እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዳግም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተራእየ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ቑጽሪ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ኤውሮጳ ዳግም "ማእከል ለበዳ" ኮሮናቫይረስ ኾይና ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኤውሮጳ ሓላፊ እቲ ትካል ዝኾነ ሃንስ ክሉግ ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዞባ እኹል ክታበት ይወሃብ ዘይምህላው'ውን ነቒፉ።
"እቲ ስልቲ ክንቅይሮ ኣለና፤ ለበዳ ኮቪድ-19 ክውስኽ እንከሎ ምላሽ ካብ ምሃብ መጀመርታ ንከየጋጥም ኣብ ምክልኻል ክንሰርሕ ይግባእ" ኢሉ።
ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብቲ ዞባ መጠን ዝኽተቡ ሰባት ክጎድል ተራእዩ። ኣብ ስፔን 80 ሚኢታዊት ሰባት ክልተ ግዜ ክኽተቡ እንከለው፡ ፈረንሳን ጀርመንን - 68 ሚኢታዊትን 66 ሚኢታዊትን ጥራይ'የን ክኸትባ ክኢለን።
እዚ ኣብ ገለ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕብ ኤውሮጳ ዝተሓተ ኮይኑ ይርከብ።
ክሳብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ሩሲያ 32 ሚኢታዊት ጥራይ'ዮም ሙሉእ ንሙሉእ ተኸቲቦም።
ብኻልእ ወገን እቲ ሓላፊ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርኣይ ዘሎ ምፍኳስ መከላኸሊሜላታት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ነቒፉ። ኤውሮጳ ገለ ክፋላት ማእኸላይ ኤስያ ሓዊሱ 53 ሃገራት ዝሽፍን ምዃኑ ይፍለጥ።
ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብቲ ዞባ 1.4 ሚሊየን ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይጠቅስ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ብልዕሊ 55 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጀርመን ኣስታት 34 ሽሕ መልከፍቲ ከም ዝመዝገበት ተሓቢሩ።
እዚ ኣብ ኢንግሊዝ 37 ሽሕ ኮይኑ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና እዚ ራብዓይ ለብዒ እቲ ቫይረስ ብዙሕ ሞትን ምጭንናቕ ትካላት ጥዕናን ከይፈጥር ከም ዝሰግኡ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ 165 ሰባት ሞይቶም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሩሲያ ልዕሊ 8100፣ ዩክሬይን 3800 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ምሟቶም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ድማ ዩክሬይን ልዕሊ 27 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከም ዝመዝገበረት ገሊጻ ኣላ።