እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትሬቨር ኖህ፡ "ጸዓዱ ይሕሱ ምህላወይ ኣይፈለጡን"
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቀያዓይ ትሬቨር ኖህ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ኦስካር፡ እቲ ልበ ወለዳዊ ፊልሚ 'ዋካንዳ' ዝተሰርሐሉ ናይ 'ብላክ ፓንተር' ቦታ፡ እማን ዝነበረ'ዩ ኢሎም ብዝሓስቡ ሰባት ቀይዑ።
ብብሉጽ ስእሊ ዝተሓረየ ፊልሚታት ኣብ ዝረቑሐሉ እዋን፡ "ቆልዓ ኮይነ ኣብ ዋካንዳ ምዓበኹ፡ ቲቻላ [ኣብ ፊልም 'ብላክ ፓንተር' ዘሎ ዋና ገፀ-ባህርይ] ብከባቢና እናነፈረ ክሓልፍ ምርኣኹ። ንሓደ ኣባሃህላ'ውን መዘኻኸረኒ" ድሕሪ ምባል።
"ኣበልንጉ ኣባዚ ኡቡ ንዲያዞካ' እዚ ማለት 'ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ እዋናት ካብ ተፈላሊኻ ምቅላስ፡ ሓቢርና ክንቃለስ ከለና ንተርር" ክብል ተዛሪቡ።
ኮይኑ ግን ነቲ ብቋንቋ ሆዛ ወይ ኮዛ ዘቕረቦ ምስላ ብልክዕ ኣይኮነን ተርጒምዎ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፑምዛ ፊላኒ ግን እቲ ምስላ ብልክዕ ናብ እንግሊዘኛ ክትርጎም ከሎ "ጸዓዱ ኣነ ይሕሱ ምህላወይ ኣይፈለጡ" ዝብል ከም ዝኾነ ተዛሪባ።
ኣብቲ መድረኽ ሽልማት ንተዓደምቲ ክተስሕቕ ብዘይምኽኣላ ዝፈሸለት ቅየዐ (ቀልዲ) ትሬቨር፡ ቋንቋ 'ኮዛ' ንዝዛረቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን ብሰሓቕ አዘናጊዓ'ላ።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፤ ፊልም ብላክ ፓንተር ብሰለስተ ዘፈራት፡ ሽልማታት ክትዕወት ኪኢላ'ያ።