እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦስካር 2022፡ ዊል ስሚዝ ኣብ መድረኽ ብጽፍዒት ንዝሃረሞ ክሪስ ሮክ ይቕሬታ ሓቲቱ
ዊል ስሚዝ ኣብ መድረክ ሽልማት ኣካዳሚ ኦስካር ብጽፍዒት ንዝሃረሞ ክሪስ ሮክ "ዘይቕቡልን ይቕረ ዘይብሃሎን" ባህሪ ከምዘርአየ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ።
ንሱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ "ክሪስ፡ ብወግዒ ይቕሬታ ክሓተካ ይደሊ፤ መስመር ጥሒሰን ተጋግየን'የ" ኢሉ።
ኣካዳሚ ፊልም ኦስካር ንተዋሳኢ ዊል ስሚዝ ብምኹናን እቲ ጉዳይ ከም ዝከታተሎ ምስ ኣፍለጠ'ዩ ዊል ስሚዝ ይቕሬታ ሓቲቱ።
ኮሜዲያን ክሪስ ሮክ ብዛዕባ በዓልቲ ቤት ስሚዝ ጃዳ ፒንኬት ምስ ቀለደ ናብ መድረኽ ወጺኡ ንክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ከም ዝሃረሞ ይዝከር።
ሮክ፡ ብዝተላጸየ ርእሲ ጃዳ እዩ ክቕይዕ ፈቲኑ ነይሩ፤ ንሳ ኣልፒሲያ ዝተባህለ ጸጉሪ ርእሲ ዘርግፍ ሕማም ከም ዘለዋ ቅድሚ ዓመታት ተዛሪባ እያ።
ዊል ስሚዝ፡ ኣቦ ጀጋኑ ቴኒስ ዝኾና ቬኑስን ሴሬና ዊልያምስን ኮይኑ ብዛተዋስአሉ ፊልም ኪንግ ሪቻርድ ናይ መጀመርታ ሽልማት ኦስካር ትማሊ ወሲዱ።
ስሚዝ፡ ብኢንስተግራም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ "ብዝኾነ መልክዕ ዝፍጸም ጎንጺ ኣዕናውን መርዛምን'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ እቲ መግለጺ፡ "ትማሊ ምሸት ኣብ ዝነበረ ሽልማት ዘርኣኹዎ ባህሪ ቕቡል ዘይኮነን ዘይምኽኑይን እዩ። ኣብ ልዕለይ ዝቕለዱ ኣካል እቲ ስራሕ'ዮም፤ ብኩነታት ጥዕና ጃጃ ምቕላዱ ግን ክጻወሮ ስለ ዘይኽኣልኩ ስምዒታዊ ኮይነ መልሲ ሂበሉ" ይብል።
ስሚዝ ብቐጥታ ንሮክ ብምጥቃስ "ካብ መስመር" ወጺአ ነይረ እየ ብምባል ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።
ነቲ ኣካዳምን ንመላእ ስድራ ዊልያምስን'ውን ይቕሬታ ሓቲቱ።
"ብሰንኪ ባህርያተይ ንኹላትና ዘሐጉሰና ዝነበረ ምሸት ስለ ዘበላሸኹዎ ኣዝየ ይሓዝን" ኢሉ።
ስሚዝ ይቕሬታ ቅድሚ ምሕታቱ ብድሕሪ ኦስካር ዘሎ ትካል "ተግባር ስሚዝ ይኹንኖ" ክብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
"ኣብ ዙርያ እቲ ዘጋጠመ ክስተት መርመራ ጀሚርና ኣለና። እዚ መተሓዳደሪ ደንብና፣ መትከላት ስነ ምግባርናን ሕጊ ካሊፎርኒያን መሰረት ገይርና ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ክንምርምሮ ኢና" ኢሉ።
ምሕደራ ቅልውላው
ክሪስ ሮክ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ከም ዘይወሰዶ ገሊጹ'ዩ። ስሚዝ ይቕሬታ ምሕታቱ ጥራይ ግን እቲ ጉዳይ ኣብቂዑ ማለት ኣይኮነን።
