ኒውዮርክ፡ ፕረዚደንት ባይደን ልዕልና ጸዓዱ "መርዚ" እዩ ክብል ነቒፉ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ልዕልና ጸዓዱ "ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝዘውር መርዚ'ዩ" ክብል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ቡፋሎ ዝተፈጸመ ዓሌትነት ዝደረኾ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ከተማ ብምብጻሕ ምስ ስድራ ግዳያት ተራኺቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሓደ ጻዕዳ ውልቀሰብ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሱፐርማርኬት ብዘውረዶ መጥቃዕቲ፡ ዓሰርተ ሰባት ምማቶም ይዝከር።

እዚ፡ 'ዓሌትነት መሰረት ዘለዎ መጥቃዕቲ' ብምባል ሰብ መዚ እታ ሃገር ኮኒኖምዎ'ዮም።

እቲ ወዲ 18 ዓመት ጥርጡር፡ ንርእሱ ፋሽሽትን ኣምላኺ ልዕና ጸዓዱን ከም ዝዀነ ዝገልጽ ሰነድ፡ ብመገዲ ኢንተርነት ዘርጊሕዎ'ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ምስ ስድራ ግዳያት ተራኺቡ፣ እቲ ጥርጡር ካብ መንጐ "ብጽልኢ ዝዓወሩ'ዩ" ክብል ነቒፉ። ወሲኹ፡ "ልዕልና ጻዕዳ ቦታ የብሉን" ኢሉ።

ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ጥርጡር ናብቲ ብብዝሒ ጸለምቲ ዝነብርሉ ከባቢ፡ 320 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዙ ከም ዝመጽአ ብምግላጽ፡ ኮነ ኢሉ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሞ ሓቢሮም።

እቲ ውልቀሰብ 'ማኒፌስቶ' ኢሉ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝዘርግሖ ሰነድ፡ "ጽንተት ጻዕዱ" ከምኡ'ውን "ምትካእ ጸዓዱ" ዝብሉ ውዲታዊ ክልሰሓሳባት፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ሕነ ክፈዲ ከም ዝደረኾ ይገልጽ።

ባይደን፡ እቲ ውልቀሰብ ዝፈጸሞ ተግባር፡ "ካብ ፍርሕን ዓሌታውነትን ዝነቅል" እዩ ብምባል ኮኒንዎ።

እቲ ፕረዚደንት ብ2017 ኣብ ቨርጂንያ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሕሉፋት የማናውያን፡ ንፕረዚደንትነት ንክወዳደር ከም ዝደረኾ ብምግላጽ፣ ዲሞክራሲ ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ኣተሓሳሲቡ። ስድራ ግዳያት ከኣ ጽንዓት ክህቦም ተመንዩ።

ባይደን፡ "በቶም ፈተውቲ ኣመሪካ ዘምስሉ ሰባት፡ ጽልእን ፍርሕን ልዕሊ ዓቐን ኦክስጅን ተዋሂብዎ እዩ፤ እዚኦም ግን ንኣመሪካ ኣይተረድእዋን ዘለው፡" ይብል።

"ኵሉ ኣመሪካዊ ንኸምዚ ዓይነት ሓሶታት ክነጽግ፣ ነቶም ሓሶት ብምስራጽ ስልጣንን ፖለቲካዊ መኽሰብን ክረኽቡ ዝጽዕሩ ክዅንን፡ እጽውዕ፣ ስቕ ክንብል ኣይግባእን፡" ኢሉ።