ኣብ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘየሰማምዑ ጉዳያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ትግራይ፡ ካልኣይ ዓመቱ ክመልእ ሒደት መዓልታት ጥራሕ ተሪፍዎ ኣሎ።
እዚ ኵናት ሕድሕድ፡ ጠንቂ ሞት ኣሽሓት ሰባት እንትኾን፡ ከም ገበናት ኵናትን መጠነ ሰፊህ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ተፈፂምዎ እዩ።
ንሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ፣ መሰረተ ልምዓታት ኣእኒዉን፡ ከቢድ ቅልውላው ኣስዒቡን እዩ።
ምናልባት ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ እቲ ዝሓሰመ ደማዊ ኵናት ከም ዝኾነ ዝንገረሉ እዚ ኵናት፡ ካብ 600 ሽሕ ክሳብ 800 ሽሕ ሂወት ሰባት ከም ዝበልዐ፡ ነዚ ኵናት ብቀረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ከም በዓል ኣሌክስ ዲ ዋልን ዓብዱል ራሕማን ሰይድን ተንተንቲ ይገልፁ።
እዚ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት፣ ድሮናትን ብልፍንቲ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ የካይድዎ ዘለዉ ኵናት፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተድኣ ዘይተገይርሉ፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ብጥሜት ምሟትን፡ ዕጫ ብዙሓት ኰይኑ ምቕፃሉ ኣይተርፍን።
እዚ ኵናት ሰላማዊ ዕልባት ክረክብ፡ ኣብዚ ሰሙን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘንን ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ዝዕዘብዎ ዘተ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ ኣሎ። መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ተዳራደርቶም ልኢኾም’ዮም።
እዚ ኣብ ፕሪቶርያ ይካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ሕቶታት ሉኣላውነት፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፣ ሰብኣዊ ረድኤትን መሬት ይግበኣንን ዝለዓለሉ ከም ዝኸውን ኣብ ባይታ ዘለዉ ጉዳያት የአንፍቱ።
ኣብዚ ኵናት ብቐጥታ ይሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ፣ መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ነናይ ባዕሎም ድሌታት ኣለዎም።
ዋላ’ኳ እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጀመረ ሰላማዊ ዝርርብ፡ ውፅኢታዊ ክኸውን ወሳኒ እንተኾነ፡ ከይዲ እቲ ድርድር ግና ነዚ ዝተሓላለኸ ኵናት ቀሊል ከይኸውን ይኽእል።
ንምዃኑ፡ እዚ ደማዊ ኵናት ብዘተ ሰላም ዕልባት ከይረክብ፡ በዳህቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ምኽንያታት ኣየኖት’ዮም?
ምዕራብ ትግራይ
ንኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ኤርትራን ዘዳውብ ምዕራብ ትግራይ፡ ንተጋሩ ናይ ህልውና ጉዳይ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ድማ ሕቶ ‘ይግበአኒ’ ዘልዕልሉ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሕኡ ዝለዓለ ከባቢ እዩ።
ካብ ትግራይ ብዝዘለለ፡ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኤርትራ ብምዕራብ ትግራይ ትዳወብ እያ ።