ሮክ'ውን ብወግዒ መጺኡ ነዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህበሉ ኣለዎ። ክሳብ ሕጂ ግን ነቲ ክስተት ከም ዋዛ ርእዩ ክሓልፎ ዝደለየ ይመስል።
ኣብ ድሕሪ መድረኽ ግን፡ ስሚዝ ንታሪኽ ፍሉጥ ተጓሳጣይ መሓመድ ዓሊ መሲሉ ዝተዋስአሉ ብምምልካት፡ "ጉስጢት መሓመድ ዓሊ ዓሪፉዎ ዝኾነ በሰላ ከይሓለፎ ዝወጻአ ብሕታዊ ሰብ" ብምባል ከም ዝተዋዘየ ተሓቢሩ።
ጽባሕ ሮቡዕ ምምሕዳር ቦርድ ኣካዳሚ ኦስካር ኣብ ልዕሊ ስሚዝ ክውሰድ ብዛዕባ ዝኽእል ስጉምቲ ክዝቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ሮክ፡ እቲ ብ1997 ዝተሰርሐ ፊልም 'GI Jane' ብምልዓል ክዋዛ ከም ዝፈተነ ይፍለጥ።
ኣብቲ ፊልም ዝሰርሐት ዴሚ ሙር ጸጉራ ላጽያ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ሰሪሓ።
ጃዳ ፒንኬት ግን፡ ሮክ ክዋዘ እንከሎ ብሕርቃን ኣዒንታ ንየማነ ጸጋም ክተዝሮም እንከላ፡ መጀመርታ ይስሕቕን የጣቕዕን ዝነበረ ስሚዝ ሃንደበት ናብቲ መድረኽ ደይቡ።
እቲ ኮሜዲያን በቲ ዝተፈጥረ ነገራት ዝተሰናበደ እንተመሰለ'ውን "እዚ ኣብ ታሪኽ ቴሌቪዥን ዓብዪ ምሸት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ሮክ ድሕሪ እቲ መድረኽ "ክሲ ንምምስራት ፍቓደኛ" ኣይኮነን ክብል ፖሊስ ሎስ ኣንጅለስ ገሊጹ'ዩ። ክሳብ ሕጂ ግን ብዛዕብኡ ወግዓዊ ርኢይቶ ኣይሃበን።
ሽልማት ኦስካር ዝወሰደ ስሚዝ ብወገኑ፡ ሪቻርድ ዊልያምስ "ጠበቓ ቤሰተቡ" ከም ዝኾነን ንሱ'ውን ኣብ ህይወቱ "ንሰባት ክፈቱን ክሕሉን" ጻውዒት ከም ዝተገብረሉ ተዛሪቡ።
"ጥበብ ካብ ህይወት'ያ ትቕዳሕ፤ ልክዕ ከምቲ ዝተዋሳእኹሉ 'ጽሉል' ኢሎም ዝጽውዑዎ ሪቻርድ ዊልያም ኣነ'ውን ጽሉል ኣቦ ክመስል ይኽእል'የ። ግን ክኣ ፍቕሪ ናይ ጽሉል ስራሕ ክትሰርሕ'ዩ ዝገብር" ክብል ኣብ መደርኡ ገሊጹ።
ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ብወገና ዊል ስሚዝ ኣብ ክንዲ ሰበይቱ ደው ምባሉ ብምንኣድ ኣብ ምሉእ ሂወታ ካብ ዝራኣየቶ "እቲ ኣዝዩ ደስ ዘብል እዩ" ክትብል ገሊጻቶ። "ከም ብዘይሓለዋ ዝነበርኩ ጓል-ኣንስተይቲ. . .ሰብኣይካ ከምኡ'ዩ ክገብር ዘለዎ፡ ሓቀይ? ክከላኸለልካ [ኣለዎ]" ብምባል ድሕሪ'ቲ ጽንብል ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ተዛሪባ።
ከም ክሪስ ሮክ ተዋዛዪት (ኮመድያን) ዝኾነት ቲፋኒ፡ ኣብ 2017 ምስ ጄዳ ፒንከት ስሚዝ ኣብ ሓንቲ '"ርልስ ትሪፕ" 'ዘርእስታ ፊልም ከምዝዓየያ ይፍለጥ።
ሓያሎ ፍሉጣት ተዋሳእትን ውልቀሰባትን ነቲ ስሚዝ ዝፈጸሞ ኣካላዊ ጎነጽ ክነቕፉ እንከለዉ፡ ምስ ኩነታት ብዓልቲ ቤቱ ዝደናገጹ ገለ ድማ ደገፎም ገሊጾምሉ ኣለዉ።
ዛጊት ክሪስ ሮክ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ዝሃቦ መግለጺ የለን። ኣቐዲሙ ግን ክሲ ክምስርት ከምዘይደለየ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ሓቢሩ ነይሩ።