እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መዘንኣ ጅቡቲ ተዓዊታ
ሃገራውያን ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ኤርትራን ጅቡትን ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ: ስታድዮም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝገበረኦ ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ኤርትራ 3 ብ 1 ተዓዊታ።
ኣብቲ ኣብ ሃገረ ኮስታሪካ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት: ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ተዋሂብወን ዘሎ ክልተ ኮታ ንምምላእ ግጥማት መጻረዪ ጀሚረን ኣለዋ።
ሓደ ካብዚ ግጥም ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ጅቡትን ኮይኑ ፊፋ ብዝሃቦ ውሳነ መሰረት ኣብ ሳልሰይቲ ሃገረ ኢትዮጵያ እዩ ተኻይዱ።
ኣብቲ ትማሊ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ እዘን ሃገራውያን ጋንታታት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ላዕለዋይ ኢድ ሒዛ'ያ ወጺኣ።
ብኣጥቃዕቲ ዲያና ኢስቲፋኖስን ደሊና ሳህለን ዝምራሕ መስመር መጥቃዕቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ምጅማር ጸወታ'የን ክልቲኤን ኣጥቃዕቲ ንመስመር ምክልኻል ጅቡቲ ክስንጥቃ ጀሚረን።
ከም መርኣይዩ ደሊና ሳህለ ኣብ መበል 13 ደቒቕ እቲ ጸወታ ሸቶ ከተቁጽር ክኢላ።
ቀዳማይ እብሪ ጸወታ ተዛዚሙ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት'ውን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንዝረኸበታ ቅላዕ መቅጻዕቲ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ራህዋ ነጋ ካብ ርሑቕ ዝቀልዓታ ቅላዕ ንሓላዊት ልዳት ጅቡቲ ሓሊፋ ሽቶ ተቖጺራ ቀዳማይ ፍርቂ ሰዓት ብመሪሕነት ሃገራዊት ጋንታ ኤርተራ 2 ብ 0 ተዛዚሙ።
ኣብ መጀመርታ ደቃይቕ ናይ ካልኣይ እብረ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሓያለ ንሸቶ ዝኾና ዕድላት እኳ ይፈጥራ እንተነበራ ሸቶ ከቁጽራ ግን ኣይክኣላን፡ ብኣንጻሩ ኣብ መበል 63 ሰደቒ ተጻዋቲት ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ሌርማን ጽብቅቲ ሸቶ ከተመዝግብ ብምኽኣላ ጸወታ 2 ብ 1 ኮይኑ።
ድሕሪ ቅሩብ ደቃይቕ ግን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመንግዲ ደሊና ሳህለ ካብ የማናይ ሸነኽ ካብ ርሑቅ ዝቐልዓታ ኩዕሶ ናብ መርበብ ስለዝተነጸንበረት ጸወታ ተወሳኺ ሸቶ ከይትራእዮ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 3 ብ 1 ተዛዚሙ።
ኣብል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደሊና ደህለ ኸኣ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ደሚቓ ውዒላ።
ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ካልኣይ እግሪ ምጽራይ ዋንጫ ዓለም ረቡዕ 18 ነሓሰ 2021 ኣብ ተመሳሳሊ ሜዳ ጸወታ ከካይዳ እየን። ዝተረፈት ጋንታ ብቐጥታ ክትግለፍ እንከላ ዝሓለፈት ኸኣ ምስ ካልእ ሃገራዊት ጋንታ ዳግማይ ምጽራይ ከተካይድ እያ።
ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ 2020 ክካየድ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ ናብ 2022 ተናዊሑ።