ሩስያ-ዩክረይን፡ መገሻ ሞስኮ ኣይተዓወተን - ኣብ ፍሎሪዳ ዝግበር ርክብ ከ?

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካን ወዲ ሓሙ ንፕረዚደንት ኣመሪካን ጃረድ ኩሽነር ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ተሳቲፎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካን ሰብኣይ ጓሉ ንትራምፕን ጃረድ ኩሽነር፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ተሳቲፎም

ድሕሪ'ቲ ዘይዕውት ዝርርብ ሞስኮ፡ተደራደርቲ ዩክረይንን ኣመሪካን፡ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ፍሎሪዳ ክራኸቡ ምዃኖም ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ሎሚ ሓሙስ ምስ ሓላፊ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዩክረይን ሩስተም ኡመሮቭ ክራኸብ ምዃኑ ዋይት ሃውስ ኣረጋጊጹ።

እዚ ርክብ፡ ዊትኮፍ ብሰሉስ ኣብ ሞስኮ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዳርጋ ንሓሙሽተ ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ክረምሊን ነቲ ኲናት ንምቍራጽ "ዝዀነ ሕድገት" ከምዘየርአየት፡ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕ እቲ ዝርርብ፡ "ብመትከል ጽቡቕ" ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ እንታይ ከም ዝኸውን ንምዝራብ ግን ግዜኡ ገና ከምዝዀነ እዩ ዝእንፍት።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኣንድሪ ሲብያ፡ ሩስያ "ነቲ ደማዊ ኲናት ክተብቅዕ ኣለዋ" ብምባል፡ ፑቲን "ግዜ ዓለም የባኽን ኣሎ" ክብል ከሲሱ።

እቶም ኣመሪካውያን ላዕለዎት ተዳራደርቲ፡ ንምዃኑ ፑቲን ነቲ ኲናት ከብቅዕ ከም ዝደሊ ብሓቂ ይኣምኑ ድዮም ዝብል ሕቶ ብሓደ ሪፖርተር ምስ ተሓተተ፡ ትራምፕ "[ፑቲን] እቲ ኲናት ከብቅዕ እዩ ዝደሊ፤ ጦብላሕታኦም ከምኡ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

ኣቐዲሙ ኣቢሉ ድማ፡ ትማሊ ረቡዕ፡ ዘለንስኪ ኣብ መንጎ ተዛተይቲ ኣመሪካን ዩክረይንን "ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት" ኣኼባ ከምዝካየድ ገሊጹ ነይሩ።

ዘለንስኪ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዓለም ነቲ ኲናት ንምውዳእ ሓቀኛ ዕድል ከምዘሎ ብንጹር ይስምዓ'ሎ" ኢሉ።

ንሱ ግን ወሲኹ፡ እቲ ዘተ "ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቕጢ ብምግባር" ክድገፍ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ክረምሊን ዝተኻየደ ዝርርብ ኣመሪካን ሩስያን፡ ድሕሪ ናይ መዓልታት ኣኼባ ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ዩክረይንን ኤውሮጳን ዝተገብረ ኰይኑ፡ እቲ ረቂቕ ስምምዕ ሰላም፡ ናብ ሩስያ ዘዘምበለ ምዃኑ ምስተኣመነሉ እዩ።

"ገለ ካብቶም እማመታት ኣመሪካ ብብዝሒ ቅቡላት ይመስሉ፡ ዋላ'ኳ ብዝያዳ ክዝተየሎም እንተድለዮም" ዝበለ ኡሻኮቭ፡ ካልኦት ድማ ብመራሒ ሩስያ ብግልጺ ከምዝተነቕፉ ገሊጹ።

