ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ማህረምቲ ንኽትሃድም ካብ ደርቢ ዝጸደፈት ሰራሕተኛ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, gan chaonan
ብርቱኳን ቈልዓ 13 ዓመት'ያ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና ከም ዝተቘጽረት ፈለጥታ ይዛረቡ።
ብርቱኳን፡ ናይቶም እትሰርሓሎም ስድራ ቈልዑ እያ ትናቢ። ናብ ቤት ትምህርቲ ከም ዘይትኸይድ'ውን እቶም ዝፈልጥዋ ሰባት ይገልጹ።
እቶም ዘስርሕዋ ሰባት ግን፡ የጋፍዑዋ፡ ይጸርፉዋ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብተደጋጋሚ ከም ዝቕጥቅጥዋ ፖሊስ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ብ21 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም፡ ዝበጽሓ በደል ግን ካብ ካልእ እዋን ዝተፈለየ'ዩ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ጎረባብቲ፡ ንብርቱኳን ብቐረባ ዝፈልጥዋ ሰባትን ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ወረዳ ሓሙሽተን ብዛዕባ ኣብቲ ዕለት ዘጓነፈ ነገር ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ።
እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ሰሚት ኮንደሚንየም ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ረፋድ እቲ ዘስርሓ ሰብኣይ፡ "ካብ ገዛ ኣቕሓ ጠፊኡ፣ ኣበይ ኣሎ?" ይብላ። ንሳ ግን ኣይፈልጥን ክትብል መሊሳ።
"ኣይፈልጥን" ምባላ ስለ ዘይተቐበሎ ክሃርማ ጀሚሩ፤ ልዕሊ ዓቐን ክትቅጥቀጥ እንከላ ሃለዋታ ኣጥፊኣ። መሊሱ ማይ ክደፍኣላ እንከሎ ተበራቢራ።
ካብዚ እንተ ተረፍኩ ኢላ ካብቲ ገዛ ብጕያ ዝወጽአት ብርቱኳን፡ ካብ ራብዓይ ደርቢ ዘሊላ ናብ መሬት ወዲቓ።
ሽዑ፡ ኣብ ዝባን ሓደ ድኳን ዓሊባ ድሕሪኡ ናብ መሬት ወዲቓ። ነበርቲ እቲ ኮንደሚንየም ከኣ ተጓይዮም ናብ ሕክምና ወሲዶምዋ።
ነቲ ዘስርሓ ሰብኣይ ድማ ብፖሊስ ኣትሒዞምዎ። ብርቱኳን ኣብዚ ሕጂ እዋን ጥዕናዊ ምምሕያሽ ኣርእያ ኣላ።
ቢቢሲ ብ5 ግንቦት 2014 ዓ.ም ዘዘራረቦ በዓል ሞያ ርክባት ህዝቢ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ፡ እቲ ውልቀሰብ ሕጂ'ውን ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እዩ ዘሎ'ኳ እንተበለ፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ግን፡ እቲ ውልቀሰብ ብዋሕስ ተፈቲሑ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝበጽሓ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ክልተ ነበርቲ ሰሚት ኮንደሚንየም ድማ፡ እቲ ውልቀሰብ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብቲ ቀጽሪ ከም ዝርኣዩዎ ሓቢሮም።
'ምስ ጨነቓን ምስ መረራን'ያ ከምኡ ገይራ'
ዘመን [ስማ ተቐይሩ] ንብርቱኳን ብቐረባ እትፈልጣ ሰብ እያ። ንድሕነታ ስለ ዝሰግአት ግን ክሳብ ክንደይ ከም ዝፋለጡ ብወግዒ ክግለጽ ኣይደለየትን።
"ይመስለኒ፡ እቲ ሰብኣይ ላብቶፕ ጠፊኡኒ'ዩ ዝበለ። 'እቲ ላብቶፕ ኣምጽእዮ' ኢሉ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ኣእትዩ ክሃርማ እንከሎ፡ ውነኣ ኣጥፊኣ። ማይ ምስ ኣፍሰሰላ'ያ ነቒሓ። ክሃርማ እንከሎ 'ግደፍ ኣይትቕተለኒ' ኢላ ትልምኖ ነይራ። ምስ ጨነቓን ምስ መረራን ግን ሃዲማ ወጺኣ ካብቲ ደርቢ ጸዲፋ፡" ትብል።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ካብ ንግሆ ሰዓት 4፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ብውሑድ ንኽልተ ሰዓታት እዩ ቀጥቂጥዋ።
ብርቱኳን ካብቲ ደርቢ ክትጸድፍ እንከላ ድማ "ሰንቢዱ" ከም ዝነበረ ዘመን ትገልጽ።
