ትሕቲ ዕድመ ንዝደፈሩ ብልዕቶም ክቝረጽ ዝወሰነት ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማዳካስካር፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝደፈሩ ብሕጊ ዝተኣመነሉም ሰባት ብልዕቶም ክቝረጽ ንዘጽደቐቶ ሕጊ ከተወንዝፎ ተሓቲታ።
እታ ሃገር ህጻናት ከምዝዓመጹ ዝተረጋገጹ ውልቀሰባት ብልዕቶም ብከሚካል ወይ ብሕክምና ክቝረጽ ዘውጽኣቶ ሕጊ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነቲ ሕጊ “ኢሰብኣውን፡ ጭካነ ዝተሓወሶን ንደቂ ሰባት ዘዋርድን’ዩ” ብምባል ገሊጽዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ማዳጋስካር ኣንድሪ ራጆሊካ ኣብ መቕጽዒ ሕጊ ምምሕያሻት ገይሩ ነይሩ’ዩ።
ብመሰረት እቲ ፕረዚደንት ዝገበሮ ምምሕያሻት፡ እቶም ትሕቲ ዕድመ ዝደፈሩ ውልቀሰባት ኣብ ክንዲ ብጭካነ ብልዕቶም ዝቝረጹ ብሕክምና ወይ ብከሚካል ክግበር’ዩ ምምሕያሻት ገይሩ።
እዚ ፕረዚደንት ዘቕረቦ ምምሕያሽ ብኣባላት ባይቶ ተቐባልነት ስለዝረኸበ ክጸድቕ ክኢሉ ኣሎ።
ኣምነስቲ ኢንርናሽናል፡ ኣብ ማዳጋስካር ዓመጽ ትሕዲ ዕድም ዝፈጸሙ ብዙሕ ግዜ ኣብ ፖሊስ ጥርዓን ከምዘይቀርበሎም’ዩ ዝገልጽ።
ዳይረክተር ኣምነስት ኢንተርናሽናል ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ቲጌረ ቻጉታህ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ሕጊ እታ ሃገር እምነት ስለዘይብሉ ንፖሊስ ምሕባር ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ከምዘይወስዶ ከኣ ትሕብር።
ካብዚ ብምብጋስ እቶም ዓመጽ ዝፈጸሙ ሰባት ብዘይሕጋዊ ተሓታትነት ክንቀሳቐሱ ስለዝርኣዩ ኣብታ ሃገር ዓመጽ ትሕቲ ዕድመ ንኸስፋሕፍሕ ቀንዲ ጠንቂ ከምዝዀነ እታ ሓላፊት ትሕብር።
እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ጾታዊ ዓመጽ ንዝፈጸሙ ብልዕቶም ብከሚካል ወይ ብሕክምና ከምዝቝረጹ ምግባር “ኢሰብኣውን ነቲ ዘሎ ጸገማት መፍትሒ ዘየምጽእን’ዩ" ክትብል ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ቲጌረ ቻጉታህ ተብርህ።
እታ ዳይረክተር፡ “እዚ ሕጊ ንሰባት ምስቓይ ስለዝዀነ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጥሕስ’ዩ፡ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ከምኡ ከኣ ምስ ሕገ መንግስቲ ማዳጋስካር’ውን ዝጻረር’ዩ” ብምባል መንግስቲ ነቲ ሕጊ ደው ከብሎ ጸዊዓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