ኡሻኮቭ ካብዚ ንላዕሊ ዋላ'ኳ እንተዘይተዛረበ፡ እንተወሓደ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት፡ ኣብ መንጎ ሞስኮን ኪቭን ዓንቂ ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ፤ ዕጫ ብሓይልታት ሩስያ ዝተጐብጠ ግዝኣት ዩክረይንን፡ መጻኢ ውሕስነት ጸጥታ የክረይንን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኪቭን ኤውሮጳውያን መሓዙታን፡ ዋላ'ውን ስምምዕ ሰላም እንተ ተፈጢሩ፡ ሩስያ ኣብ መጻኢ ዳግማይ ካብ መጥቃዕቲ ንምዕጋት፡ እቲ ዝበለጸ መገዲ ንዩክረይን ኣባልነት ኔቶ [ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ምሃብ ምዃኑ ይኣምኑ።

ሩስያ ንኸምዚ ዝበለ እማመ ብትሪ ትቃወሞ ኣላ፡ ትራምፕ እውን ዩክረይን ናብቲ ኪዳን ክትጽምበር ሓሳብ ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ ኣንፊቱ እዩ።

ዩክረይን ናብቲ ኪዳን ክትጽንበር ዝብል ሕቶ፡ ብሞስኮ ዝተነጽገ "መሰረታዊ ጉዳይ" ምዃኑ ክረምሊን ትማሊ ረቡዕ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፖሊሲ ወጻኢ ፑቲን ዝኾነ ኡሻኮቭ፡ ሳላ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓውደ ውግእ ዝረኸበቶ ዓወታት፡ ናይ ምክርኻር ዓቕሚ ሩስያ ከምዝተጠናኸረ ኣመልኪቱ።

ቅድሚ ምብጻሕ ኣመሪካውያን መንጐኛታት ናብ ክረምሊን፡ ፑቲን ኣብ ሓደ ግንባር ምስ ሰራዊት ተሳኢሉ ነይሩ።

ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን እትርከብ ቀንዲ ስትራተጅያዊት ከተማ ፖክሮቭስክ ከምኡ'ውን ካልኦት ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ግዝኣታት ኣብ ኢዶም ከምዘእተዉ ብኣዘዝቲ መግለጺ ተዋሂቡዎ።

ሓይልታት ሩስያ ንመላእ እታ ከተማ ኣይተቘጻጸርዋን፤ እንተዀነ ሰበስልጣን ሩስያ መልእኽቲ ወተሃደራዊ ዓወቶም ብኣመሪካ ከምዝተሰምዐ ብንጹር ይኣምኑ።

ሓይልታት ሩስያ፡ ብምብራቕ ሸነኽ ገለ ምዕባለታት ከምዘርኣዩን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጎስጓሶም ዘሐየሉን ይመስሉ።

ክረምሊን ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፑቲን ምስ ኣመሪካውያን "ክንዲ ዝድለ" ንምርኻብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።

ምስ ምምጻእ ትራመፕ ተኣሳሲሩ፡ ዝምድና ሩስያን ኣመሪካን ዝያዳ እናረሰነ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ግን፡ ኣብ መንጎ ሞስኮን ኤውሮጳን ዘሎ ሃጓፍ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ።

ፑቲን፡ ኤውሮጳ ንርክብ ሩስያ ምስ ኣመሪካ ብምዝራግ፤ ሞስኮ ክትቅበሎ ዘይከኣለት ጠለባት ብምቕራብ መስርሕ ሰላም ትዓግት ኣላ ክብል ከሲሱ።

ፑቲን ምስ ዊትኮፍን ኩሽነርን ቅድሚ ምርኻቡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስ ኤውሮጳ ክጋጮ'ኳ እንተዘይደለየ፡ "እንተመጺኦም ግን፡ ንውግእ ድሉው" ምዃኑ ገሊጹ።

ፑቲን (የማናይ)ን ዩሪ ኡሻኮቭን ብሰሉስ ምስ ልኡኻት ኣመሪካ ዳርጋ ንሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ተሳቲፎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Pool/Sputnik

መግለጺ ስእሊ, ፑቲን (የማናይ)ን ላዕለዋይ ኣመኻሪኡ ዩሪ ኡሻኮቭን፡ ምስ ልኡኻት ኣመሪካ ዳርጋ ንሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ዝወሰደ ዝርርብ ተሳቲፎም።