መሬት ምዕራብ ትግራይ ልሙዕ እንትኾን፡ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራት ወፃኢ ሰደድ ካብ ትገብሮ ቡን ቀፂሉ፡ ምንጪ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዝኾነ ሰሊጥ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝሕፈስ እዩ።
ሰፋሕቲ ሕርሻታት ሰሊጥ ሑመራ፡ ንብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት፡ ሕምባሻን እንጀራን እዮም።
ኵናት ትግራይ ምስ ተወልዐ፡ ፍሉይ ሓይሊ፣ ሚሊሻን ፋኖን ክልል ኣምሓራ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ብምስላፍ ንምዕራብ ትግራይ ከም ዝተቖፃፀርዎ ይፍለጥ። ስዒቡ’ውን ሰብመዚ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ምዕራብ ትግራይ ዝበሃል “ከም ዘይፈልጡን” ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ከምዝኾነ ክገልፁ ተሰሚዖም።
ነዚ ኵናት ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልየን ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ህይወቱ ንምድሓን ናብ ሱዳንን ካልኦት ከባብታትን ከም ዝተመዛበለ ይግለፅ።
ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ብዕጡቓት ፋኖ ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምፅናት ዓሌትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝተፈፀመ ገሊፆም ነይሮም።
መንግስቲ ትግራይ፡ እዚ ከባቢ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ግዝኣት ትግራይ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ምዕራብ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኵናት ናብ ዝነበረ ቦትኡ ክምለስ ይግባእ ኢሎም ክሙግቱ ይኽእሉ’ዮም።
ንኣምሓራ ዝካትዑ ድማ፡ ኣብ ግዘ ኢህወደግ ናብ ትግራይ ከም ዝተዋሰነን ታሪኻዊ ድሕረ ባይትኡን ብምሕባር፡ ነዚ ሕቶ ክነፅግዎ ይኽእሉ’ዮም።
እንተኾነ ብወገን ትግራይ፡ ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ብሄር ተኮር ፌደራሊዝምን ታሪኽን ብምልዓል፡ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣካል ትግራይ ከም ዝኾነን ናብ ድርድር ዝኣቱ ከምዘይኮነን ብተደጋጋሚ የገንዝቡ።
ካብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሑ ብዝዛየደ ጉዳይ ህልውናን መንነትን ዝኾነ ምዕራብ ትግራይ፡ ቀንዲ መዘራረቢ ጉዳይ እቲ ዘተ ሰላም ክኸውን ይኽእል።
ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ሰራዊት ኤርትራን ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ኣብ ዝተቖፃፀርሉ ግዘ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ልፍንታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዝተቖፃፀርዎም ከባብታት ሽረ፣ ኣክሱም፣ ኣላማጣን ንክወፅኡ ይሓቱ ዘለዉ ኰይኖም፡ ኣብዚ ዘተ ሰላም ካብ መንጐ ዝለኣሉ ዛእባታት ሓደ ከም ዝኾነ ድማ ይግለፅ።
ምፍታሕ ዕጥቂ
ኣብዚ እዋን፡ ንሓደ ሓደ ከተማታት ትግራይ ዝተቖፃፀረ መንንግስቲ ፌደራል፡ ኣብዚ ዘተ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑ ሕቶ ከልዕል ይኽእል።
ሰብመዚ ፌደራልን ደገፍቶምን፡ ‘ኣብ ሓደ ሃገር ክልተ ሰራዊት ክህሉ ኣይኽእልን’ ብምባል ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑ ኣለዎም ይብሉ።
