ዩክረይን፡ ኣብ ፍሎሪዳ ዝተኻየደ ተስፋ ዘለዎ ዝርርብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንምቍራጽ ብዝምልከት ምስ ዩክረይን ዝተገብረ ዝርርብ ውጽኢታዊ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝተኻየደ ዘተ፡ በቲ ሓድሽ ዋና ተዛታዪ ዩክረይ ኰይኑ ዝተሸመ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ሩስተም ኡመሮቭ ዝምራሕ ልኡኽ ተሳቲፉ ኣሎ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍን ከምኡ'ውን ወዲ ሰበይቱ ንትራምፕ ጃረድ ኩሽነርን እውን ተረኺቦም።
ዊትኮፍ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ሞስኮ ብምኻድ ዝርርብ ክቕፅል ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ላዕለዋይ ተዛታዪ ፕረዚደንት ዩክረይን ነበር፡ ኣንድሪ የርማክ፡ ብጥርጣረታት ብልሽውና፡ ስርሑ ድሕሪ ምቍራፁ እዩ ኡመሮቭ ናብዚ ቦታ መፂኡ ዘሎ።
እዚ ናይ ሰንበት ኣኼባ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ናይ መወዳእታ ስጕምቲ እዩ።
እቲ ዘተ፡ ንዩክረይንን ንፈተውታ ሃገራት ኣውሮጳን ዘቈጠዐን፡ ነታ ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ንዩክረይን ዝወረረት ሩስያ ዝድግፍ ምዃኑ ዝተገልጸ በዓል 28-ነጥቢ ውጥን ሰላም ኣመሪካ ልሒኹ ድሕሪ ምውጽኡ ዝተበገሰ እዩ።
ሩቢዮ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ሚያሚ ኣብ ዝርከብ ሃላንደል ቢች ዝተኻየደ ኣኼባ፡ "ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ኲናት ጥራይ ኣይኰነን" ኢሉ።
"ብዛዕባ ንነዊሕ እዋን ብልጽግና ዩክረይን ዝጠመተ እዩ፣ ኣብቲ ዝፀንሐ እናሃነፅና ኢና ንኸይድ ዘለና፡ ግን ተወሳኺ ስራሕ የድሊ'ዩ።"
ብተወሳኺ ንልኡኽ ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓላማ ዝርርብ ሰላም ምስ ሩስያ፡ "ልኡላዊት፡ ናጻን ብልጽግትን" ዩክረይን ምርኣይ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
ናይ ሰንበት ዝርርብ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኡመሮቭ፡ "ኣብ ዛዕባታት መጻኢ ዩክረይን፡ ድሕነትን እታ ሃገር ዳግማይ ዘይትውረረሉን፣ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ብልጽግናን ዳግመ ህንጸትን ንዛተ ኣለና" ኢሉ።
ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዘስመዖ ዘረባ፡ "ኣመሪካ ትሰምዓና ኣላ፡ ትድግፈና ኣላ፡ ኣመሪካ ኣብ ጎንና ትሰርሕ ኣላ" ኢሉ።
ድሒሩ ነቲ ዝርርብ፡ "ኣፍራዪን ዕዉትን" ክብል ወሲኹ ገሊፁዎ።
ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝርርብ "ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ" ኢሉ፤ ነቲ ግጭት ንምቍራጽ ስምምዕ ክግበር ጽቡቕ ዕድል ከምዘሎ ድማ ኣፍሊጡ።
ትራምፕ ኣቐዲሙ ንፍሉይ ልኡኹ ዊትኮፍን ምስ ኹሽነር፡ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሞስኮ ክሰዶም ምዃኑን ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ተመሓዪሹ ዝበሃል ውጥን ሰላም ክዘራረቡ ምዃኖምን ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "እቲ ዝርርብ ሃናጺ ዕምቈት ዘለዎን፡ ኵሎም ጉዳያት ብግልፂ ዝተልዓልሉን፡ ኣብ ምርግጋጽ ልኡላውነትን ሃገራዊ ረብሓታትን ዩክረይን ኣገዳስን" ኢሉዎ።
ብተወሳኺ ኣመሪካን ትራምፕን፡እቲ ኲናት ንምቍራጽን ንዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዘመስግኖም ገሊጹ።
ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን፡ ኣብ ፀሊም ባሕሪ ዝጓዓዛ ዝነበራ ነዳዲ ዝፀዓና ገዘፍቲ ታንከራት ነዳዲ -ሩስያ ከምዘዕነዋ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብቐዳም ገሊጾም ነይሮም።
እቲ ብቢቢሲ ዝተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ማይ ዝንቀሳቐሳ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ፡ ብማዕበል ኣቢለን ናብተን መራኽብ ዝተዓቀባሉ ብፍጥነት ድሕሪ ምእታወን፡ ሃልሃልታን ምፍንጃረን ስዒቡ፡ ፀሊም ትኪ ናብ ኣየር ክተንን ተራእዩ።
እተን ዒላማ ዝተገብራ ታንከራት፡ ብሰበስልጣን ቱርኪ፡ ካይሮስን ቪራትን ተባሂለን ዝተሰየማ ዀይነን፡ ክልቲአን ባንዴራ ጋምብያ የንበልብላ ከምዝነበራ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ክልቲኣን ብዓርቢ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ዝተሃርማ ኰይነን፡ ብቀዳም ዳግማይ ከምዝተሃርማ ድማ ተገሊፁ።
ንእሽቶ ብዛዕባ እቲ ኲናት
ሓደ ወሳኒ ዘይተፈትሐ ጉዳይ፡ ዕጫ ናይቲ ሩስያ ዝጐበጠቶ ግዝኣት ዩክረይን ዝምልከት እዩ።
እቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝተኻየደ ዝርርብ "ቀሊል ከምዘይነበረ" ምስ ልኡኽ ዩክረይን ቅርበት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ምንጪ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
"ኩሉ ሰብ ግን ሃናፂ ዝዀነ ፍታሕ ንምርካብን ይጽዕር ኣሎ" ክብል እቲ ምንጪ ወሲኹ ገሊጹ።
ዘሌንስኪ ምስ ሓያል መሓዛ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ንምዝርራብ ፅባሕ ናብ ፓሪስ ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ካብ እትወርር ንደሓር ዓሰርተታት ኣሽሓት ወተሃደራት ከምኡ'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብውሕዱ 7 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሕብረት ሶቭየት ነበር ዘሎ ግጭት፡ኣብ 2014 ዝጅመረ ኮይኑ፡ ንሩስያ ዝድግፍ ፕረዚደንት ዩክረይን ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ሩስያ ድማ ንግዝኣት ክሪሚያ ብምጕባጥ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን፡ ንዝካየድ ዕጥቃዊ ተቓውሞታት ትድግፍ ጀሚራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







