ኢኳቶሪያል ጊኒ ንወተሃደራት ፈረንሳ ከም ዝኣሰረት ተገሊጹ

ሰብ መዚ ኢኳቶሪያል ጊኒ፡ ኣብ ሽዱሽተ ብሄሌኮፕተር ዝጉዓዙ ዝነበሩ ወተሃደራት ፈረንሳ ከም ዝኣሰሩ ተገሊጹ።

እቶም ወተሃደራት ኣብ ወደባዊት ከተማ ባታ ጠጠው ክብሉ ተነጊሩዎም ፍቓደኛታት ከይኮኑ ምስ ተረፉ ከም ዝተቐየዱ ማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ኢኳቶሪያል ጊኒ ቲዮዶር ኦቢያንግ፡ ናይ ውልቁ ሕሉፍ መነባብሮ ንምድጓም ሃብቲ ህዝቢ ብዘይኣግባብ ተጠቒሙ'ዩ ክብል ገበነኛ ኢሉዎ።

እታ ሄሊኮፕተር ካብ ካሜሩን ናብ ጋቦን ትጉዓዝ ከም ዝነበረትን ስሩዕ ናይ ምዕራፍ ንጥፈት ከም ዝነበራን ጸብጻባት ኤኤፍፒ ገሊጾም።

ሃገራዊ ሬድዮ እታ ሃገር ግን እታ ሄሊኮፕተር ካብ ፍቓድ ወጻi ከም ዝዓረፈት'ዩ ኣቃሊሑ።

"ሰብ መዚ እዚ ክስተት ብሸነኽ ፓሪስ ነገር ንምጽሕታር ይኹን ንስለላ ዝተገብረ ምዃኑ ኣይፈልጡን" ክብል እቲ ቲቪጂኢ ዝተባህለ ሬድዮ ከም ዝጸብጸበ ኤኤፍፒ ጠቒሱ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ፈረንሳ ግን ነዚ ጸብጻባት ብምንጻግ ኣብ ሕሉፍ'ውን ተመሳሳሊ ክስተት ነይሩ'ዩ ኢሉ።

ኢኳቶሪያል ጒኒ፡ ዋላ'ኳ ብነዳዲ ሃብታማት ካብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል ሳልሳይ ትስራዕ እንተኾነት፡ ልዕሊ ፍርቂ ህዝባ ግን ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ዝነብር ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቲዮዶሮ ኦቢያንግ ንጎየማ ምባሶጎን ወዱ ቲዮዶር ኦቢያንግን ብምጥፍፋእ ናይቲ ካብ ነዳዲ ዝተረኽበ ኣታዊ ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም። ክልቲኦም ግና ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።

ኣቦን ወድን ፕረዚደንትን ምኽትልን ኮይኖም ነታ ሃገር ይመርሑዋ ኣለው።