ናሚብያ፡ ንግዳያት ጃምላዊ ቅትለት ዝኽፈል ካሕሳ ክንደይ እዩ?

እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጀርመን ኣብ ናሚብያ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ንምክሕሓስ ፈዋሲ-ቁስሊ-ፍትሒ ዝተሰመየ ስምምዕ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ንመላእ ሕብረተሰብ ዝደምሰሰ ፍጻሜ'ኸ ብኸመይ ክትዓርቆ ይከኣል? ሕጂ ኣብ ናሚብያ፡ ግዳያትን ገዛእትን ነበርን ብዛዕባ እቲ ዝሕተት ዘሎ ካሕሳ ሓያል ክርክር የካይዱ ኣለዉ።

ላዲላው ፓንጋዳ፡ "እዚ ገማግም ባሕሪ'ዚ፡ መዳጐኒ ደምበ 'እምቢተኛታት ናሚብያውያን'ዩ ነይሩ። "ሎሚ ግን መናፈሻ መዐሸጊ መካይን ገያሾን ኮይኑ ኣሎ ።"

እቲ ስነ-ጥበበኛን ማሕበራዊ ተጣባቒን፡ ነተን ኣብ ስዋኮፕመንድ - ናሚብያ፡ ዝርከባ ካፈታትን መጻወቲ ቘልዑን እናማዕደወ፡ " ዓባየይ ገለ ካብ ኣባላት ስድራ ቤትና ናብዚ መጺኦም ክሰርሑ ከም እተገደዱን ኣብዚ ከምዝሞቱን ነጊራትኒ" ይብል።

ንሱ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1904-1908 ዓመታት ዝነበረ ፍጻሜ እዩ ዝዛረብ ነይሩ። ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ናምብያ ሽዑ ብጀርመን እያ ትግዛእ ነይራ።

ሓይልታት መግዛእቲ ነቶም ሄሬሮን ናማን ዝብሃሉ ክልተ ካብ ቀንዲ ህዝብታት እታ ሃገር ብጭካነ ምስ ጨፍጨፉዎም፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም።

ንብዙሓት ከኣ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ናብ ዝርከብ ምድረ-በዳ ኦማሄከ ወሲዶም ብጥሜት ከምዝሃልቁ ገበሩዎም።

እቶም ዝደሓኑ ከኣ፡ ኣብቲ መዓስከራት-ጊላነት፡ ብቝሪ፡ ጕድለት መግቢ፡ ድኻምን ግፍዕን እናሳቐዩ የሸቅልዎም ነይሮም።

ካብቶም ኣብ መጀመርታ መግዛእቲ ጀርመን፡ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሄሬሮ ካብ 65,000 ክሳብ 80,000 ሰባት ካብቶም ናማ ከኣ ካብ 10,000 ክሳብ 20,000 ዝኾኑ ከምዝሞቱ ይግመት።

ካብ 2015 ኣትሒዙ፡ ጀርመን፡ እቲ ሽዑ ዝተፈጸመ ግፍዒ ከም ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝረአ ብወግዒ ምስ ተኣመነት፡ ምስ ናሚብያ ስምምዕ ፈዋስ-ቁስሊ-ፍትሒ ንምክያድ ትጽዕር ኣላ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ዝኾነ መግዛእታዊ ሓይሊ፡ ምስቶም ቀደም ዝገዝኦም ዝነበረ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮይኑ፡ ብዝሓለፈ መግዛእታዊ ግፍዓዊ ፍጻሜ ኩለንትናዊ ፈዋስ-ቁስሊ ካሕሳ ንኽሰማማዕ ኮፍ ዝበለ የለን።

ዋላ'ኳ እቲ ዝንገር ዘረባ ገና ክረአ እንተለዎ፡ ጀርመን ወግዓዊ ይቕረታ ክትሓትት ምዃና ገሊጻ ኣላ። ግን ናሚብያውያን እቲ ዝወሃብ ካሕሳ እንታይ ዓይነት መልክዕ ከም ዝህልዎ ክፈልጡ ይደልዩ።