እዚ ይካየድ ዘሎ ኵናት ናይ ህልውና ኵናት ምዃኑ ዝኣምኑ ተጋሩ ድማ፡ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ናይ ባዕለን ክልላዊ ሓይሊ ክህልወን ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዝፈቅድ፣ እቲ ሕዚ ሓይልታት ትግራይ ተዓጢቐሞ ዘለዉ ኣፅዋር እውን ንትግራይ ‘ከጥቅዕ ካብ ዝመፅአ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ዝመንዝዕዎ’ ምዃኑ ብምግላፅ ይሙግቱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብርግፅ ኣብዚ እዋን መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ‘ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ’ ዝብልዎ ሰራዊት ክንደየናይ ዝኣክል ተዋጋእትን መሳርሒ ኵናትን ከምዘለዎም ዝፍለጥ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ቅድሚ ሕዚ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ኣብ ኣፍ ደገ በፂሖም ስለ ዝነበሩ፡ መንግስቲ ፌደራል የስግኡኒ’ዮም ኢሉ ብምሕሳብ፡ ተደራደርቲ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሓይልታት ትግራይ ‘ዕጥቆም ይፍትሑ’ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብታ ካብ መንግስቲ ፌደራል ባጀት ካብ ዘይስለዐላ ሒደት ዓመታት ዘቑፀረትን ኣብቲ ፌደራላዊ ስርዓት ዋላ ሓደ ውክልና ዘይብላን ትግራይ፡ እቲ ኵናት ብሰላም ምፍታሕ ደኣ’ምበር ምፍታሕ ዕጥቂ በፍፁም ኣጀንዳ ከም ዘይኸውን ክዛረቡ ይስምዑ።
ብፀላእቲ ሓይልታት፡ ብሰሜን፣ ብምብራቕን ደቡብን ተኸቢብና ኢና ብዝብሉ ሓይልታት ትግራይ፡ ምእንተ ሰላም ዕጥቂ ምፍታሕ ኣማራፂ ከይኸውን ይኽእል።
“ህላወና ኣብ ሓደጋ’ዩ፣ ነዚ ኣብልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ንምፍንፃሕ፡ ሰላማዊ ኮነ ወተሃደራዊ ኣማራፂ ክንጥቀም ኢና፤ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ኣብዚ’ዩ ክቕበር” ንዝብሉ ሓይልታት ትግራይ ሕቶ ‘ዕጥቂ ፍትሑ’ ክቕበልዎ ዝኽእሉ ጉዳይ ኣይኰነን።
ሓይልታት ትግራይ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ንኤርትራ ብምዕዳም ኣብ ልዕሊ ህዝብና መጠነ ሰፊሕ ወራርን ግህሰትን ተፈፂሙ’ዩ ብምባል፡ “ንህዝብና ክንሕሉ ንኽእል ንሕና ኢና” ዝብል ምኽንያት የቕርቡ።
ጉዳይ ኤርትራ
እቲ ካልእ ጉዳይ፡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፋ ትዋጋእ ዘላ ናይ ኤርትራ ጉዳይ እዩ።
ኤርትራ ኣብዚ ዘተ ሰላም፡ ድሌተይ ኣይተማልአን ኢላ እንተድኣ ትሓስብ ኰይና፡ ውፅኢት እዚ ሰላም ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ይኽእል እዩ።
ኤርትራ እንታይ ዓእነት ድሌት እንተዝህልዋ’ዩ፡ ሰራዊታ ናብ ትግራይ ልኢኻ?
ኣስመራ፡ ህወሓት ኣብዚ ዞባ ምህላዉ ንድሕነተይ ስግኣት’ዩ ክትብል ፀኒሓ።
ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኤርትራ ናብ ኵናት ትግራይ ንምእታው ዝተፈላለዩ ምኽንያት ከም ዘለዋ ይገልፁ።
ኣብዱራሕማን ሰይድ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኢሳያስ ምስ ህወሓት ዘለዎ ቂምን ህወሓት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ፅልዋ ፈጣሪ ኰይኑ ከም ዘይቕፅል ንምርግጋፅ እዩ ይብል።
ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ፃውዒት ክተት ብምእዋጅ ጥንኩር ግፋ የካይድ ከም ዘሎን፡ “ሕዚ ኣብ ናይ መወዳእታ ጉዳይ ህልውና ኢና ንርከብ፣ ወያነ ክቕበር ኣለዎ፣ ደቅኹም እንድሕር ዘይሂብኩም ንዝበፅሕ ሳዕቤን ተሓተትቲ ኢኹም” ከም ዝብልዎም ንቢቢሲ ገሊፆም’ዮም።
