እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ ንምንታይ እያ ንመተዓዳደጊ ቅርሺ ቀይራቶ?
ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ሓድሽ መተዓዳደጊ ብር (ባጤራ) ኣተኣታትያ እያ። ቅድሚ ሕዚ ዘይነበረ፡ 200 ቅርሺ’ውን ናብ ዕዳጋ ኣትዩ’ሎ።
እታ ሃገር፡ ኣብ ታሪኻ ንሻብዓይ ግዜ እያ ነዚ ለውጢ ትገብር ዘላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ተገይሩ ዘሎ ለውጢ፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ፣ ብልሽውናን ኮንትሮባንድን ንምቁጽጻር ክሕግዝ እዩ ይብል።
ገለ ሰብ ሞያ ስነ-ቑጠባ ድማ፡ ብልሽውና ንምቁጽጻር እኳ ክንደየናይ ኣበርክቶ ከይህልዎ፡ ግን ከኣ ነቲ ብዘይስሩዕ መገዲ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ ቅርሺ ናብ ባንኪ ክምለስ ክሕግዝ ይኸውን ይብሉ።
ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴ፡ ነዚ ለውጢ ንምግባር ዘድለየሉ ሓደ ምኽንያት’ውን ንሱ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ክዛረብ እንከሎ “ከምቲ ዝፍለጥ፡ ናይ ሃገርና ቁጠባ ብብዝሒ፡ ብጥረ ገንዘብ ዕድጊት ዝካየደሉ ቁጠባ እዩ። ልዑል መጠን ዘለዎ ቅርሺ፡ ካብ ባንክታት ወጻኢ እዩ ዘሎ። እዚ ካብ ባንክታት ወጻኢ ዝዘዋወር ዘሎ ቅርሺ ድማ፡ መብዛሕትኡ ንዘይሕጋዊ ተግባራት ክውዕል ኢና እንርእዮ” ኢሉ።
ግብሪ ክኸፍሉ ዘይደልዩ ሰባትን ዘይሕጋውያን ነጋዶን፡ ቅርሺ ኣብ ደገ ኣዋህሊሎም ከምዘለዉ’ውን ዶክተር ይናገር ደሴ ይገልጽ።
እቲ ኣብ ደገ ዝተዋህለለን ኣብ ኢድ ውልቀሰባትን ዘሎ ቅርሺ፡ ባንክታት ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ከጋጥመን ምኽንያት ክኸውን ከምዝጸንሐ’ውን ይጥቀስ እዩ።
በዓል ሞያ ስነ-ቁጠባ ዋሲሁን በላይ’ውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዕዳጋ ዝዘዋወር ልዕሊ 113 ቢልዮን ቅርሺ ከምዘሎ ብምጥቃስ “ካብ’ቲ ሕጋዊ ስርዓት ወጻኢ፡ ቅርሺ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ክውህለል ዕድል ነይሩ” ይብል።
ዋሲሁን በላይ፡ እቲ ሕዚ ኣብ ብር ተገይሩ ዘሎ ለውጢ ድማ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተዋህለለ ቅርሺ ኣብ ምቁጽጻር ከምዝሕግዝ እዩ ዝኣምን። ኣብነት ጠቒሱ ድማ የረድእ።
“ንኣብነት ኣነ ሰራሕተኛ መንግስቲ እንከለኹ፡ 2 ሚልዮን ቅርሺ በቲ ሓድሽ ብር ክልውጥ ናብ ባንኪ እንተኸይደ፡ ‘ካበይ ኣምጺእኻዮ?’ ንዝብል መልሲ ክህልወኒ ኣለዎ” ይብል።
ኣብ ዩንቨርሲቲ መቐለ መምህር ስነቑጠባ፡ ዶክተር ምዑዝ ሓድሽ ግን፡ ኣብ ብር ዝተገበረ ለውጢ፡ ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋውነት ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ ዝብል ኣይወሓጠሉን።
እኳ ደኣስ፡ እታ ሃገር ኣብ ቅልውላው ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቕያር ብር፡ ክሳብ 3.7 ቢልዮን ብር ገዚፍ ወጻኢ ምግባሩ ልክዕ ኣይነበረን ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።
ሃብቲ ዘለዎም ሰባት፡ ቅድም ኢሉ’ውን እንተኾነ፡ ምስ’ቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብዝተኣሳሰር፡ እምነት ስለዝሰኣኑ፡ ሃብቶም ኣብ ክንዲ ብብር፡ ብዶላር፡ ብወርቅን ብንብረትን እዮም ከዋህልልዎ ጸኒሖም ድማ ይብል።
ኣብ ዩንቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ መምህር ስነ-ቑጠባ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ጉቱ ለገሰ ድማ፡ ለውጢ ብር ንበይኑ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምቁጽጻር ኣየኽእልን እዩ ዝብል።
እቲ ቀንዲ ነገር፡ ቁጽጽር ክትገብረሉ ዘኽእለካ መሓውር ምህላውን ዘይምህላውን ምዃኑ ድማ ይገልጽ።
“እንተዘየሎ ግን ዕንክሊል እዩ ዝኸውን። ኣብ ሸርፊ ወጻኢ ዘሎ ብልሽውና እንተዘይተዓርዩ፡ ድሕሪ ግዜ ናብ’ቲ ዝነበሮ እዩ ዝምለስ” ድማ ይብል።
ሓድሽ 200 ብር፡ እንታይ እዩ ዘመላኽት?