ላዲላው ፓንጋዳ፡ ከም መብዛሕትኦም ዓሌቱ (ሄረሮስ) ካብቲ ዝርርብ ካሕሳ ጃምላዊ ቅትለት፡ ነቶም በትርን ኩባን (በትሪ ንሚእቲ ከብቲ፡ ኩባ ከኣ ንሓደ ሽሕ ከብቲ ይውክል) ጥሪት ዝነበረኦም ህዝቡ ናብረኦም ዘመሓይሽ ርቡሕ ገንዘብ ክረኽቡ ይደሊ።

እቲ ሰፊሕ መሬት ደቀባት ሄረሮን ናማን፡ ንሕርሻ ክኸውን ብጀርመናውያን ሰፈርቲ ስለዝተወስደ፡ ደቂ ደቆም ኣብቲ ጽዑቕ ህዝቢ ተጨቓጪቑ ዝነባበረሉ ቁርጽራጽ መሬት እዮም ዝነብሩ።

ኣስታት 40% ህዝቢ ናሚብያ ከኣ ኣብ "ዘይወግዓዊ ስፈራታት" ሻውላት ከተማታት እዮም ዝነብሩ።

ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ ስዋኮፕመንድ፡ ኣብ መንጎ ደቂ እቶም ገዛእቲ ነበር ዝነብርሉ ውቁብ ህንጻታትን፡ ኣብቲ ብልግብጋብ ዚንጎታት ዝተሰርሕ ጭፍልቕላቕ ኣባይቲ ዝነብሩ ደቀ'ባትን ገፊሕ ማሕበራዊ ጋግ ኣሎ።

ሊድላው፡ " [እቶም ሰባት]ብቑዕ ዓይኒ ምድሪ ኮነ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ከምኡ እውን ኤለክትሪክ የብሎምን " ይብል።

"ገለ ካብቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት፡ ደቂ-ደቂ እቶም ግዳያት መዳጐኒ መዓስከር መግዛእቲ እዮም። እዚ ከኣ ናይ ብሓቂ ዘይፍትሓዊ እዩ። ጀርመን መሬት ኣበዋትና ክትመልሰልና ኣለዋ ።" እዚ ቃል እዚ ብተደጋጋሚ እትሰምዖ ዘረባ እዩ።

እቲ ተስፋ፡ መንግስቲ ጀርመን ካብቶም መሬት ደቀባት ዝወነኑ ጀርመናውያን ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ንምዕዳግ ዘኽእል ገንዘብን ናይ ተሃድሶ መደብን ኣዳልዩ ንናሚብያውያን ሄረሮን ናማን መሬት ሕርሻ ክዕደል እዩ።

ጀርመናውያን ናሚብያውያን፡ ካብቶም ካልኦት ጸዓዱ ሰፈርቲ ኣስታት 70% መሬት ሕርሻ እታ ሃገር ይውንኑ። እቲ ዝሓዝዎ መሬት ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሓደ ኣስታት 400 ስኴር ኪሎ ሜተር ይሽፍን።

እዚ ኽሳብ ክንደይ እዩ ርትዓዊ ክኸውን ዝኽእል? ናይ ናሚብያ ቀንዲ ተደራዳሪ፡ ዶክተር ዘድ ንጋቪር፡ ጀርመን፡ "ንሕብረተሰብና ንምህናጽ ዝሕግዝ ገለ ነገር ክገብሩ ከም ዘለዎም ተኣሚኖም እዮም" ይብል። ስለዝኾነ እቶም መሬት ዘይብሎም ደቀባት፡ ካብቶም ሰፊሕ መሬት ዝሓዙ፡ ብወለንታ መሬት ክሸጡ ዝደልዩ ገዛእቲ መሬት ንኽዕድጉ ዝሕግዝ ገንዘብ ክትህብ ተሰማሚዓ ኣላ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ግን፡ "እቲ ናይ መሬት ጕዳይ ብጀርመን ክፍታሕ ከምዝኽእል ገይረ ነብሰይ ከዐሹ ኣይክእልን እየ። እቲ መሬት ብመግዛእቲ ጀርመን ዝተኸስረ ጥራይ ኣይኮነን"ይብል ።

