ከተማ ቴልኣቪቭ እስራኤል ዝኸበረት ከተማ ዓለም ተባሂላ

ከተማ ቴልኣቪቭ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብሰንኪ ዝቕባበን ጸገማት ሰንሰለት ቀረብን ዝሰዓበ ናህሪ ዋጋታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ ዓለም ክትነብረላ እታ ዝኸበረት ከተማ ተባሂላ።

እታ እስራኤላዊት ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ዝነበረት ኮይና ንፓሪስን ሲንጋፖርን ብምቕዳም'ያ ኣብቲ ብኤኮኖሚስት ኢንተሊጀንስ ዩኒት (ኢኣይዩ) ዝካየድ ዳህሳስ ንፈለማ እዋን ናብ ቅድሚት መጺኣ።

መዲና ናይታ ብኲናት ኣብ ዝተሓመሰት ሶርያ ዝኾነት ደማስቆ ኣብ ዓለም እታ ንኽትነብረላ ዝሓሰረ ኮይና ቀጺላ ኣላ።

እቲ ዳህሳስ ኣብ 173 ከተማታት ንዋጋ ኣቕሑትን ኣገልግሎትን ብዶላር ብምውድዳር እዩ ተኻዪዱ።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ኣዋርሕ ነሓሰን መስከረምን ከምዝተኣከበ ዝገለጸ ኢኣይዩ፤ ዋጋታት ብማእከላይ ገምጋም 3.5% ወሰኽ ከም ዘርኣየን እዚ ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ዝለዓለ ምዃኑን ሓቢሩ።

እቲ ቀንዲ ወሰኽ ዘርኣየ መጉዓዝያ ኮይኑ ኣብተን እቲ ዳህሳስ ዝተኻየደለን ከተማታት ዋጋ በንዚን ብማእከላይ ገምጋም 21% ከምዝወሰኸ ኣረዲኡ።

ቴልኣቪቭ ኣብቲ ተርታ ንላዕሊ ምድያባ ባጤራ እስራኤል (ሸከል)፡ ብመንጽር ዶላር ኣመሪካ ሰማይ ይዓርግ ምህላው ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ።

ቴልኣቪቭ ብመዳይ ኣልኮልን መጉዓዝያን'ውን ካብ ዓለም እታ ካልኣይቲ ዝኸበረት ንምዝንጋዕ ከኣ ኣብ ሻዱሻይ እትስራዕ ከተማ ምዃና እቲ ዳህሳስ የርእይ።

ከንቲባ ከተማ ቴልኣቪቭ ሮን ሁልዳይ ምስ ጋዜጣ 'ሃረትዝ' ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ንናህሪ ዋጋታት ኣብቲ ዳህሳስ ዘይተካተቱ ፍርያት ኣብ ግምት ብምእታው እታ ከተማ ናብ "ምብራዕ" ገጻ ትኸይድ ምህላዋ ዘርእይ እዩ ኢሉ።

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዳህሳስ ኢኣይዩ፡ ፓሪስ ዙሪክን ሆንግ ኮንግን እየን ብሓባር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዐን ነይረን። ሎምዘበን ግና ዙሪክ ራብዓይ፡ ሆንግ ኮንግ ሓሙሻይ ክስርዓ እንከለዋ፤ ኒውዮርክ፣ ጀነቫ፣ ኮፐንሃገን፣ ሎስ ኣንጀለስን ኦሳካን ስዒበን ተር ኢለን ይርከባ።

ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራን ካብ መበል 79 ናብ 29 ብምምጻእ ኣብቲ መስርዕ ብብዝሒ ዝደየበት ክትኸውን እንከላ ኣመሪካ ልዕሊ እታ ሃገር ዘንበረቶ ቁጠባዊ እገዳ ሕጽረት ቀረብን ናህሪ ዋጋታትን ከምዘስዓበ ይግለጽ።