ዩክረይን፡ ፑቲን ምስ ልኡኽ ኣመሪካ ድሕሪ ምዝርራቡ እንታይ ኢሉ?

ፕረዚደንት ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ላዕለዋይ ልኡኽ ፕረዚደንት ትራምፕን ንሓሙሽተ ሰዓታት ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ስምምዕ ሰላም ዩክይን ዝተዓወተ ኣይመስልን።

ወሃቢ ቃል ክረምሊን፡ ኣኼባ ሞስኮ ሃናጺ'ኳ እንተነበረ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ውጥን ግን ንሩስያ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።

ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍን ሰብኣይ ጓሉ ጃረድ ኩሽነርን ነቲ ኲናት ንምቍራጽ ዝዓለመ ንሰሙናት ዝቐጸለ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ድሕሪ ምክያዶም፡ ኣብቲ ዝርርብ ዝተረኽቡ ኰይኖም፡ ካብ ሞስኮ ድሕሪ ምምላሶም ግን ርእይቶ ኣይሃቡን።

ፑቲን፡ ኣቐዲሙ ብሰሉስ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ እማመ ውጥን ሰላም ብኪቭን ኤውሮጳን ዝተገብረ ለውጢ ቅቡል ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ኤውሮጳ "ናብ ኲናት ክትኣቱ እንተደልያ'ሞ እንተጀሚራቶ፡ ንሕና ድልዋት ኢና" ክብል ፈኪሩ።

ዩክረይንን ኤውሮጳውያን መሓዙታን፡ ኣመሪካ ንዝቐረበቶ እማመ ስምምዕ ሰላም ንምምሕያሽ ድፍኢት ክገብሩ ፀኒሖም እዮም።

ዋይት ሃውስ ቅልጡፍ ስምምዕ ንምርግጋጽ ዝሃቀነሉ ስምመዕ ኰይኑ፡ ክረምሊን ብዘይ ወዓል ሕደር ክትቅበሎ ምዃና ኣመልኪቱ ነይሩ።

እቲ ኣብ ሕዳር ናብ ማዕከናት ዜና ልሒዅ ድሕሪ ምውፅኡ፡ ንሩስያ ምቹእ ምዃኑ ብሰፊሑ ዝረአ ዝነበረ ውጥን ሰላም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሓያሎ ለውጥታት ተገይሩሉ እዩ።

ድሕሪ ኣኼባ ሞስኮ፡ ብዛዕባ እቲ እማመ ዝተሓተተ ላዕለዋይ ሓጋዚ ፑቲን ዩሪ ኡሻኮቭ፡ ክረምሊን "ብገለ ነጥብታት ተሰማሚዑ ኣሎ፤ ገለ ነገራት ግን ነቒፍናዮ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወሲኹ፡ "ክሳብ ሕጂ ናብ ሓደ ስምምዕ ኣይበጻሕናን... ብዙሕ ስራሕ ኣብ ቅድመና ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ሞስኮን ኪቭን ዘሎ ቀንዲ ዘይምርድዳእ ይቕጽል ኣሎ፤ ዕጫ ዝተጐብጠ ግዝኣታት ዩክረይን፡ ብኤውሮጳ ዝወሃብ ውሕስነት ጸጥታን ሓዊሱ።

መሓዙት ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ኤውሮጳን ሞስኮን እውን፡ እቲ ውዕል ሰላም ከመይ ክመስል ከም ዘለዎ ኣብ ሓያል ፍልልያት ኣለወን።

ፑቲን ቅድሚ እቲ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ኣብ 2022 ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ንጻዕሪ ምክልኻላዊ ኲናት ኪቭ ዝደገፉ መራሕቲ እታ ኣህጉር ኣባጭዩ።

መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ስትራተጂያዊ ስዕረት ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዕሽነት ከምዘሎ ገሊጹ።

