ቀጠር፡ ኢንተርናሽናል ዳኛ ባምላክ ተሰማ ንዋንጫ ዓለም ምምራጸይ ኣይፈልጥን ኢሉ

ኣርቢትር በአምላክ ተሰማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ

ፊፋ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣመልኪቱ ብዛዕባ ዝተመረጹ ዳያኑ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻብ 'ግጉይ' ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ካብ ትማሊ ጀሚረን ማዕከናት ዜናታት ምዕራብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን፡ ኢንተርናሽናል ዳኛ ኢትዮጵያዊ ባምላክ ተሰማ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ንክዳኒ ብወግዒ ካብ ሞንጎ ዝተመረጹ 8 ኣፍሪቃውያን ዳያኑ ሓደ ከም ዝኾነ ብሰፊሑ ክጽብጽባ ጸኒሐን።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ባምላክ ተሰማ ኣብ ቀጠር ክዳኒ ምዃኑ ኣብ ዝገለጻሉ ንፊፋ'የን ከም ምንጪ ጠቂሰነኦ።

እንተኾነ ፊፋ እዞም ሓበሬታታት ሓሶት እዮም ኢሉ ኣሎ።

"እዚ ካብ ፊፋ ዝወጽአ ኣይኮነን፤ ኣብ ቀጻሊ ሹመት ዳያኑ ክነፍልጥ ኢና። ቅድሚ ሕጂ ወጺኦም ዝብሃሉ ዘለው ግን ካብ ፊፋ ዝመጽኡ ኣይኮኑን" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዓለምለኻዊ ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ባምላክ ተሰማ ነዚ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ኣብ ቀጠር ኣብ ዝካየር ዋንጫ ዓለም 2022 ብዳንነት ንክሳተፍ ብወግዒ ከም ዝተመረጽኹ ኣይፈልጥን" ኢሉ ነይሩ።

"ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ነገር የለን፤ ብወግዒ ዝበጽሓኒ ነገር'ውን የለን" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ካበይ ከም ዝመጽእ ኣይፈልጥን" ዝበለ ኢንተርናሽናል ዳኛ ባምላክ ተሰማ፡ እቶም ክወጽኡ ዝቐነዩ ጸብጻባት ከም ዝርኣዮም ተዛሪቡ።

ባምላክ ግን፡ ፊፋ መንነት ንዋንጫ ዓለም ዝመርሑ ዳያኑ ወግዓዊ ንምግባር ግዝኡ ሕጂ ከም ዘይኾነ እዩ ዘረድእ።

ቅድሚ ሕጂ ሩስያ ኣብ ዘአንገደቶ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዝሓረዮም ዳያኑ እቲ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ 10 ሳምንታት እዩ ወግዓዊ ገይሩ።

እቲ ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ድማ ድሕሪ ትሸዓተ ኣዋርሕ እዩ ዝጅምር።

ባምላክ ተሰማ ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ ማእኸል ዳኛ ኮይኑ ብዘርኣዮ ብቕዓት ብዙሕ ናእዳ ክቐርበሉ ጸኒሑ።

"ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ብዳኝነት እትምረጽ'ዶ ይመስለካ?" ዝብል ሕቶ ቐሪብሉ ግን መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

ኣብቲ ብ2018 ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ባምላክ ተሰማ ናይ መሐለውታ ዳኛ ኮይኑ ከም ዝተሳተፈ ይዝከር።