እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኢኳቶሪያል ጒኒ ንቻይና 2 ሚልዮን ዶላር ኣወፍያ
ፕረዚደንት ኢኳቶሪያል ጒኒ፡ ቲዮዶሮ ኣቢያንግ ንጉየማ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ቻይና ተላቢዑ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ዝውዕል 2 ሚልዮን ዶላር ንቻይና ከም እትህብ ኣፍሊጡ።
እታ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋ ሃገር ዝኾነት ቻይና፡ ቁጠባኣ 13 ትሪልዮን ደላር ዝግመት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኢኳቶሪያል ጒኒ ግን፡ 13 ቢልዮን ይግመት።
እቲ ኣብ ቻይና ተላቢዑ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ዛጊት፡ 636 ሰባት ክቐትል እንከሎ ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ካልኦት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ። እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና ወጻኢ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም'ውን ተራእዩ'ሎ።
ኢኳቶሪያል ጒኒን ቻይናን ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለወን ይንገር። እቲ ብሰሉስ ብካቢነ ሚኒስተራት ዝተወስደ ውሳነ፡ እታ ሃገር ንቻይና ዘለዋ "ደገፍን ምሕዝነትን" ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።
ዋላ'ኳ፡ ኢኳቶሪያል ጒኒ፡ ብነዳዲ ሃብታማት ካብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል ሳልሳይ ትስራዕ እንተኾነት፡ ልዕሊ ፍርቂ ህዝባ ግን ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ዝነብር ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቲዮዶሮ ኦቢያንግ ንጎየማ ወዱን ብምጥፍፋእ ናይቲ ካብ ነዳዲ ዝተረኽበ ኣታዊ ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም። ክልቲኦም ግና ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።