ጀርመን ኣብ ውግእ ዓለም ተሳዒራ፡ ግዝኣታታ ምስ ኣጥፈአት፡ ብዙሓት ጸዓዱ ሰፋሮ መጺኦም። ደቡብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ [ናሚብያ] ከኣ ን70 ዓመት ብደቡብ ኣፍሪቃ ተገዚኣ። ኣብ 1990 ናጽነታ ካብ እትጎናጸፍ ጥራሕ እኳ ብዙሕ መሬት ጸለምቲ ናሚብያውያንን ብወጻእተኛታትን ተዓዲጉ እዩ።

መንግስቲ ጀርመን ነታ "ካሕሳ" ዝብል ቃል ክቕበሉዋ ኣይደልዩን እዮም። እቲ ተማጓቲ ዘድ ንጋቪሩ ግን ኣብቲ ምስ ጀርመን ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ ከም ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ መንበሪ ኣባይትን ቀረብ ማይን ዝኣመሰለ ግብራዊ ፕሮጀክትታት ይዝረበሉ ከምዘሎ ይሕብር። እንተኾነ፡ እቲ ዝርርብ ከምዚ'ዩ ኢልካ ብሓደ ቃል ክትገልጾ ዘይከኣልን ኣዝዩ ተነቃፍን'ዩ ይብል።

ብወገን ጀርመን ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብወግዒ ክግለጽ ኣይድለን እዩ። ላዲላው፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ዝርርብ ኣብ ሓደ ፍረ ዘይምብጽሑ፡ እቶም ካሕሳ ዝጽበዩ ሄሬሮን ናማን ዓቕሎም እናጸበቦም ይኸዱ ከምዘለው ይዛረብ።

እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ጀርመንን መንግስቲ ናሚብያ ዝካየድ ናይ ካሕሳ ዝርርብ ነቶም ኣብ ጃምላዊ ህልቂት ግዳይ ዘይኮኑ ከም ኦቫምቦ ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ናሚብያ ዝዓበዩ ዓሌት ከይከፋፈል ስግኣት ኣሎ።

ስለዝኾነ ኣማኻሪ ሓለቓ ሩኮሮ ፌስቱስ ሙንዱጁዋ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ናብ መንግስቲ ዝኣቱ፡ ብቐጥታ ናብቶም ገንዘብ ዘይብሎም ድኻታት ግዳያት ጃምላዊ ቅትለት ዓሌታት ሄሬረን ናማን ክኣቱን ብኣኣቶም ክመሓደርን እዩ ዝሓትት።

እንተዀነ ግን፡ እቶም ግዳያት ጥራይ ኣይኰኑን ነቲ ዝርርብ ዝጠራጠርሉ። ገለ ካብቶም ኣብ ናሚብያ ተሪፎም ዘለዉ 30,000 ተዛረብቲ ጀርመን፡ ደቂ-ደቂ እቶም ገዛእቲ ነበር ናሚብያውያን እውን ኣብቲ ዝካየድ ዝርርብ ሕቶ ኣለዎም።

ተመራማሪ ታሪኽ ዶክተር ኣንድርያስ ቮግ፡ "እቲ ብጃምላዊ ቅትለት ዝግለጽ ዘሎ ነገር ሞራል-ተንከፍ ጽውጽዋይን ጸለመን እዩ" ይብል።

ንሱ እውን ከም ብዙሓት ጀርመናውያን-ናሚብያውያን፡ እቲ ብ1904 ኣዛዚ ሰራዊት መግዛእቲ ዝነበረ ጀነራል ሎታር ቮን ትሮታ ዝኾነ ብረት ዝዓጠቐ ኮነ፡ ከብቲ ዝሓዘ በቲ ጀርመን ዝኸልከለቶ ቦታ ክሓልፍ ወይ ኣብኡ ምስ ዝርከብ ክቕተል እዩ ክብል ዘሕለፎ "ናይ ጥፍኣት ትእዛዝ" ናይ መንግስቲ ጀርመን ፖሊሲ ኣይነበረን፤ ኣይተተግበረን እውን ክብል እዩ ዝዛረብ።

እንተኾነ ነቲ ኣበሃህላ እቲ ዝነጽጉ፡ መግዛእታዊ ስልጣን ጀርመን ጭካነ ዝመልኦን ይቕረ ዘይበሃሎን ጅምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸመ ዝምጕቱ ኣለው።

