እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ማያ ኣንጀሎ ኣብ ሳንቲም ኣሜሪካ ዝተወቐጠት ፈላሚት ጸላም ጓልኣንስተይቲ ኮይና
ቤተ-ግምጃ ኣሜሪካ፡ ስምን ምስልን ገጣሚት ማያ ኣንጀሎ፡ ኣብ 25 ሳንቲም ኣሜሪካ ከምዝውቐጥ ተገይሩ፡ በዚ ድማ ስምይቲ ገጣሚት ማያ ንፈለማ እዋን ኣብ ሳንቲም ኣሜሪካ ስማን ምስላን ዝሰፈረ ፀላም ጓልኣንስተይቲ ኮይና ኣላ።
ገጣሚት፣ ፀሓፊትን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰልን ማያ ኣንጀሎ፡ ኣብ ፅምብል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ግጥሚ ዘቕረበት ፈላሚት ፀላም ጓልኣንስተይቲ’ውን እያ።
ካብ ማያ ኣንጀሎ ብተወሳኺ፡ ጠፈርተኛ፣ ሓለቓ ቀቢላን ተዋሳእትን ዝኾና ካልኦት ደቂኣንስትዮ’ውን፡ ሕሩያት ናይቲ ኣብዚ ዓመት ዝተጀመረን ‘ንስራሕትን ዓወታትን ኣሜሪካውያን ደቂኣንስትዮ ክብርን ሽልማትን ዝወሃበሉን መደብ (American Women Quarters programme) ኮይነን እየን።
እዚ ሓድሽ መደብ ብፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ፀሓፊት ቤተ-ግምጃ ኣሜሪካ ተናኢዱ’ዩ።
ፀሓፊት እቲ ቤተ-ግምጃ ጃኔት የለን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ “ብዛዕባ ሃገርና ንምባል ዕድል ኣለና፤ ብዛዕባ ክብሪ እንህቦን ከም ማሕበረሰብ ብኸመይ ከምዝተመሓየሽናን ንምግላፅ ዕድል ኣለና” ኢላ።
ደራሲትን ነጣፊትን ኣንጀሎ፡ ኣብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን’ያ፡ ኣብ መበል 86 ዓመታ ዓሪፋ።
ማያ፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1969፡ በቲ ‘I Know Why the Caged Bird Sings’ ብዝብል ርእሲ ዘሕተመቶ መፅሓፍ ታሪኽ ሂወታ፡ ልዑል ዝና ተጎናፂፋ እያ።
ልዕሊ 30 ኣዝዮም ዝተሸጡ መፅሓፍቲ ናብ ኣንበብቲ ዘብቀዐት ማያ ኣንጀሎ፡ብደርዘናት ዝቑፀሩ ናይ ክብሪ ዲግሪታት ተቐቢላ’ያ።
ኣንጀሎ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ናይ ሲቪል ሽልማት ኣብ 2010 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ብፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ተሸሊማ’ያ።
እዚ ምስሊ ማያ ኣንጀሎ ዝተወቐጦ ሓድሽ ሳንቲም፡ ኣንጀሎ ኣእዳዋ ዘርጊሓ፡ ኣብ ድሕሪኣ ድማ እትበርር ዑፍን ትበርቕ ፀሓይን የርእይ።
ቤተ-ግምጃ ኣሜሪካ፡ እዚ ምስሊ “ኣብ ግጥምታትን ተምሳሌት ህይወትን” ማያ ኣንጀሎ ዝተደረኸ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ናይ ቅድሚት ገፅ እቲ ሳንቲም ምስሊ ፈላማይ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆርጅ ዋሽንግተን ዝሓዘ እዩ።
እቲ ትካል፡ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ልዑል ግደ ናይ ዝነበረን ካልኦት ኣሜሪካውያን ደቂኣንስትዮ ምስሊ ዝሓዘ፡ 20 ተወሳኺ ናይ 25 ሳናቲም ምስሊ ወግዓዊ ንምግባር ተሊሙ ኣሎ።
ቤተ-ግምጃ ኣሜሪካ፡ ንምስሊ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ሓለቓ ዓሌት ቸሮኪ ንዝነበረትን ፈላሚት ኣሜሪካዊት ጠፈርተኛን ዊልማ ማንኪለር፡ ከምኡ’ውን ምስሊ ተሓላቒት መሰል ደቀ'ባትን ፈላሚት ኮኾብ ሆሊውድን ቻይናዊት ኣሜሪካዊት ኣና መይ ዎንግን፡ ኣብዚ ዓመት ምስለን ኣብ ሳንቲም ከሰፍር እዩ።
እቲ ትካል፡ ኣብ ናይ 20 ዳላር ባጤራ ዘሎ ምስሊ ፕረዝደንት ኣንድሪው ጃክሰን’ውን፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ መገዲ ባቡር ናይ ዝነበሩ ጊላታት ሂወት ብዘድሓነትን ተሓላቒት መሰል ፀለምትን ምስሊ ሃሪየት ቱብማን ንምትካእ ተሊሙ ኣሎ።
ታሪኽ ዝሰርሓ ደቂኣንስትዮ ኣብ ባጤራ ኣሜሪካ ምስለን ሳሕቲ እዩ ዝረአይ።
ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ምስሊ ቀዳማዊት እመቤት ማርታ ዋሽንግተን ናይ ሓደ ዳላር ኣሜሪካ ብሩር ሰርተፊኬት ሰፊሩ ኔሩ።
ምስሊ ኣሜሪካዊት ጅግና ፖካሆንታስ’ውን፡ ኣብ ናይ 20 ዳላር ባጣራ ኣብ ናይ ጉጅለ ምስሊ ተኻቲቱ ኔሩ።
ኣሜሪካዊት ዳህሳሲት ሳካጃወያ ኣብ ናይ ወርቂ ሳንቲም፡ ሳፍርጀስት ሱዛን ቢ ኣንቶኒን ምስማዕን ምርኣይን ዝተስኣና ሄለን ኬለርን ድማ ኣብ ናይ ብሩር ሳንቲም ምስለን ዝሰፈራ ደቂኣንስትዮ እየን።