ፈረንሳ፡ ኑዛዜ ሓደ ፖሊስ ን35 ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ኣለሻ ሓደ ዕሉል ገበነኛ ከምዘብቅዕ ገይሩ

ኣብ ፈረንሳ፡ ገበናት ሓደ ዕሉል ቀታሊ ንጉጅለ ገበን እታ ሃገር ንዓሰርታት ዓመታት ኣድኪሙዎም'ዩ።

ሕጂ ግን፡ ፖሊስ እታ ሃገር ዝነበረ ውልቀሰብ ቀታሊ ሊ ግሪሌ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑ ተናዚዙ።

እቲ ፍራንኮይስ ብዝብል ስም ዝተጸርሐ ፖሊስ ነብሰ ቕትለት ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ዝጽሓፎ ወረቐት፡ ነቲ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ብገበናቱ ንፈረንሳ ዘሰንብድ ዝነበረ ውልቀሰብ ከም ዝቐተሎ ገሊጹ።

ሊ ግሪሌ ብርክት ዝበሉ ጾታዊ ዓመጻትን ቅትለታትን ከምዝፈጸመ'ዩ ዝጥርጠር።

እንተኾነ፡ ሊ እቲ ፖሊስ ንዓመታት ክደልዮ ዝጸንሐ ብዙሕ ሰባት ዝቐተለ ድዩ ዝብል ንምርግጋጽ መርመራ ዲኤንኤ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ዝሞተ ፖሊስ ዝገደፎ ኑዛዘ ግን ነቲ ፖሊስ ክበጽሖ ዘይክኣለ ጉዳይ ከብቅዕ ዝገብር ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ጥርጡር ካብ ዝኽሰሰሎም ሓደ ዘሰንብዱ ገበናት፡ ቕትለት ጓል 11 ዓመት ሴሲሌ ብሎች'ዩ። ንሳ ብ1986 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይተረኸበት ምስ ተረፈት'ዩ ምጥፍኣ ተፈሊጡ።

ድሕሪኡ፡ ኣስክሬና ኣብ ሓደ ኣረጊት ናይ መሬት ምንጻፍ ተጠቕሊሉ ኣብቲ እትረነብረሉ ህንጻ ኣብ ዝርከብ መጽንሒ መካይን ተረኺቡ።

ሰብ መዚ፡ ተዓሚጻ፣ ተሓኒቓን ብካራ ተወጊኣን'ያ ዝብል ጸብጻቦም ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ስንባደን ቁጥዐን ተፈጢሩ'ዩ።

ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ መዓልቲ ነበርትን ሓዋን እቲ ውልቀሰብ ብሊፍት ክወርድ ከም ዝርኣዩዎ ተዛሪቦም።

ፖሊስ ምስሊ እቲ ገበነኛ ንክህልዎ ዝሓገዘ ሓዋ ሉክ ሪቻርድ እቲ ውልቀሰብ "ብነብሱ ዝተኣማመን" እዩ ዝመስል ክብል ይገልጾ።

"ንዓይ ከምዚ 'ጽቡቕ . . . ጽቡቕ መዓልቲ ይኹነልካ' ዝበለኒ ይመስል" ክብል ብ2015 ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ብዲኤንኤ እታ ግዳይ ዝተረኸቡ መረዳእታታት፡ ናብ ካልኦት ገበናት ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ክመርሑዎም ክኢሎም።

እዚ፡ ብ1987 ዝፈጸሞ ቅትለት ጓል 38 ዓመት፣ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸደት ጠፊኣ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናይ ዝተረኽበት ጓል 19 ዓመት ግዳያት ዝርከቦ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ጓል 26 ዓመት ጀርመናዊት ውልቀሰብን ክልተ ቆልዑ 14ን 11 ዓመትን ዝርከቦ ኮይኑ፡ እቲ ጥርጡር ንርእሱ ፖሊስ'የ ይብል ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

ናይዚ ውልቀሰብ ስእሊ፡ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ፓሪስ ተሰቒሉ ክእለሽ ጸኒሑ።

እቲ ሕጂ ከም ዝቐተሎ ተናዚዙ ዘሎ ፖሊስ ንሕቶ ናብ መደብር ፖሊስ ተጸዊዑ እኳ እንተዘይቐረበ፡ ብሮቡዕ ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ።

እዚ ወዲ 59 ዓመት ሰብኣይ ምስ ወተሃደር ፈረንሳ ዝሰርሕ ፖሊስ ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ።