እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ኣባል ባይቶ ካናዳ ጥራይ ነብሱ ናብ ናይ ስራሕ ኣኼባ ምቕራቡ ይቕሬታ ሓቲቱ
ሓደ ኣባል ባይቶ ካናዳ፡ ዕርቃኑ ወጺኡ እንከሎ ኣብቲ ብማንዛ (ብዙም) ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ኣኼባ ምቕራቡ ይቕሬታ ሓቲቱ።
"ዘይተሓስበ ጌጋ'ዩ ነይሩ" ክብል ወኪል ናይታ ኣብ ክፍለሃገር ኲበክ እትርከብ ወረዳ ፖንቲያክ ዝኾነ ዊልያም ኣሞጽ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዛሪቡ።
"ክጎዪ ወጺአ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናይ ስራሕ ክዳውንተይ እናገበርኩ እንከለኹ፡ ብጌጋ ቪድዮ ወሊዐ" ኢሉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ካብቲ ቪድዮ ዝተቖርጸ ስእሊ እቲ ኣባል ፓርላማ ንሕፍረቱ ብቴለፎኑ ሸፊንዎ የርኢ።
እቲ ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ዝኾነ ኣሞጽ፡ ብድሕሪ መንበሩ፡ ኣብ መንጎ ባንዴራ ካናዳን ኲበክን ጥራሕ ነብሱ ደው ኢሉ'ዩ ዝረአ።
በቲ ዘጋጠመ ከም "ዝሓነኸ" ዝገለጸ እቲ ኣባል ባይቶ፡ "ብጌጋ ዘጋጠመ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ካልኣይ ግዜ ኣይክድገምን'ዩ" ክብል ገሊጹ።
"በቲ ዝተፈጠረ ዘይተደልየ ኣቓልቦ፡ ነቶም ኣብ ባይቶ ኮመንስ ዘለዉ መሳርሕተይ ካብ ልበይ ይቕሬታ እሓቶም" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጽን ኣብ ትዊተርን ጽሒፉ።
ሓንቲ ብጸይቱ ኣባል ባይቶ ድሕሪ'ቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ኣባላት ባይቶ፡ ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ፡ ክራቫታን ጃኬትን ምግባር ግዴታ ምዃኑ ምዝኽኻር ኣድላዪ" ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ ክትብል ምኽራ ሂባ።
"ኣካላዊ ቅርጺ ናይዚ ኣባል ጽቡቕ ምዃኑ ተዓዚብና፡ ግና ኣባላት ክጥንቀቑን ካሜራታቶም ክቆጻጸሩን ማዕዳ ዘድልዮም ይመስለኒ" ክትብል ንመደበር ተለቪዥን ሲ-ቲ-ቪ ተዛሪባ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘገደዶ ዕጽዋን ኣካላዊ ምፍንታትን፡ ኣኼባታት፡ ዋላ ናይ ፓርላማታትን ካቢነታትን ብማንዛ ብመርበብ ኢንተርነት ክግበሩ ንቡር ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት፡ ካብ ገዛኻ ብቪድዮ ዝግበር ኣኼባታት፡ ንሓያሎ ሰባት ንሕንከት ዝዳረገ ሓድሽ ኩነተ-ስራሕ ኮይኑ'ሎ።