ንጓላ ንሞት ኣሳጢሓ ንሽድሽተ መዓልታት ልደታ እተኽብር ዝነበረት ኣደ ተኣሲራ

ቨርፊ ኩጂ

ጓላ ንበይና ንጥሜት ኣሳጢሓ፡ መዓልቲ ልደታ ንሽድሽተ መዓልታት እናተሃደሰትን እናሳዕሰዐትን እተኽብር ዝነበረት ኣደ ኣብ ቀይዲ ውዒላ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ቨርፊ ኩጂ ዝተብሃለት ኣደ፡ መበል 18 ዓመት ልደታ ንምኽባር፡ ጓል 20 ኣዋርሕ ጓላ ኣብ ኣፓርትመንት ንሽድሽተ መዓልታት ንበይና ገዲፋታ ከምዝኸደት ተኣሚና፤ እታ ህጻን ድማ ህይወታ ሓሊፋ።

“ዕሽሽ በሃሊት ኮይነ፡ ጓለይ ገዲፈ ናብ ለንደንን ኮቨንትሪን ገይሸ እየ” ክትብል ንቤት ፍርዲ ሉዊስ ተዛሪባ።

ዳይና እቲ ቤት ፍርዲ፡ ክሪስቲን ላንግ፡ “እታ ህጻን ድሌታ ባዕላ ክተማልእ ዘይትኽእልን፤ ናይ ወላዲታ ምሉእ ድጋፍ ዘድልያን ነይራ” ክትብል ተዛሪባ።

“ልደት ክኽብር ኢልካ፡ ውላድካ ንስቓይ ኣሳጢሕኻ ምኻድ ተቐባልነት ዘይብሉ ፋሉል ተግባር እዩ” ድማ ኢላ።

ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ፡ እታ ህጻን ንሽድሽተ መዓልታት፡ ኣብ ምድርቤት እቲ ገዛ ንበይና ኮይና ክትሳቐ ከምዝቐነየት ዘርኢ ናይ ድሕነት ካሜራ መረዳእታ ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኩጂ፡ ንጓላ ኣብ ውሽጢመንበሪ ገዘኣ ገዲፋ፡ ናብ ለንደን ከይዳ ምስ ወዲ ተባዕታይ ዓርካ ከምዘሕለፈቶ እዩ ዝዝረብ።

ድሕሪ ክልተ መዓልታት ድማ፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ለንደን ኤሌፋንት ኤንድ ካስል ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ኮንሰርት፡ ንዲጂ [ሙዚቃ ዘጻውት] መዓልቲ ልደታ ምዃኑ ተዛሪባ፡ ኣብኡ ከምዘሕለፈቶ ንቤት ፍርዲ ወሲኻ ተዛሪባ።

ድሕሪ እዚ ድማ፡ ናብ ካልእ ናይ ልደት እንግዶት ከይዳ፡ ድሕሪ ሽድሽተ መዓልቲ እያ ናበ ገዛኣ ተመሊሳ።

ኩዲ፡ ኣብ ገዛኣ ምስ ኣተወት ናብ ናይ ሓደጋ እዋን ቴሌፎን ደዊላ ንሰብ ሙያ ሕክምና ‘ጓለይ ካብ ድቃሳ ክትነቅሕ ኣይከኣላተን’ሞ ርድኡኒ’ ኢላ ከምዘጸወዐት ገሊጻ።

እቲ ጉጅለ ሕክምና፡ ናብቲ ገዛ እንትጽሕ፡ ኩጂ ዝተረበሸትን ዘይተረጋገዐትን ኮይና ከምዝረኸባ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።

ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ነዛ ኣሲያ ተባሂላ ትጽዋዕ ህጻን፡ ናብ ናይ ህጻናት ሕክምና ብፍጥነት ከምዝተወስደትን፡ ኣብኡ ምስ በጽሐት ከይደንጎየት ከምዝሞተት እቲ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።

ኣሲያ ዝተገበረላ መርመራ ከምዘመላኽቶ፡ ንሞታ ጠንቂ ዝኾነ፡ ጥሜት፣ ጽምእ ማይን ኢንፍሉዌንዛን ከምዝኾነ እቲ ሆስፒታል ኣረዲኡ።

“ኣደ እታ ህጻን ጓላ ካብ ጉድኣት ናይ ምሕላው ግዴታ እንተሃለዋ’ኳ፡ ብገዛእ ባዕላ፡ ፈቒዳ ንናይ ውልቀኣ ድሌት ክተማልእ ምስ ዓርካ ምዝናይ መሪጻ” እንትብል ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ሆስፒታል ተዛሪቡ።

“ብዚ ምኽንያት ኣስያ፡ ንበይና ኣብቲ ገዛ ኣብ ዝነበረትሉ ለይትን ቀትርን ከቢድ ቃንዛ በጺሕዋ” ኢሉ።

ኩጂ ንፈለማ እዋን ንፖሊስ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃላ እንትትህብ፡ ሓደ እዋን ናብ ለንደን ካብ ዝገበረቶ መገሻ ወጻኢ፡ ኩሉ ግዜ ኣብቲ ኣፓርታማ ምስ ጓላ ከምዝነበረት ተዛሪባ።

እንተኾነ፡ ፖሊስ ካብ ናይ ሲሲቲቪ [ናይ ድሕነት ካሜራ] መረዳእታን ከምኡ ድማ፡ ካብ ገዛኣ ርሒቓ እናተሃደሰት፡ ክትዛነን፤ ዘርእዩ ናይ ብሞባይል ዝተቐርጹ ምስልታት መረዳእታ ረኺቡ።

ኣባላት ስድራኣ፡ “በቲ ኩነታት ኣዚና ሓዚንና፤ ከም ስድራ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለውና። ቨርፊ ኣብ ዕድሚኣ ብዙሕ ነገር ገጢምዋ እዩ። ንዓኣ ንምድጋፍ እንኽእሎ ኩሉ ገይርና ኢና” ዝብል ቃል ሂቦም።

“እቲ ስድራ ክጻወሮ ዘይኽእል ሓዘን እዩ በጺሕዎ፤ እቲ በቲ ሎሚ ዝኾነ ነገር ጥራይ ከይኮነስ፡ ተፈታዊት ኣስያ ስለዝሰኣንናያ ሓዚንና” እውን ኢሎም።