ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ መጥባሕቲ ተኻይድሉ

ብብልሽውናን ካልኦት ገበናትን ተጠርጢሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ መጥባዕቲ ከምዝተኻየደሉን ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከብን ሰብ መዚ ኣብያተ ማእሰርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ገሊጾም።

ወዲ 79 ዓመት ጃኮብ ዙማ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት'ውን ተወሳኺ መጥባሕቲ ክካየደሉ ቆጸራ ተታሒዝሉ ከምዘሎ'ውን ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሃድሶ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲንጋባክሆ ቱማሎ ገሊጹ።

እንተኾነ ንጃኮብ ዙማ እንታይ ዓይነት መጥባሕቲ ከምዝተገበረሉን መዓስ ካብ ሕክምና ከመዝፋኖን ዝተወሃበ መግለጺ የለን።

ንደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 2009 ክሳብ 2018 ብፕረዚደንትነት ዝመርሐ ጃኮብ ዙማ፡ ብቤት ፍርዲ ዝተገበረሉ ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ስለዘየተግበረ ብቤት ፍርዲ ን15 ኣዋርሕ ንክእሰር ንዝተውሃቦ ብይን ንኸተግብር ኣብ ወርሒ ሓምለ ብገዛእ ፍቃዱ ናብ ፖሊስ ኢዱ ከምዝሃበን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ማእሰርቲ ከምዘሎን ይፍለጥ።

ጃኮብ ዙማ ናብ ሆስፒታል ብምእታዉ፡ ነቲ ተኸሲስሉ ዘሎ ጉዳይ ብልሽውና ብዝምልከት ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክጅምሮ ዝነበሮ መስርሕ ከምዘደናጎዮ ተገሊጹ ኣሎ።

ጃኮብ ዙማ ብብልሽውና ተኸሲስሉ ዘሎ ጉዳይ ኣብ 1990ታት እተኻየደ ናይ 5 ቢልዮን ዶላር ዋግኡ ዕድጊ ኣጽዋር ዝተሓሓዝ ኮይኑ: ንሱ ግን ኩሉ እቲ ንሱ ተኸሲስሉ ዘሎ ነጥብታት ፖሎቲካዊ ድፍኢት ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።