ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ ዞባዊ ምርጫ ናሚብያ ተዓዊቱ

ኣብ ናሚብያ፡ ሓደ ኣዶልፍ ሂትለር ኦኖና ዝተባህለ ኣባል ገዛኢ ሰልፊ ስዋፖ ዝኾነ ፖለቲከኛ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫ ከምዝተዓወተ ቢልድ ዝተባህለ ፍሉጥ ጋዜጣ ጀርመን ጸብጺቡ።

እቲ መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣዶልፍ ኦኖና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፖለቲከኛ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል ናሚብያ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ኦምፑንጃ ዝተኻየደ ምርጫ 85% ድምጺ ብምርካብ ተመሪጹ።

ኣብታ ግዝኣት ጀርመን ዝነበረት ናሚብያ፡ ካብቲ እዋን ዝተረፈ ናይ ኣስማት ሓድጊ ክሳብ ሎሚ ኣይሃሰሰን።

ገለ ቦታታት'ውን በቲ ጀርመናውያን ገዛእቲ ዝሃብዎ ኣስማት ይጽውዑ ኣለዉ።

ቋንቋ ጀርመን ዝዛረቡ ውሑዳን ማሕበረኮማት ከምዘለዉ እውን ይፍለጥ።

"ኣቦይ'ዩ ስም ናይቲ ሰብኣይ ኣውጺኡለይ። ኣዶልፍ ሂትለር እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ዝተረድኦ ኣይመስለንን" ክብል ኦኖና ንጋዜጣ ቢልድ ተዛሪቡ።

"ሓጺር ስም ኮይኑ ስዝማዓኒ ነይሩ ቆልዓ ከለኹ። እዚ ሰብ ንምልእቲ ዓለም ትሕቲኡ ከእትዋ ደሌት ከምዝነበሮ ምስ ዓበኹ'ዩ ተረዲኡኒ። ኣነ ምስዚ ዘራኽብ ዋላ ሓደ ነገር የብለይን።"

ኣብቲ ናይ ላቲን ፊደላት ዝተጻሕፈ መዝገብ ተወዳደርቲ፡ ሂትለር ብሓጺር ተጻሒፉ ይርከብ።

መግዛእቲ ጀርመን ኣብ ናሚብያ፡ ቅድሚ ምምጻእ ሂትለር ናብ ስልጣንን ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን'ዩ ኣብቂዑ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ'ታ ሃገር መሪር ተዘክሮ ገዲፉ'ዩ ሓሊፉ።

ካብ 1904 ክሳብ 1908 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሓይልታት መግዛእቲ ጀርመን፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ህዝቢ ብሄረ ናማን ሄረሮን ቀቲሎም። ተመራመርቲ ታሪኽ ነቲ ግፍዒ "ዝተረሰዐ ምጽናት ዓሌት" ክብል ይጽውዕዎ።

ናሚብያ፡ ድሕሪ መግዛእቲ ጀርመን፡ ኣብ ትሕቲ ውሑዳት ጸዓዱ ዘመሓድሩዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣተወት ይፍለጥ። ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ብምስታፍ'ዮም ንመግዛእቲ ጀርመን ኣብ ናሚብያ ከምዘብቅዕ ገይሮም።

ነታ "ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ" ኢሎም ዝጸውዕዋ ናሚብያ ድማ ከም "መጉዚት" ሕቡራት ሃገራት ከመሓድርዋ ጀሚሮም።

ድሕሪ ነዊሕ ብረታዊ ቃልሲ ከኣ ኣብ 1990፡ ከቅድሚ ናይ ኤርትራ፡ ናጽነታ ተጎናጺፋ፡ ሓዳስ ሃገር ኮይና።

እቲ ኣብ 1966 ብረታዊ ቃልሲ ኣዊጁ ዝተቓለሰ ውድብ 'ስዋፖ' (South West African People's Organisation) ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።