ንሱን ሓያሎ ካልኦት ጀርመናውያን ናሚብያውያንን ከኣ፡ ህዝቢ ሄሬሮ ኣብ 1904 ንመግዛእቲ ጀርመን ንምምካት ኣስታት 120 ጀርመናውያን ምስ ቀተሉ፡ ኣብ ወሳኒ ኵናት ዋተርበርግ ከምእተሳዕሩ እዮም ዝገልጹ ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ድሕሪ ናጽነት ናሚብያ ነዊሕ ኸይጸንሐ ኣገልጋሊ መንግስቲ ኰይኑ ዝተሾመ ጀርመናዊ-ናሚብያዊ ፡ ኣንቶን ቮን ዊተርሸይም፡ ነቶም ቋንቋ ጀርመን ዝዛረቡ ናሚብያውያን፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ መግዛእቲ ንሕድሕዶምን ምስ ተወከልቲ ግዳያት ሄረሮን ናማን ክዘራረቡን ዋዕላ ክካየድን ጸዊዑ ነይሩ። እንተኾነ፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣይተተግበረን።

"ሎሚ እውን መብዛሕትኦም ጸዓዱ መሰልትና፡ ብሰንኪ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከም እንርከብ ክፈልጡ ኣለዎም" ከኣ ይብል።

ቮን ዋይተርሸም፡ ጀርመንኛውያን ናሚብያውያን እንተደኣ ኣብ ጃምላዊ ቅትለት ዘተኰረ ዝርርብ ኣካይዶም፡ ንጀርመን ቅድሚ'ቲ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ናሚብያ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብ ሓደ መደምደምታ ንኽትበጽሕ ከምዝሕግዛ ይኣምን።

ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ እቲ ዝርርብ መጽናዕቲ ዝገበረ ጀርመናዊ-ናሚብያዊ ኣካዳምያውን ተጣባቒ መሰልን ሄንኒንግ መልበር፡ እዚ ጀርመን ምስ ናሚብያ እትገብሮ ዘተን ስምምዕን፡ ነተን ኣብ ኣፍሪቃን ደቡብ ምብራቕ እስያን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዝገዝኣ ዝነበራ ሃገራት ኤውሮጳ ካሕሳ ንኪኸፍላ ክሕተታ መበገሲ ክኸውን ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

ድሮ እኳ እታ ታንጋኒካ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ኣካል ግዝኣት ጀርመን ዝነበረት ታንዛንያ፡ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝወረዳ ግፍዒ ካሕሳ ኽትሓትት ጀሚራ ኣላ። ካልኦት ግዝኣታት'ውን ኣሰረን ክስዕባ ይኽእላ እየን።

መልበር ግና፡ "ጀርመን እቲ ምዕራፍ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዝዕጾ ዘረጋግጽ ውሕስነት እንተ ዝህልዋ፡ ነቲ ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ከፊላ ምዓረፈት "ይብል ።

እቲ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ዘድ ንጋቪር ግን፡ ብዛዕባ እቲ ክብጻሕ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን መብጽዓታት ኣይገልጽን እዩ ።

"ፖለቲካ ጥበብ ናይ ምዝታይ ተኽእሎታት እዩ" ከኣ ይብል ፍሽኽ እናበለ ።

ይኹን እምበር፡ እቶም ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ንኣቦሓጎታቶም ከም ባሮት ዝገዝኡዎም ዝነበሩ ጀርመናውያን ናሚብያውያን ብውሑድ ደሞዝ ዝሰርሕሉ ዘለው ሄሬሮ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተመሳሳሊ ኣረዳድኣን ግንዛበን የብሎምን።

ላድላው ፓንጋዳ ፡ " እቶም መንእሰያት ደቂ ሄረረን ናማን፡ መንግስቲ ጀርመን ጭርጭር ዓበደ ክጻወተልና የብሉን። ስለዚ ነቲ መሬት ብሓይሊ ወሪርና ንሓዞ ዝብል ስምዒት እዩ ዘለዎም" ከኣ ይብል።