እቲ ካልእ ጉዳይ መሬት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኵናት ስዒቡ፡ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ ኤርትራ፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብይን ኣሕሊፉ።
ክልቲአን ሃገራት ካብ መንጐ ዝተዋግኣሉ ከባብታት ባድመ ግዝኣት ኤርትራ ክትኸውን፡ ኣብ ምምሕዳር ኤርትራ ዝነበረ ከባቢ ፆረና ድማ ንኢትዮጵያ ክኸውን ተበይኑ።
እቲ ኮምሽን፡ ሕግታት ባዕዳዊ መግዛእትን ዓለም ለኸ ሕግታትን መሰረት ብምግባር እዩ ነዚ ውሳነ ሓሊፉ።
ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ምጥራር ዶብ ብዘይ ሓደ ቅድመ ግምት ተግባራዊ እንተኰይኑ ፀገም ክፍጠር’ዩ ኢሉ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ተወሳኺ ዝርርብ ክካየድ ጠሊቡ፤ ኤርትራ ግና ከይተቐበለቶ ተሪፋ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ነዚ ውሳነ ተቐቢሉ ሰራዊቱ ካብ ባድመ ከውፅእ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ነዚ ስዒቡ፡ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ውጥረት ዓሲልዎ ፀኒሑ፤ ኤርትራ ውዕል ኣልጀርስ ተግባራዊ ክኸውን ክትሓትት ፀኒሓ።
ኤርትራ፡ ንዓመታትመሩታ ከም ዝተወሳዳን በቲ ብልዕልና ህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ተኸልኪላ ከም ዝፀንሐት ክትርስዖ ዘይትኽእል ጉዳይ ከም ዝኾነን ዓመታት ክትዛረብ ከም ዝፀንሐት ይፍለጥ።
እንተኾነ ኵናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ፡ ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚት ኢህወደግ 11 ሰነ 2010 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ንልዕሊ ክለተ ዓሰርተታት ዓመታት ንክልቲአን ሃገራት ኣፋጢጥወን ዝፀንሐ ጉዳይ ብምግታእ፡ ንውዕል ኣልጀርስንውሳነ ኮምሽን ዶብን ከም ዝተቐበለ ብምውሳን ንተግባራውነቱ ከም ዝሰርሕ ገሊፁ።
ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኤርትራ’ውን፡ ነቲ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል፡ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ርክብን ሰላምን ናብ ቦትኡ ንምምላስን ቀፃልነቱ ንምርግጋፅን ክስራሕ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ኵናት ትግራይ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኰይና ትዋጋእ ዘላ ኤርትራ፡ ሰራዊታ ኣብ ባድመ ሓዊሱ፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰን ካልኦት ከተማታትን ትግራይ ከም ዝርከብ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ትካላትን ዓለም ይገልፁ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ ምፅወዖም ይፍለጥ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ “ኤርትራ ኣብ ኵናት ትግራይ ኣዕናዋይ ግደ ተበርክት ኣላ” ኢሉ ንዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ኤርትራ፡ “ንተበዳሊ ምውቃስን ብስም ሰብኣውነት ሽፋን ንገበነኛ ናይ ምድሓን ተግባር” ብምባል ነፂጋቶ።
ክልቲኦም ወገናት ብምንታይ ክሰማምዑ ይኽእሉ?
ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 25 ጥቅምቲ 2022 ዝጀመረ ዘተ ሰላም፡ ፅባሕ ሰምበት 30 ጥቅምቲ 2022 እንትዛዘም፡ ክልቲኦም ወገናት ተሰማሚዐምሎም ክበሃሉ ካብ መንጐ ዝኽእሉ ጉዳያት፡ ምጅማር ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ክኾኑ ይኽእሉ።
እዚ፡ ድሌት ትግራይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ናብ ትግራይ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ገደብን ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱን፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ብተደጋጋሚ እዩ ዝፅውዕ ዘሎ።
ዋላ’ኳ መንግስቲ ፌደራል ንተጋሩ ሰብኣዊ ረድኤት ከእቱ እየ እንተበለ፡ ዛጊድ ኣብ ትግራይ ናብ ንቡር ዝተመለሰ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኰነ ፡ ድሕሪ እቲ ከም ብሓድሽ ዝተወልዐ ኵናት ዝኣተወ ረድኤት የለን።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃባት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዕፅዋን ከም ዘንበረን ጥሜት ከም መሳርሒ ኵናት ይጥቀም ከም ዘሎን ገሊፁ።
ካብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ ተዳራደርቲ ትግራይ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝኸዱ ብምሕባር፡ እቲ ኵናት ብቕልጡፍ ደው ክብል፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክቐርብን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእን ከም ዝጠልቡ ብመገዲ ትዊተር ኣፍሊጡ እዩ።
ነዚ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ትዕዘቦ ዘላ ኣሜሪካ’ውን፡ እቲ ኵናት ደው ብምባል ሰብኣዊ ረድኤት ምእታው ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ ከም ዝኾነ ገሊፃ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ምጅማር እቲ ዘተ ሰላም ምስ ቀዳማይ ሚቢስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ እቲ ጎንፂ ብቅልጡፍ ደው ክብል፣ እቶም ተደራደርቲ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ብዘይገደብ ሓገዝ ክበፅሕ፣ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስ ስጉምቲ ክወስዱን ሰራዊት ኤርትራ ክወፅኡን ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ፀዊዑ።
ኣብዚ ዘተ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝተቖፃፀሮም ከባብታት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕን ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስን ክሰማማዕ ይኽእል’ዩ።
ገበነኛታት ኵናት ብሕጊ ምሕታት

ኣብዚ ኵናት ይሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ወገናት፡ ብዝተፈላለየ ደረጃ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዝፈፀሙ ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ኣቃሊዖም’ዮም።
ገበናት ኵናት፣ ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ዝፍፀሙ ገበናት፣ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾኑ ቅትለታት፣ፆታዊ ዓመፅ፣ ምስቓይ፣ ምስቓይ፣ ምዝማት፣ ማእሰርቲ፣ ናይ ውልቀን ህዝባውን መሰረተ ልምዓታት ምዕናው ዝበሉ፡ ኣብዚ ኵናት ዝተፈፀሙ ገበናት እዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝምርምር ጉጅለ ብምጥያሽ፡ ገበን ፈፂሞም ዝተብሃሉ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ስጉምቲ ይወስድ ኣለኹ እዩ ዝብል። እንተኾነ እዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣይተረጋገፀን።
መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ ናፃን ዘይሻራውን ዝኾነ ዓለምለኻዊ ኣካል ምርመራ ከካይድን፡ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ይፅውዕ።
ንኣብነት፡ ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ኵናት ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ዘፃርይ ኮምሽን ምርመራ፡ ብወገን ትግራይ ተቐባልነት ክረክብ እንከሎ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ተቓውሞ የስማዕ።
ፀብፃብ እዚ ኮምሽን፡ ኣብዚ ኵናት፡ ፆታዊ ዓመፅ፣ ብሃበ ተረኸበ ቅትለት ከምዝተፈፀመን፡ ጥሜት ከም መሳርሒ ኵናት ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለን ኣቃሊዑ እዩ።
እዚ ኵናት ኣብ ዝሓለፈ 24 ጥቅምቲ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከም መሳርሒ ኵናት ኣብ ጥቕሚ ምውዓሎም ዘርእዩ ርትዓዊ መረዳእታታት ኣለዉ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ፀብፃብ፡ “ብመረዳእታ ዘይተደገፈን ምስሊ እታ ሃገር ብሕማቕ ንምቕራብ ዝዓለመን እዩ” ክብል ነፂግዎ።
ዋላ’ኳ ኣባላት ሰራዊት ንዝፈፀምዎም ገበናት ብኸመይ ብሕጊ ክሕተቱ ይኽእሉ? ነዚ ጉዳይ’ከ መን ይምርምሮ? መን ይዳንዮ? ቅፅዓቶም’ኸ ብኸሜእ ተፈፃሚ ይኸውን? ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ እንተዘይሃለወ፡ ክልቲኦም ወገናት ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብሓሳብ እንተድኣ ተሰማሚዖም፡ ተፈፃምነቱ ግና ክጓተት ዝኽእለሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