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕዚ ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ ጥቕሉል ቅርሺ፡ 100 ብር እዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ሕዚ ዝተገበረ ለውጢ ግን፡ 200 ብር ተኣታትዩ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን፡ እቲ ሕዚ ዘሎ 5 ብር ለውጢ ከይተገበረሉ ጸኒሑ ድሕሪ ግዜ ናብ ሳንቲም ከምዝልወጥ ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ሓምራዊ ሕብሪ ዘለዎ 200 ቅርሺ ምምጽኡ እንታይ እዩ ዘመላኽት? 5 ብር ናብ ሳንቲም ክቕየር ምዃኑኸ?
በዓል ሞያ ስነ-ቁጠባ ዋሲሁን በላይ ከምዝብሎ፡ ባጤራ ክብ እናበለ ክመጽእ ከሎ፡ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ እናደኸመ ከምዝመጽአ እዩ ዘርእይ ይብል።
“ንኣብነት ነቲ ዝተሓተ ቅርሺ ንርኣይ። 5 ቅርሺ ናብ ሳንቲም እዩ ዝልወጥ ዘሎ። 1 ብር እኮ ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ነገር ከዐድገካ ኣይኽእልን ሕዚ። ጫማኻ እንተወልወልካ፡ ዕፉን ኣብ መገዲ እንተዓደግካ፡ ቡን እንተሰተኻ፡ እቲ ዝተሓተ 5 ብር እዩ። እዚ ድማ፡ ናብራ እናኸበረ ምምጽኡ እዩ ዘርእይ” ይብል።
ብር 200 ዘድለየሉ ምኽንያት ድማ ብኸምዚ የብርሆ።
“ሰባት፡ ቅድሚ ሕዚ 100 ቅርሺ ሒዞም ከይዶም ክዕድግዎም ዝኽእሉ ነገራት፡ ሕዚ ብ 100 ቅርሺ ክዕድጉ ኣይኽእሉን። ስለ’ዚ ድማ፡ ብዙሕ ወረቐት ሒዞም ካብ ክኸዱ፡ ጥቕሉል 200 ብር ትገብረሎም” ይብል።
እዚ ድማ፡ ናይ ብር ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደኸመ ምምጽኡ እዩ ዘመላኽት ይብል
ዓቕሚ ብር ንምንታይ ደኺሙ?
ኣብ ዩንቨርሲቲ መቐለ መምህር ስነቑጠባ ዶክተር ምዑዝ፡ ዓቕሚ ብር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ምምጽኡ ምስ ምዝባዕ ሚዛን ንግድን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ጉዳይ ሸርፊን ከምዝኾነ የረድእ።
ብር ምስ ዶላር ብምንጽጻር ዘለዎ ዋጋ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቆልቆለ ከምዝመጸ እቲ ምሁር ይጠቅስ። እዚ ዝኾነሉ ሓደ ምኽንያት ድማ፡ ምዝባዕ ሚዛን ንግዲ ንምዕራይ ክበሃል፡ ዋጋ ብር ምንካዩ ምዃኑ ይጠቅስ።
ሚዛን ንግዲ ማለት፡ ሓንቲ ሃገር ካብ ደገ እተእትዎን፡ ንደገ እትልእኾን መጠን ንግዲ እዩ።
ኢትዮጵያ ድማ፡ ሰደድ ገይራ ካብ እትልእኾ ንላዕሊ፡ ናብ ውሽጢ ሃገር ዓዲጋ እተእትዎ መጠን ኣዝዩ ስለዝበልጽ እዩ “ምዝባዕ ሚዛን ንግዲ ኣሎ ዝበሃል” ክብል እቲ ምሁር የረድእ።
ነዚ ምዝባዕ ንምስትኽኻል ክበሃል ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣትልእኾም ሰደዳት ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳደርቲ መታን ክኾኑ ዋገኦም ንምሕሳር፡ ሸርፊ ብር ክንኪ ከምዝግበር ይገልጽ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብር ናይ ምግዛእ ዓቕሙ እናደኸመ መጺኡ ይብል።
እቲ ናይ ሕዚ ለውጢ ቅርሺ’ውን ናቱ ዝኾነ ሳዕቤናት ከምዘምጽእ እዩ ዝገልጽ። ክንድ’ዚ ዝኣካል ቅርሺ ተሓቲሙ ናብ ዕዳጋ ክኣቱ ኸሎ “ጥንኩር ናይ ገንዘብን ፊስካልን ፖሊሲ እንተዘየብልካ” ቅልውላው ክፈጥር ከምዝኽእል እዩ ዝእምት።
እቲ ሓድሽ ቅርሺ መዓዝ እዩ ዝልወጥ?
እቲ ን 23 ዓመተት ከገልግል ዝጸንሐ ነባር ቅርሺ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ በቲ ሓድሽ ተተኪኡ ካብ ዕዳጋ ወጻኢ ከምዝኸውን ተገሊጹ’ሎ። ክሳብ ሽዑ ግን፡ እቲ ሓድሽ ቅርሺ ጎድኒ ንጎድኒ ናብ ዕዳጋ ክኣቱ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።
ልዕሊ 100 ሽሕ ብር ዘለዎም ሰባት ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክቕይርዎ ከምዘለዎም ገደብ ወጺኡ’ሎ።
ክሳብ 10 ሽሕ፡ ሓደ ሰብ ናብ ባንኪ ከይዱ ብጥረ ለዊጡ ክቕበል ይኽእል እዩ። ልዕሊ 10 ሽሕ እንተኾይኑ ግን፡ ብስም እቲ ሰብ ሒሳብ ባንክ ተኸፊቱ ከምዝቕመጥ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ቅድም ክብል፡ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ቅርሺ ኣብ ገዛ ምውህላል ዝኽልክል ሕጊ ከምውጸአት ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሕጊ ገና ክቕጽል ምዃኑ’ውን ተገሊጹ እዩ።