደ ክህነት ነታ ዕለት ብዜማን ማህሌትን ጸናጽልን ከበሮን ንበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ይጽምብሉ።
ኣመንቲ ክርስትና ሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ነታ ዕለት ብተስፋን ፍስሓን ይቕበሉዋ።
ቅዱስ ዮሓንስ ብ02 መስከረም እኳ እንተተሰየፈ፡ ሊቃውንቲ ቤተ ክህነት ግብጽን ኢትዮጵያን ግን ንኣነባብራ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንባሕቲ መስከረም ጁልያን ካላንደር (ኣቈጻጽራ ግእዝ)፡ ከም ምጅማር ሓድሽ ዓመት ክትበዓል ወሲኖም። ኣብታ ዕለት ብሊቃውንቲ መራሕቲ ሃይማኖት ባሕረ ሓሳብ ፈሲሱ በዓላት ዝበዓለሉ ጾም ዝውዕለሉን ዝሰዓረሉን መዓልታት ተቐሚሩ ንምእመናን ብነጋሪት ቤተክርስትያን ይእወጅ።
እቶም ብሕርሻን መጓሰን ዝነባበሩ ሕብረተሰባት፡ ካብ ድሜማን ጥሚቕን፡ ካብ ጭቃን ጨፈቃን ዝናገፈሉ፡ ካብ ሳዕሪ ናብ ዕምበባን ፍረን፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ጥሜት ናብ ጽጋብ ዝሰጋገረሉ ዘበነ ተስፋ ስለዝዀነት እዮም ነዛ ዕለት በዚ ኣገባብ እዚ ክጽምብሉዋን ክቕበሉዋን ወሲኖም።
ወርሒ መስከረም እምበኣር ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዓመተ ተስፋን መስተርሆትን እያ ትረአ። እቲ ዓመት ምሉእ ግራቱ ጸጊኡን ሓሪሱን ደኲዑን ኣለሳሊሱ ዘሪኡን፡ ምሉእ ክረምቲ ክጽህን ካብ ጥሪትን ደቂ በረኻን ክሕሉ ዝጸንሐ ሓረስታይ፡ ዘራእቱ ምስ ጨልቀዐን ምስ ሰወተን ብተስፋ ዝሕደሰሉ እዋን እዩ።
ኣብታ ወርሒ ዘራእቲ ማሸላ፡ ብልቱግ፡ ዕፉን፡ ሰገም፡ ስምስም ከምኡ’ውን ካልኦት ዘራእቲ ናብ ፍረ ተቓሪቦም ጽጋብ ዓይንን ልብን ዝዀኑሉ እዋን እዩ።
ኣብ ርእሲኡ ብገልገለ መስቀለ ዝተሰለመ ጐቦታትን ጐላጒልን ጽገ ዝጸግዩን ምጸ ምጸ ዝጓሩቱን ኣናህብ ዓሲሎሞ ምድረ ሰማይ ሽታ ዕምበባ መሮርን ተስፋን ዝዓስለሉ፤ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት ሓረስታይ ሸዊት ዕፉን ዝጥበሰሉ፡ ጉምቦ መሸላ ዝሻልቘሉ፡ ሰዊት ስገምን ስርናይን ዝህንኰተሉ እዋን እዩ።
በዚ ከኣ ሓረስቶት ካብ ሓምልን ጥሜትን ናብ ጻዕዳ እኽልን ሸዊትን ናብ ጸባን ጠስምን መዓርን ዝሰጋገሩሉ ወርሒ ብምዃኑ፡ ኣገደስቲ ውራያት መርዓን ደርዓን መዓልቲ ዝቝጸረሉ ወርሒ እውን እዩ። ስለዝዀነ እምበኣር ነብሲ ወከፍ ሰብ ነዛ ሃይማኖታውን ባህላውን ትርጕም ዘለዋ ክብርቲ ዕለትን ወርሕን ብዓቢ ክብርን ፍቕርን ይቕበላ።
ኣብ መዓልታት ጳጉሜን መንእሰያት ኣወዳት ንቕዱስ ዮሓንስ ዝዀኖም ሽግ፡ እግሪ፡ ጓልእግሪ፡ ከብዲ፡ ጓል-ከብዲ፡ ጭራሮ፡ ጓል-ጭራሮ እናበሉ፡ ሽግ ክሰርሑ ድሕሪ ምቕናይ፡ ድሮ ቅዱስ ዮሓንስ ምሸት፡ ብገዛውቲ ተኣኪቦም ሽጎም ወሊዖም ተሰሪዖም “ሆየ. . .” እናበሉ ይኾሉ።

መንእሰያት ዓዲ፡ ካብ ጸልማት ክረምቲ ናብ ብርሃን ቀውዒ ተሳጊርና ንምባል ሽጐም ኣብሪሆም በብዕድመኦም ተሰሪዖም፡ “ሆየ ሆየ፡ ሆየ ዘይበለ ካባና ይፈለ!” እናበሉ ንምልእቲ ዓዲ ዘይሮም ኣብ ቅርዓት ዓዲ ጓይላ ተኺሎም፡ ንዓበይቲ ሰባት ሓዊ ኣሳጊሮም ነታ ሓዳስ ዓመት ብተስፋ ይቕበሉዋ። እቲ ናይ ሽግ ሆየ ሆየ ምስጋር ምልክት ከኣ ንዝሓለፈ ዓመት ብሓዊ አምሳል ከም ዝሰገርዎ ዘመልክት እዩ ይበሃል።
