እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባል ባይቶ ማላዊ ነበር ኣብ ማእከል ቤት ጽሕፈት እቲ ባይቶ ብጥይት ነብሱ ቀቲሉ
ሓደ ልዑል ማዕረግ ዝነበሮ ኣባል ፓርላማ ሃገረ ማላዊ ዝነበረ ክለመንት ቺዋያ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ኣብ ማእከል ባይቶ ብጥይት ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ተገሊጹ።
ክለመንት ቺዋያ፡ ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ ብዘጋጠሞ ሕማም ፖልዮ፡ እግሪ ለሚሱ ብዓረብያ እዩ ዝንቀሳቀስ ነይሩ።
ካብ 2014 ክሳብ 2019 ኸኣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኮይኑ ሰሪሑ።
ክለመንት ቺዋለ ቅድሚ ነብሰ ቅትለት ምፍጻሙ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ምስ ገለ ላዕለዎት ሓለፍሪ ባይቶ በታ ምስ ስንክልንኡ ብዝጥዕም ዝተሰርሐት መኪና ኣመልኪቱ ዘይርድዳእ ከም ዝነበሮ ሓቢሩ።
ካብ መዝነት ምልትል ኣፈ ጉባኤ ምስ ወረደ፡ ነታ ምስ ስንክልንኡ ብዝጥዕም ዝተሰርሐት ኣባል ባይቶ እንከላ ዝተውሃበቶ መኪና ክገዝኣ ይሓትት ነይሩ እዩ።
እቲ ክኸፍሎ ዝተኣዘዞ ገንዘብ እኳ ምሉእ ንምሉእ እንተኸፈለ፡ እታ መኪና ግን ናብ ሽሙ ከም ዘይተሰጋገረት ነቶም ዝምልከቶም ኣባላት ባይቶ ብተደጋጋሚ ክኸሶም ጸኒሑ እዩ።
ባይቶ እታ ሃገር ንሞት ክለመንት ቺዋለ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽዞ መግልጺ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝርከብ ገሊጹ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ክለመንት ቺዋለ ብሰሉስ ናብ ቤት ጽሐፈት ሓላፊ ቤት መዝገብ ባይቶ እታ ሃገር ብምእታው ኣብ ቅድሚ ሓላፊ ቤት መዝገብ ኮይኑ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ኣቃሊሐን።
ክለመንት ቺዋለ፡ ንዝምልከቶን ንዝግብኦን ነገር ብተደጋጋሚ ምልማን ከም ዝሰልቸዎ ብምግላጽ 'ንኻልኦት ሰባት ካብ ምህሳይ' ንነብሱ ክጥፍእ ከም ዝወሰነ ኣብቲ ቅድሚ ነብሰ ቅትለት ምፍጻሙ ዘስፈሮ ጽሑፍ ገሊጹ።
ኣብ 1971 ዝተወለደ ክለመንት ቺዋለ፡ ንመሰል ስንኩላን ብምጥባቅ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰለስተ ግዜ ኣባል ባእቶ እታ ሃገር ክኸውን ከም ዝተመረጸ ይፍለጥ።
ፖሊስ፡ ነቲ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር ከመይ ኢሉ ሽጉጥ ሒዚ ከም ዝኣተወ ይምርምሩ ከም ዘለዉ ገሊጸም።
ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ ግን፡ ኣብ እዋን ተፍቲሽ እቶም ሓለውቲ፡ እታ ዝኾነ ሓጺን ክሓልፍ እንከሎ ድምጺ እትህብ ማሽን ዋላ እኳ ድምኢ እንተስመዐት፡ ብሰንኪ እታ ዝነበራ ዓረብያ [ሓጺን ብምዃና] ዝተፈጠረ ድምጺ እዩ ኢሎም ከም ዘሕለፍዎ ገሊጾም ኣለዉ።