ኣብቲ ገዛ፡ ቈልዑ ምንባይን ካልኦት ዕዮታትን ተካይድ ከም ዝነበረት ክትጠቅስ እንከላ፡ ቅድሚኡ'ውን በቲ ዘስርሓ ሰብኣይ ኣካላዊ መጥቃዕቲ በጺሕዋ ከም ዝነበረ ትዛረብ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝወረዳ ማህረምቲ ግን፡ ሕቘኣ ከም ዝሓመመት ገሊጻ።
'ኣብ ዝባን እቲ ድኳን እንተዘይትዓልብ ብህይወት ኣይምተረፈትን'
ጸሃይ [ስማ ዝተቐየረ] እቲ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ንኽኣቱ ካብ መንጐ ዝገበሩ ሰባት ሓንቲ እያ።
እቲ ጉዳይ ሽፋን መራኸቢ ብዙሃን ከይረኸበ ከይተርፍ ብዝብል፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ንቢቢሲ ሓቢራ።
ኣብቲ ዕለት፡ ኣውያት ሰሚዓ ካብ ገዛኣ ክትወጽእ እንከላ እታ ኮተቴ ካብቲ ህንጻ ጸዲፋ፣ ብጭቃ ተለዊሳ፣ ገጻ ተበላሽዩ፣ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ኣብ መሬት ተዘርጊሓ ረኺባታ።
ነበርቲ እቲ ኮንደሚንየም በቲ ከባቢ ትሓልፍ ዝነበረት መኪና ለሚኖም ንብርቱኳን ናብ ሕክምና ወሲዶምዋ።
"ብውሑድ ኣብቲ ገዛ ንሰለስተ ዓመታት ሰሪሓ'ያ። ቈልዓ 10 ዓመት ኰይና'ያ መጺኣ፤ ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝባን እቲ ድኳን እንተዘይትዓልብ ነይራ ብህይወት እትተርፍ ኣይመስለንን፡" ትብል።
ካልእ ኣለም ዝተባህለት ነባሪት እቲ ኮንደሚንየም፡ መሰኻኽር ኮይኖም ናብ ፖሊስ ካብ ዝቐረቡ ሓንቲ'ያ።
"ካብ ዝባን እቲ ቈርቈሮ ምስ ወደቐት ውነኣ ኣጥፊኣ ነይራ። እቲ ሰብኣይ ሰንቢዱ እናጐየየ መጺኡ ናብ መደበር ጥዕና ተወሲዳ፡" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብቲ ዕለት፡ ፖሊስ ናብቲ ቀጽሪ መጺኦም ሓበሬታ ከም ዝኣከቡን፡ ንቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት እቲ ክፍለ ከተማ ሪፖርት ከም ዝተገብረን ሓቢራ።
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት ወረዳ 5 እቲ ክፍል ከተማ ለሊሱ ብላታ ደበላ፡ ጥዕና እታ ግዳይ ይመሓየሽ ከም ዘሎ፡ ኣብ ሕቘኣ ግን ጸገም ከም ዘጋጠማን ገሊጻ።
"ሕጂ ምስ ሓትነኣ ከም ዘላን እቲ ጥርጡር ከም ዝተፈትሐን ሓበሬታ ኣለኒ" ትብል።
ቅድም ኢሉ'ውን፡ ኣብቲ ከባቢ ካልእ ቈልዓ 12 ዓመት "ማህረምትን ምጉስቛልን ሰልችይዋ ብመስኮት ክትዘልል ክትብል ሒዝና ናብ ፖሊስ ኣብጺሕናያ ንፈልጥ ኢና፡" ኢላ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጥቃዕታት ርኢኻ ከም ዘይርኣኻ ኣክንዲ ምሕላፍ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝበጽሕ በደልን ብዝበዛን ንምቅላስ ከም ዝሕግዝ ተዛሪባ።
"መብዛሕትኡ ኣብ ኮንደሚንየማት ዝነብር ሰብ፡ ካብ ገጠር ዘመድን ቈልዓ ጐረቤትን እናምጽአ፡ ገዛ ዓጽዩ ጉልበቶም ይብዝብዞምን የጐሳቑሎምን'ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ብምኽላእ መጻኢ ወለዶ ዘስእኑና ዘለው ብዙሓት'ዮም፡" ትብል።
በዓል ሞያ ርክባት ህዝቢ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ብወገኑ፡ እታ ግዳይ ካብቲ ዝወርዳ ዝነበረ ማህረምቲ ንምምላጥ ክትብል ካብቲ ደርቢ ጸዲፋ ከም ዝወደቐት ንመዝገብ ፖሊስ ጠቒሱ የረድእ።
"ካብቲ መዝገብ ከም እንርድኦ፡ እቲ በዳሊ ብሸነኽ ኣደኣ ዝምድና ኣለዎ። ናበይ ኬድኪ? እንታይ ትሰርሒ ኔርኪ? ኣበይ ጸኒሕኪ? እናበለ ወትሩ ይሃርማ ከም ዝነበረ እታ ግዳይ ቃላ ሂባ'ያ፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ገይርካ ክርአ ኣለዎ፡" ብምባል ሕብረተሰብ ሓጋዚ ተራ ክጻወት ሓቲቱ።
ሰራሕተኛታት ገዛ ብርክት ንዝበሉ ጸገማት ዝተቓልዓ ኰይነን፡ ማህረምቲ፡ ጾታዊ ትንኮያ፡ ቃላዊ መጥቃዕታት፡ ደሞዝ ምቕጻዕ፡ ስልኪ ምኽልካል፡ ዝድቅሳሉ ግዜ ምስኣን፡ መግቢ ምኽላእን ካልኦት ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ከም ዝወርደን ጸብጻባት የመልክቱ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







