ሳይንስ ብዛዕባ ጭሕሚ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, MO'AA TV
ኣያንቱ ኣድማሱ ካብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ብሕክምና እንስሳታት ተመሪቓ።
ኣብ ከተማ ቄለም ወለጋ ደምቢ ዶሎ እያ ተወሊዳ ዓብያ።
ገጽ ኣያንቱ ብጭሕሚ ዝተሸፈነ እዩ። ከም ደቂ ተባዕትዮ መዛኑኣ፡ ናብ ዕድመ ጉርዝውና ምስ በጽሐት እያ ጭሕሚ ከተብቁል ጀሚራ።
ስድራ ኣያንቱ፡ ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ኣብ ኣካላታ ብዙሕ ጸጉሪ ከም ዝነበረን ምስ ግዜ ከም ዝጠፍአትን እናነገሩ እዮም ኣዕብዮምዋ።
“ስድራይ፡ ቈልዓ ከለኹ ኣካላተይ ብጸጕሪ ዝተሸፈነ ከም ዝነበረ ይነግሩኒ። ድሓር ግን ኣብ ዕድመ ጉርዝውና ምስ በጻሕኩ ከም ጭሕሚ ተመሊሱ ዓብዩ። መንእሰይ ኮይነ እየ ጭሕሚ ከም ዘለኒ ዝተረዳእኩ።”
ኣያንቱ ገጻ ብጭሕሚ ከም ዝተወረረ ምስ ፈለጠት ጓሂ ተሰሚዕዋ።
ንነብሳ ጸሊኣ።
“ሰባት ክርእዩኒ ከለዉ፡ ካብ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈልየ መልክዕ ስለ ዘለኒ ይዛረቡኒ። ስለዚ እዚ ስለምንታይ ኣጋጢሙኒ ኢለ ይጉሂ ነይረ። . . . ”
ብፍላይ ካብ ዓዳ ደምቢ ዶሎ ናብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ነቀምቴ ምስ ከደት ብዙሕ ተሞክሮታት ከም ዘሕለፈት ትዛረብ።
“ኣብቲ ዝተወለድኩሉ ከባቢ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝፈልጡኒ ዋላ ሓንቲ’ውን ኣይዛረቡንን ነይሮም። እንተኾነ ናብ ትምህርቲ ምስ ከድኩ ካባይ ዝረሓቑ ሰባት ነይሮም። ዝስንብዱ እውን ነይሮም። ዝጸረፉኒ ከምኡ’ውን ዘሞገሱኒ ነይሮም።”
"ገሊኦም 'እዛ ጓል ጥዕና የብላን' ዝበሉ ነይሮም" ክትብል ትዝክር።
ብፍላይ ሓይልታት ጸጥታ፡ ድሕነት እቲ ከባቢ ንምሕላው ፍተሻ ከካይዱ ከለዉ፡ ብሰንኪ ጭሕማ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ብዝተፈልየ ብጥብቂ ከም ዝሓትዋ ትገልጽ።
"ኣብ ደምቢ ዶሎ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ብዘይ መለለዪ መንነተይ ናብ ድኳን ከይደ ኣቕሓ ገዚአ ኣይምለስን ነይረ። ከምዚ ኢሉ ጸጉሩ ኣዕብዩ ናብ ከተማ ዝኣተወ ወዲ እዩ እናበሉ ይምርምሩኒ ነይሮም።”
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይ ዓመት ተማሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሓደ መምህር፡ ተማሃሮ ኣስማቶም ብምግላጽ ንነብሶም ከላልዩ ሓቲቱ።
ንሳ ድማ፡ "ኣያንቱ ይበሃል" ክትብል ንገዛእ ርእሳ ኣላልያ።
እቲ መምህር፡ ‘ስምክን ገጽክን ሓደ ኣይኮነን’ ኢሉ ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ከም ዝተጠራጠረ ትዝክር።
ንሳ ግን፡ ንመምህራ 'ጭሕሚ ኣለኒ እምበር ጓል ኣንስተይቲ እየ' ኢላ ከም ዘረድአቶ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ጭሕምን ጥዕናን ጓል ኣንስተይቲ
ኣያንቱ ጭሕሚ ምዕባያ ህያብ ፈጣሪ ምዃኑ ትኣምን።
ብዙሓት ሰባት ከይትላጸዮ ከም ዝመኸሩዋ ትዛረብ። ንሳ ግን ንእተወሰነ እዋን ክትላጸዮ ጸኒሓ።
“ካብ ገጸይ ንኽጠፍእ ዝተፈላለዩ ክሬማት ይልከ ነይረ። ስድራይ ግን ከየጥፍኦ ይነግሩኒ ነይሮም። ብፍላይ ኣደይ 'ጓለይ ከም ናይ ኣደይ ጭሕሚ ኣለዋ' ኢላ ኣዝያ ትሕጎስ ነይራ።
ብፍላይ ኣፍቃሪኣ ብጭሕማ ከም ዝፈተዋ ትዛረብ።
"'ህያብ ኣምላኽ ስለዝኾነ ከይትላጽይዮ' ኢሉ የተባብዓኒ" ነይሩ ትብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ክኢላ ሕክምና ማህጸንን ጥንሲን ዝኾነ ዶክተር ኣዲሱ ግርማ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝኽሰት ጭሕሚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ክወጽእ ከሎ ጸገም ምዃኑ ገሊጹ።
ደቂ ተባዕትዮ ብተፈጥሮኦም ኣብ ገጾምን ኣፍልቦምን ጸጉሪ የብቁሉ። ደቂ ኣንስትዮ ግን ብተፈጥሮአን ነዚ ጸጉሪ ኣየብቅላን እየን።
ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ከም ኣያንቱ ጭሕሚ እንተ ኣብቊለን ምልክት ምዝባዕ ናይ ሆርሞን ከም ዝኾነን ክፍወስ ከምዝኽእልን ዶክተር ኣዲሱ የብርህ።
ሳይንሳዊ ስሙ "ሂርስቲዝም" ኮይኑ እዚ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እምበር ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝርአ ከም ዘይኮነ'ውን ይገልጽ።
ጠንቂ ሂርስቲዝም እንታይ እዩ?
