ዩክረይን ኣብ ፀሊም ባሕሪ ዘባረዐተን ታንከራት ነዳዲ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን፡ ኣብ ፀሊም ባሕሪ ዝጓዓዛ ዝነበራ ነዳዲ ዝፀዓና ገዘፍቲ ታንከራት ነዳዲ -ሩስያ ከምዘዕነዋ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ብቢቢሲ ዝተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ማይ ዝንቀሳቐሳ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ፡ ብማዕበል ኣቢለን ናብተን መራኽብ ዝተዓቀባሉ ብፍጥነት ድሕሪ ምእታወን፡ ሃልሃልታን ምፍንጃረን ስዒቡ፡ ፀሊም ትኪ ናብ ኣየር ክተንን ተራእዩ።
እተን ዒላማ ዝተገብራ ታንከራት፡ ብሰበስልጣን ቱርኪ፡ ካይሮስን ቪራትን ተባሂለን ዝተሰየማ ዀይነን፡ ክልቲአን ባንዴራ ጋምብያ የንበልብላ ከምዝነበራ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ክልቲኣን ብዓርቢ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ዝተሃርማ ኰይነን፡ ትማሊ ቀዳም ዳግማይ ከምዝተሃርማ ድማ ተገሊፁ።
ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝበፅሐ ጉድኣት ዛጊድ ኣይተፈልጠን።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ሩስያ ነቲ ኣብ ዩክረይን ንእትገብሮ ኲናት ንምምዋል ወሳኒ ዝኾነ ኣታዊታት ነዳዲ ዝሃረመት ኰይና፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ ኲናት ከይጋደዶ ተሰጊኡ ኣሎ።
እዘን ክልተ መራኽብ፡ ኣካል ናይ "ጽላሎታዊ መርከብ" "shadow fleet" ተባሂሉ ዝፅዋዕ ቃፍላይ ምዃነን ይንገር።
እዚ ኣገላልፃ እዚ፡ ነተን ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምውራራ ንዝተነብረ እገዳ ምዕራባውያን፡ ብሕቡእ ንምጓዓዝ እትጥቀመለን ኣማኢት ታንከራት ዘመልክት እዩ።
እቲ 'ጽላሎታዊ መርከብ' ብዓቢኡ ኣረግቶት ዝቘመ ዀይኑ፡ ብዙሓት ድሩት ዋንነት ወይ መድሕን ዘለወን እየን።
ካይሮስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ፡ ቪራት ድማ ኣብ ማእከላይ ከባቢ ንምብራቕ ርሒቓ እየን ተወቒዐን።
ክልቲአን ኣብ ዝርዝር እገዳ መራኽብ ከምዘለዋ'ውን መረዳእታታት ይሕብሩ።
ምንጭታት ንቢቢሲ ዩክረይን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ 'ሲ ቤቢ' ዝበሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓላ ሓቢሮም።
እዚ ድማ ኣካል ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሓይሊ ባሕሪ እዩ።
ሰብመዚ ቱርኪ ነተን መራኽብ ክሕግዝወን ከምዝጸንሑ ብምግላጽ፡ ክልተ ጀላቡ ቱርኪ ነቲ ኣብ ካይሮስ ዝተፈጥረ ባርዕ ከጥፍኣኦ እንትፍትና ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣውጺኦም ኣለዉ።
እቲ መጥቃዕቲ ዩክረይን ከም መጠንቀቕታ ዝረአ ኮይኑ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ነዳዲ ሩስያ ዝጸዓና መራኽብ፡ ብምዕራባዊ እገዳ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብቐጥታ ዒላማ ናይ ምዃን ሓደጋ ከምዘለዎን ዘርኢ እዩ።
ካብ ዞባ ካስፒያን ነዳዲ ዘጓዕዝ ዓቢ ቃፍላይ፡ ኣብ ወደብ ጸሊም ባሕሪ ሩስያ ኖቮሮሲስክ ምግዕዓዝ ከምዘቋረጸን፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ብሰብ ኣልቦ ጀላቡ ዝበፅሐን መጥቃዕቲ ምዃኑ ተገሊፁ።
ቃፍላይ ሻምብቆ ካስፒያን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ መዕረፊ ሻምብቆታት ርኡይ ጉድኣት ከምዘውረደ ገሊጹ።
ሩስያን ካዛኪስታንን ቀንዲ ወነንቲ ናይቲ ኩባንያ ኮይነን፡ ብኸፊል ብከም ኤክሶን ሞቢል፡ ሸቭሮንን ሸልን ዝኣመሰላ ምዕራባውያን ትካላት እውን ዝውነን እዩ።
እንታይ ምንቅስቓስ ኣሎ?
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጸጥታ ሩስተም ኡሜሮቭ ዝምራሕ ልኡኽ ዝርርብ ንምቕጻል ናብ ኣመሪካ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኡሜሮቭ ንልኡኽ ዩክረይን ዝመርሕ ኮይኑ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መሪሕ ተደራዳሪ ጸላዊ ሓላፊ ስታፍ ዘለንስኪ ኣንድሪ የርማክ፡ መርመርቲ ጸረ ብልሽውና ብዓርቢ ገዝኡ ድሕሪ ምፍታሽ ካብ ስልጣኑ ለቚቑ ኣሎ።
እቲ ልኡኽ ዩክረይን፡ ሰንበት ኣብ ፍሎሪዳ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ክራኸብ ትጽቢት ይግበር።
ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ -ሃገራት ስቲቭ ዊትኮፍ ድማ፡ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ዝርርብ ከካይድ እዩ ተባሂሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







