ኣመሪካዊ ራፐር ዲዲ ንልዕሊ 4 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ናይ ኢድ ስእሊ ዳዲ ኣብ ቤትፍርዲ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/Jane Rosenberg

ኣመሪካዊ ራፐር ሼን "ዲዲ" ኮምብስ ንኣርባዕተ ዓመትን ክልተ ወርሕን ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።

ዲዲ ብኽልተ ኣፍቀርቱ ነበር ብዝቐረበሉ ምስ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ዝተሓሓዝ ክሲ እዩ ን50 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪድዎ።

ጠበቓ ዲዲ፡ ዲዲ ኣብ ኒውዮርክ ተኣሲሩ ኣብ ዝጸንሓሉ ናይ 13 ኣዋርሕ ማእሰርቲ "ተቐይሩ" ክብል ብምግላጽ፡ ናይ 14 ኣዋርሕ ጥራይ ፍርዲ ክወሃቦ ሓቲቱ።

ዓቃቢ ሕጊ ግን ንናይ ዲዲ ታሪኽ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ግምት ብምእታው ን11 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ሓቲቱ።

ደቂ ዲዲ ብወገኖም ኣብ ቤትፍርዲ እናበኸዩ ንኣቦኦም ደጊፎም ቃሎም እኳ እንተ ሃቡ፡ ዳኛ ኣሩን ሱብራማኒያን ግን ጽኑዕ ፍርዲ ክወሃብ ኣለዎ ኢሉ።

ዲዲ ትማሊ ቅድሚ ውሳነ ቤትፍርዲ ይቕረታ እኳ እንተ ሓተተ፡ ዳኛ ኣሩን ግን ውሳነ ቤትፍርዲ ሓያል መልእኽቲ ክሰድድ ኣለዎ ክብል ተሰሚዑ።

ዲዲ፡ "ተግባራተይ ፍንፉንን ዘሕፍርን እዩ ነይሩ። ብሓሽሽን ኣብ ገዛእ ርእሰይ ዝነበረኒ ዝተጋነነ ኣረኣእያን መንገደይ ስሒተ፡" ብምባል ንኣፍቀርቱ ነበር ይቕረታ ሓቲቱ።

ካሳንድራ ቨንቱራ ዝተባህለት ኣፍቃሪት ዲዲ ቀዳመይቲ ግዳይ ክትከውን ከላ፡ ካልእ ብምስጢራዊ ስም 'ጄን' እትበሃል ኣፍቃሪት ዲዲ ነበር'ውን ኣብቲ ክሲ ተኻቲታ ኣላ።

ዲዲ ንኣዲኡን ንሸውዓተ ደቁን እውን ይቕረታ ሓቲቱ።

"ካባይ ዝሓሸ ነገር ክረኽቡ እዩ ዝግቦኦም ነይሩ፣ ኣዝየ እሓዝን - ይቕረታ፡" ኢሉ።

"ክቡር ዳኛ ይቕረ በሉለይ። ተቐጺዐ፡ ተማሂረ እየ። ብዘይካ ንገዛእ ርእሰይ'ውን ንኻልእ ኣይወቅስን እየ፡" ክብል ድማ ተማሕጺኑ።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዲዲ ዝናኡ ተጠቒሙ ገበነኛታት ጕጅለታት ከም ዝወደበን ንኣፍቀርቱ ነበር ናብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ከም ዘእተወን ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ ዲዲ ንኣፍቀርቱ ነበር "ፍሪክ-ኦፍ" ኣብ ዝበሃል ድግስ ምስ ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማን ነቲ ተግባር ብቪድዮ ክቐርጾን ከም ዘገደደን ይግለጽ።

እቲ ክሲ፡ እቲ ራፐር ንኣፍቀርቱ ሓሽሽን ኣካላዊ ዓመጽን ብምጥቃም፡ ነቲ ተግባር ክፍጽማ ከም ዘገደደን የመልክት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወዲ 55 ዓመት ዲዲ ብዘይሕጋዊ ንግዲ ጾታዊ ርክብን ዝተወደበ ጕጅለ ገበን ምቛምን ሓዊሱ ካልኦት ሓያሎ ከበድቲ ገበናት ተኸሲሱ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ ግን በቲ ክሲ ገበነኛ ከም ዘይኰነ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ዓቃቢት ሕጊ ክሪስቲ ሳልቪክ ግን ትማሊ ኣብ ቤትፍርዲ፡ "ሎሚ፡ መዓልቲ ፍትሕን ተሓታትነትን'ዩ፡" ብምባል፡ "ጽኑዕ ብይን ኣገዳሲ እዩ። ንሓጺር እዋን ጥራይ እንተ ተኣሲሩ፡ ንዓመታት ብዝተፈጸመ ምዝመዛን ዘቤታዊ ግህሰትን ከይተቐጽዐ ክተርፍ'ዩ፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ዲዲ ንኽልተ ኣፍቀርቱ ነበር ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከም መርትዖ ቀሪብሉ።

"ነቲ ተግባር ዝፈጸሞ ንገንዘብ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊአን ቍጽጽር ንኽህልዎ እዩ። ኣብ ዝዀነ ዕድመ ኰይኑ ሓደገና ሰብ እዩ፡" ክብል ዓቃቢ ሕጊ ተዛሪቡ።

ጠበቓኡ ግን፡ ዲዲ፡ "ናይ ገንዘብ ኣታዊ ስለ ዘይነበሮ" ኣብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ኣሎ ምባል ከም ዘይከኣል ገሊጹ።

እቲ ጠበቓ ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ምጕት፡ ዲዲ፡ "ዘይፍወስ ሕማምን ወልፊ ሓሽሽ ከም ዝነበሮን" ብምሕባር ግን ኣብተን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈን ኣዋርሕ፡ "ተለዊጡ" ክብል ገሊጹ።

ሓደ ካብ ደቂ ዲዲ፡ "ኣቦይ ተለዊጡ" እዩ ክብል እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ "ካልኣይ ዕድል ይወሃቦ" ብምባል ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

ዲዲ ብወገኑ፡ "እዚ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሉ እትርእዮ ዘለኻ ሰብ ተቐይሩ፡ ዓብዩ፡ ኣብ 15 ዓመታት ዘይተራእየ ለውጢ ኣርእዩ፡" ብምባል ይቕረታ ሓቲቱ።

እቲ ራፐር ን50 ኣዋርሕ ክእሰርን 500,000 ዶላር ክቕጻዕን ተፈሪድዎ። ጠበቓኡ ግን ይግባይ ክብል ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

ጠበቓኡ ምስ ኣፍቃሪቱ ነበር ዝነበሮ ርክብ "ብስምምዕ" እዩ ክብል ተማጒቱ, ዳኛ ኣሩን ግን ንመጐትኡ ነጺግዎ።

ብተወሳኺ፡ ዳኛ ኣሩን፡ "ነዘን ደቀንስትዮ ብኣካላውን ስነኣእምሮኣውን መጥቃዕቲ ምሉእ ዕድሚአን ምስአን ዝጸንሕ በሰላ ገዲፍካለን ኣለኻ። ገንዘብን ዝናን ስለ ዘለካ ተግባራትካ ክትቅጽል ክኢልካ። ብሓይሊ ተቘጻጺርካየን፡" ኢሉዎ።