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣካላተን ኣንድሮጅን ዝበሃል ናይ ወዲ ተባዕታይ ሆርሞን ብብዝሒ ምስ ዝፍጠር ጥራይ ጭሕሚ ወይ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝበቁል ጸጉሪ ከም ዝህልወን መርትዖታት ይሕብሩ።
"ብፍላይ እቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ሆርሞን 'ቴስተስትሮን' ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝፍጠር፡ ነዚ ጸገም ይቃልዓ" ይብል ዶክተር ኣዲሱ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ቴስቶስትሮን ብተፈጥሮኡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብውሑድ መጠን እዩ ዝርከብ፤ ብዙሕ ረብሓታት’ውን ኣለዎ።
ብመሰረት እቲ ክኢላ፡ እዚ ሆርሞን ብግቡእ መጠን እንተተረኺቡ ንህንጸት ጭዋዳታትን ምትራር ዓጽምን ደቂ ኣንስትዮ ጠቓሚ እዩ።
ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ እውን ደቂ ኣንስትዮ ንጡፋት ክኾና ይሕግዝ’ዩ።
እዚ ናይ ወዲ ተባዕታይ ሆርሞን ኣብ ኣካላት ጓል ኣንስተይቲ ክልተ ደረጃ ከም ዘለዎ ዶክተር ኣዲሱ ይገልጽ።
“ካብቲ ማእከላይ መጠን ዝዛይድ እንተኾይኑ፡ ሂርስቲዝም ወይ ጭሕሚ ከም ዘዕብያ ይገብረን። ኣዝዩ ልዑል እንተኾይኑ ድማ ቫይራላይዜሽን (virilization) ዝበሃል ጸገም የስዕብ።”
"ቫይራላይዜሽን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ከም ደቂ ተባዕትዮ ክምለጣ፡ ድምጸን ክጉርንን፡ ተፈጥሮኣዊ ጭዋዳታተን ድማ ከም ዝተርር ክገብር ይኽእል'ዩ" ይብል።
ኣያንቱ ግን ካብ ጭሕሚ ወጻኢ ካልእ ምልክታት ከም ዘይረኣየት ትዛረብ።
ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም ሓደ ካብቶም ጠንቅታት ምውሳኽ ሆርሞን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እዩ።
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ጆንስ ሆፕኪንስ ሜዲሲን፡ ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም ዝፍጠር፡ ማህጸን ጓል ኣንስተይቲ ዘይንቡር መጠን ሆርሞን ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣንድሮጅን ምስ ዘፍሪ እዩ።
እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት ከይህልወን ይገብር።
ልዕሊ 80 ሚእታዊት ጠንቅታት ሂርስቲዝም፡ ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም ከም ዝኾነን፡ ንኻልኦት ሕማማት ዝእዘዙ መድሃኒታት እውን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ሆርሞናት ደቂ ተባዕትዮ ክብርኽ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን ዶክተር ኣዲሱ ይገልጽ።
እዚ ጸገም ክፍወስ ይኽእል ድዩ?
ጭሕሚ ዘዕበያ ወይ ሂርስቲዝም ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብቕልጡፍ ሕክምና ክረኽባ ክኢላታት ጥዕና ይመኽሩ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ሕማም ውዒሉ ሓዲሩ ዝተሓላለኸ ጸገማት ከስዕብ ስለ ዝኽእል እዩ።
ዶክተር ኣዲሱ፡ በዚ ሕማም ዝተጠቕዓ ደቂ ኣንስትዮ ብሰለስተ ምኽንያታት ሕክምና ክረኽባ ይላቦ።
"ደቂ ኣንስትዮ ጭሕሚ ከዕብያ ዝገብር ምዝባዕ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንዝያዳ ጸገማት ጥዕና ክቃልዓ ክገብር ይኽእል'ዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም ዘይስሩዕ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት፡ መንሽሮ ማህጸንን ከም ሕማም ሽኮር፣ መኻንነት ዝኣመሰሉ ካልኦት ጸገማት ከስዕብ ይኽእል’ዩ” ይብል።
ሂርስቲዝም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንማሕበራዊ ተነጽሎን ዓመጽን ስለዝቓልዓ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓታ ይመከራ።
ነዚ ጸገም ንምፍዋስ ጠንቁ ብመርመራ ክረጋገጽ ከምዘለዎ'ውን ዶክተር ኣዲሱ ይገልጽ።
“ፖሊስሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም ክኸውን ይኽእል። ሆርሞን ካብ መጠን ንላዕሊ ዘፍሪ ሕበጥ ክህሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ ብኣልትራሳውንድ ተራእያ፡ መጠን ሆርሞን ቴስቶስትሮን ተዓቂኑ፡ ጠንቂ ናይዚ እንታይ ምዃኑ ምስ ተፈለጠ ግቡእ ሕክምና ክትረክብ ትኽእል እያ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







