እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሚኒስተር፡ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ 'መጽሓፈን ክግንጽላን ኣእጋረን ክዓጽዋን' ነጊራ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ዞባዊት ሚኒስተር ጥዕና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ "መጻሕፍትኽን ክፈታ ኣእጋርክን ከኣ ዕጸዋ" ብምባላ ብዙሕ ነቐፌታታት ይወርዳ ኣሎ።
ፖፊ ራማቱባ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ንምትብባዕን ኣብ ንኣሽቱ ተማሃሮ ንዘጋጥም ጥንሲ ንምጉዳልን ብዝብል ናብ ሓደ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዑደት ተካይድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ነቲ ርእይቶ ዝሃበት።
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ርእይቶ ክነቕፉዎ እንከለው፤ ንምንታይ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘነጻጸረ ኮይኑ ኢሎም ይሓቱ ኣለው።
ራማቱባ ግና እቲ ርእይቶ ንደቂ ተባዕትዮ'ውን ዝዓለመ ከም ዝኾነ ብምግላጽ'ያ ትምጉት ዘላ።
እታ ሚኒስተር ጥዕና ዞባ ሊምፖፖ ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ኣብ ከተማ ሰክጋጋፔንግ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ግወናነ እያ ብረቡዕ ዑደት ተካይድ ነይራ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቶም ተማሃሮ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ "ንደቂ ኣንስትዮ ክብለክን ዝደሊ፡ መጻሕፍትኽን ክፈታ፣ ኣእጋርክን ከኣ ዕጸዋ። ኣእጋርክን ኣይትኽፈታ፡ መጻሕፍትኽን ክፈታ። የቐንየለይ" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑ ሰብኡት ክቡር ብዝኾነ ሰብ ሰርሖ ጸጉርን ቴለፎናትን ጌሮም ንደቂ ኣንስትዮ የታልሉ ከምዘለው ተዛሪባ።
እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ተሪር ነቐፌታ ኣስዒቡላ ኣሎ።
"እዚ ንቖልዑ ብዛዕባ ዓመጽ፡ ስጋዊ ርክብን ፍቓድን እትነግረሉ ግቡእ መገዲ ኣይኮነን" ይብል ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተወሃበ ርእይቶ።
ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ሲቪወ ግዋሩበ ብወገና "ብዙሕ ጸገም ዘለዎ" ክትብል'ያ ገሊጻቶ።
ንሳ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ "እዚ ምስቶም ተማሃሮ ብዛዕባ ፍታው፡ ትርጉም ዘለዎ ዝርርብ ክተካይድሉ እትኽእሊ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ግና ነቒፍክዮም" ኢላ።
እታ ሚኒስተር ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማዕከን ዜና ታየምስ ላይቭ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት እቲ ዘረብኣ ዘይትርጉሙ ከምዝተዋሃቦን ንደቂ ተባዕትዮ'ውን ዝዓለመ ምንባሩን ገሊጻ።
"እቶም ኣወዳት ኣብ ትምህርቶም ከተኩሩን ምስተን ኣዋልድ ካብ ምድቃስ ክቑጠቡን ነጊረዮም እየ" ኢላ።
ወሲኻ'ውን ኣብ ዞባ ሊምፖፖ ዝርከቡ መሳርሕታ "ነቲ መልእኽቲ ከም ዝነኣድዎን" ብትብዓት ብምዝራባ ከም ዘመስገንዋን ሓቢራ።
ኣብ 2020 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 33,400 ትሕቲ 17 ዝዕድሚአን ኣዋልድ ጥንሲ ከም ዘጋጠመን ጸብጻባት መንግስቲ የርእዩ።