ሃገሩ "ምስ ኤውሮጳ ናብ ኲናት ክትኣቱ መደብ ኣይነበራን - ኤውሮጳ ሃንደበት ናብ ኲናት ክትኣቱ እንተደልያን ዝዀነ እንተጀሚራን ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድሉዋት ኢና" ኢሉ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ዝርርብ ክረምሊን ካብ ልኡኽ ኣመሪካ መብርሂ ክወሃቦ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ መራሒ፡ ቅድሚ ዝርርብ ሞስኮ ምክያዱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኲናት "ሕጂ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ" ንምቍራጽ ዕድል ከምዘሎ፡ እንተዀነ ባእታታት ናይቲ እማመ ገና ብዙሕ ከምዝተርፎ ብሰሉስ ገሊጹ።

ዘለንስኪ፡ ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ "ኵሉ ነገር ኣብ ናይ ሎሚ ዘተ እዩ ዝምርኮስ" ኢሉ።

ዘለንስኪ "ቀሊል ፍታሕ ከምዘየለ" ብምግላጽ፡ ከም ኣባልነት ኔቶ ዝኣመሰሉ ተሪር መርገጺታቱ ብምድጋም፡ ኣብቲ ዘተ ሰላም ክትሳተፍን ንጹር ውሕስነት ጸጥታ ክትረክብን ተማሕፂኑ ነይሩ።

እዚ ስጕምቲ ንነዊሕ እዋን ብሩስያ ይዅን ብትራምፕ ዝተነጽገ'ዩ።

"ድሕሪ ሓደ ዓመት ሩስያ ናብቲ ከበባ ከምዘይትምለስ ብዘተኣማምን፡ ነቲ ኲናት ደው ከነብሎ ኣለና" ክብል ዘለንስኪ ወሲኹ ገሊጹ።

እንታይ ምዕባለታት ኣሎ

ወከልቲ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብዛዕባ እቲ እማመ ዊትኮፍ፡ ኩሽነርን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮን ዝተረኽብሉ ክልተ ዙር ልዑል ዝርርብ ኣካይዶም።

ዋይት ሃውስ፡ ከም ውጽኢቱ እቶም እማመታት ዘይሳነዩ ምዃኖም እኳ እንተገለጸ፡ ዝርዝር ናይቲ ዝተመሓየሸ ውጥን ዛጊድ ኣይተፈልጠን።

እቲ ናይ ሰሉስ ዝርርብ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ንካቢነ ምኒስተራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ንምፍታሕ ቀሊል ከምዘይኰነ ብምግላጽ፡ ነቲ ግጭት "ዕግርግር" ክብል ገሊጽዎ።

መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነቲ ብተበግሶ ኣመሪካ ዝነቐለ ውጥን፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሰነድ ተቓዊሞሞ ነይሮም። ካብቶም ኣዝዮም ኣካታዕቲ ባእታታት፡ ዋሽንግተን ንግዝኣት ዶነስክን ሉሃንስክን ንሩስያ ኣፍልጦ ትህብ ዝብል፡ ኣወጊዶሞ ነይሮም።

ዘለንስኪ ብሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ሓያሎ መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብቲ ኣኼባ ተፀንቢሮም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።

ማክሮን፡ "ዛጊድ እዚ ዝበሃል ውዱእ ነገር" ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ካብ ዩክረይን ኤውሮጳን ብዝመጹ እታዎታት ጥራይ ክዕወት ከም ዝኽእል ኣስሚሩሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሰሉስ ኣብ ቅድመ ግንባር ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ሰራዊት ዩክረይን ገና ኣብታ ቀንዲ ምብራቓዊት ከተማ ፖክሮቭስክ ምስ ወተሃደራት ሩስያ ገጢሙ ከምዘሎ ገሊጹ፤ እዚ ድማ ሞስኮ ነታ ኣገዳሲት ከተማ ተቘጻጺራታ እያ ዝብል ኣገላልጻ ዝጻረር እዩ።