ነብሲ ወከፍ ስድራ ኣብ ቤታ ዓኾኻይ ዓኾኻይ ሓምሊ ቁራዕ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ እናበለ ንደምበ ጥሪት ከይተረፈ ብተመሳሳሊ ዜማን ኣገባብን ትዘሮ።
ኣገባብ ሆየ ብዝምልከት፡ መንእሰያት ብሓባር ኰይኖም ነንገዛውቶም ሽግ ወሊዖም ድሕሪ ምዅላል፡ ብደረጃ ዓዲ ተኣኪቦም ድማ ንቤተክርስትያን ዓዶም ክዘርዎ ኣብ ሓደ ማእከላይ ቦታ ይተኣኻኸቡ።
ሆየ-----ሆየና ሆየ
ሆየ-----ሃንስ መስቀለ
ሆየ----ብደሓን ይቀልቀለ
ሆየ----ኣባ’ብርሃም ዓጓ
ሆየ---ክጐዪ ተጐጓ
ሆየ---ኣባ’ብርሃም ሽንሽን
ሆየ---ንዓናይ ንሽን
ሆየ---ኣባ’ብርሃም ጢጡ
ሆየ---ክጐዪ ጠሪጡ
ሆየ---ኣጆኹም ቈልዑ
ሆየ---ባልደንጓ ጨልቂዑ
ሆየ---ኣጆኹም ጓሶተ
ሆየ---ባልደንጓ ሸወተ
ሆየ---ኣጆኽን ኣንስቲ
ሆየ---ጻዕዳ ጣፍ ለወስቲ … እናበሉ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብየማን ጀሚሮም ሰለስተ ሳዕ ይዘርዎ። ደቂ-ኣንስትዮ እውን፡ ኣብ ቅርዓት ቤተ-ክርስትያን ኮይነን እናደረፋ የሰንያኦም እየን።

ሰስኑ ሰስኑ ሽሕን ዋልታን ኵኑ
ኣታ ‘ዛዓድና ከይኣትዋ ጓና
ሰስኑ ሰስኑ እንቃዓ ጣፍ ኵኑ
ኣታ ‘ዛዓድና ከይኣትዋ ጓና።
ሕዮባ መሲሎም’የ
‘ቲ ሕዮባ ከምሱሉና. . . እናበላ ይደርፋ።
ብድሕሪ’ዚ፡ ኣዋልዶም ኣወዳቶም ምሉእ ለይቲ ነቲ በዓል ብዝውክሉ ደርፊታት ጓይላ ክጻወቱ ይሓድሩ። እዚ ዅሉ ወግዒ ኣብ ድሮ ቅዱስ ዮሓንስ’ዩ ዝፍጸም።
ኣብ መዓልቲ ቅዱስ ዮሓንስ ድማ፡ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ሕሩድ ሓሪዱ ይበልዕን ይሰትን። ነቲ በዓል ብዝገልጽ ኣገባብ ዝተዳለወ ኣኽለማይ ምስ ተበልዐ፡ እቶም ጓይላ ክጻወቱ ዝሓደሩ መንእሰያት ተመሳሲሖም ኣብቲ ልሙድ ጓይላ ዝጻወትሉ ቦታ ይውሕዙ።
በዚ ምኽንያት እያ ድማ መስከረም ኣገዳሲት ዝገብራ።
ኣብ ርእሲኡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መስከረም ስሩዕ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ይጅምር። ተምሃሮ ማህደሮም ተዀልኲሎም ናብ ኣብያተ ትምህርቶም ይውሕዙ። እቶም ጥሪት ዝጓስዩ ደቂ ገጠር ከኣ ጥሪት ሓድሕዶም እናተጸናንሑ ገሊኦም ናይ ንገሆ ገሊኦም ከኣ ድሕሪ ቀትሪ ይምሃሩ።
ኣብ ክልቲኣን ሃገራት ከም ባህሊ እቶት ዘራእትን ሰሰን ጥሪትን ተራእዩ መርዓ ይቝጸር። መስከረም ፈላሚት ዓመት ስለ ዝዀነት ኵሉ ሰብ ብሓድሽ መንፈስን ተስፋን እዩ ዝጅምራ።
ብቋንቋ ኣምሓርኛ እውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን “እንቍጣጣሽ” ብዝብል ስም ሓድሽ ዓመት ግእዝ ይጽንበል። እዚ ዓሚቝ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ሱር ዝሓዘ ዓመታዊ ፍጻመ ብሕጕስ መንፈስ እዩ ዝበዓል።
ኣብታ ዕለት ሓድሽ ክዳውንቲ ዝተኸድኑ ተቐበልቲ ሓድሽ ዓመትን በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ናብ ጐደናታት ወጺኦም ዕምበባታት እናዓደሉ ብደርፍን ሳዕስዒትን እናጸምበለ ነታ ሓዳሽ ዓመት ዘበነ ሰላምን ራህዋን ክትኰነሎም ብልዑል ተስፋ ይጽምብሉዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







