ህልው ኩነታት ስደትን ባሕርን ሊብያ 'በጃኹም ካብዚ ጸልማት ኣውጽኡና'

ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለው ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብዚ እዋን እዚ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ነጋዶ ደቂ ሰባትን "መገዲ ሊብያ ተኸፊቱ ኣሎ። ሰባት ብደሓነ ሰላም ናብ ሊብያን ኤውሮጳን ይኣትው ኣለው። ህይወትኩም ክትቅይሩ እትደልዩ ሰባት ሕጂ ነዛ ዕድል ተጠቐሙላ" ክብሉ ብዝዘርግሑዎ ወረ፡ ሓያሎ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ሰሃራ ኩፍራ (ዶብ ሊብያ) ኣትዮም፡ ይቐርቡና እዮም ናብ ዝብሉዎም ቤተሰብን መቕርብን፡ አዕሩኽት መተዓብይትን "በጃኹም ካብዚ ጸልማት ኣውጽኡና" እናበሉ ይደዋውሉ ከምዘለው፡ ናይ ርድኡና ጻውዒት ዝበጽሖም ስድራ ቤታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

"ሓደጋታት ጉዕዞ ኣጻምእ ሰሃራን፡ ነውጺ ማዕበል ማእከላይ ባሕርን፡ ካብ ዝኽሪ ነብሲ ወከፍ እቶም በቲ መገዲ ዝመጻእና ስደተኛታት ተኸዊሉ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ዘሕዝን እቲ ስቓይን መከራን፡ ሕማምን ሞትን፡ መሸጣን ጭውያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ክደጋገም ምጽንሑ እዩ" ይብል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ።

መንእሰይ ኣብርሃም ኩሉ እቲ ንሰሃራ ክብገስ ዝሕልን መንእሰይን ህዝብን፡ ጉዕዞ ሰሃራ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ሰባት እንታይ ዓይነት ሽግርን ስቓይን ከምዘሕልፉ ንህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታ ንምሃብ ብወለንትኡ ዝሰርሕ ዘሎ ኤርትራዊ እዩ።

ሓዲሽ ወፍሪ ደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ሊብያ

ኣብ ዓመተ 2020 ትሕቲ 200 ሰባት ጥራሕ እዮም ካብ ሱዳን ንሊብያ ኣትዮም ነይሮም። ሕጂ ግን እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ደላሎ ጉዕዞ ሰሃራን ሊብያን፡ 'መንገዲ ሊብያ ጽቡቕ እዩ ዘሎ፤ ካብ ሊብያ እውን ንጥልያን ክትሰግሩ ጸገም የለን' እናበሉ ካብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ 6,500 ዶላር ካብ ሊብያ ከኣ 4,500 ዶላር እናኽፈሉ ናብ ስቓይ መከራን ሊብያ የእትውዎም ኣለዉ።

እቶም ደላሎ፡ ነቶም ስደተኛታት ተጓዓዝቲ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ሱዳንን ክብገሱ እንከለዉ ነቶም ደላሎ ገንዘብ ኣይኽፍልዎምን ዘለው።

"ተበገሱ ጥራሕ፡ ምስ ኣተኹም ትኸፍሉ" እናበሉ ነቶም ብዝተፈላለየ ጭንቀት ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ሱዳን ብስእነት ስራሕ ተሳቕዮም ዝጸንሑ ሰባት "ዕድልና ንርአ" ብምባል ተኣኻኺቦም ናብ ሰሃራ ይኣትው እሞ፡ ኣብ ሰሃራ ገንዘብ ክፈሉ ሓውሉ እናበሉ ከም እሱራት ጅሆ ሒዞም የሳቕይዎም ስለዘለዉ ናብ ቤተ ሰቦም ደዊሎም ርድኡና ይብሉ ኣለው።

እቶም ሕጂ ብደላሎ ተታሊሎም ናብ ሊብያ ዝውሕዙ ዘለው ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ውሑዳት ከኣ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም፡ ገሊኦም ኣብ ጉዕዞ ሰሃራ ናይ መካይን ሓደጋ ዘጋጠሞ'ውን ከምዘለው ምንጭታት ይሕብሩ።

እቶም ደላሎ ዝያዳ ሰባት ንምስሓብ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ዘለው አዕሩኽትኹም ኣቲና ኢልኩም ደውሉ እሞ ገንዘብ ክንጎድለልኩም ኢና ብምባል ጽዑቕ ጎስጓስ የካይዱ ከምዘለው ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተል ኣብርሃም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ሰሃራ ምስ በጽሑን "ሕጂ ክፈሉ" ምስ ተባህሉን ግን ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮይኖም፡ ብዙሓት ነናብ ዝፈልጥዎ ቀረባ ዘመድ፡ ዓርኪ፡ መተዓብይቲ እናደወሉ በጃኹም ርድኡና፡ ሂወት ኣድሕኑ እናበሉ ይጣርዑ ከምዘለው ጻውዒት ቴሌፎን ዝበጽሑ ስድራ ቤታት ተዛሪቦም።

ስድራ ቤታት እቶም ኣብ ጉዕዞ ዝርከቡ ስደተኛታት እውን ኣዝዮም ተሻቂሎም፡ ሃለዋት ፍቱዋቶም ክሰምዑ ከብዶም ሓቊፎም ይጽበዩ ምህላዎም ኣብርሃም ይሕብር።

"እቲ ዘሕዝን" ይብል ኣብርሃም፡ " ገሊኦም ኣብ 2020 ከቢድ ጸገም ኣጋጢምዎም ክነሱ፡ ክልተ ሰለስተ ሳዕ ካብ ባሕሪ ተመሊሶም ተታሒዞም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ከይተረፉ፡ እንደገና ፈቲኖም ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ኣለዉ" ይብል ብስቓይ እቶም ብቐጻሊ ሓገዝ ክሓቱ ዝደዋውሉሉ ሰባት ዝተጨነቐ ኣብርሃም።

ኩሎም ከኣ ዛንታ ጸገም፡ ዛንታ ስቓይ፡ ሽግር፡ ጭንቂ እዮም ዘዘንትዉ። እቶም ሊብያውያን እውን ኤርትራውያን ገንዘብ ኣለዎም ኢሎም ስለዝኣምኑ፡ ኤርትራውያን ኣለውዎ ናብ ዝተባህለ ገዛ እናኣተዉ "ገንዘብ ኣምጽኡ" እናበሉ ከም ዘሸግርዎምን ከም ዘሰራጥይዎምን እውን እቶም ግዳያት ይሕብሩ።

ሓደጋታት ባሕሪ ኣብ ዓመተ 2021

ብ23 ሚያዝያ 2021 ንኣብነት፡ ኣስታት 130 ሰባት ጽዒና ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ናይ ፕላስቲክ ጃልባ ኣብ ዓለማዊ ማይ ጸገም ኣጋጢሙዋ። እቶም ተሳፈርቲ ናብ ሓለዋ ባሕሪ ናይ ርድኡና ሓገዝ ከምዝሓተቱ፡ እንተኾነ፡ መንግስታት ጥልያን ማልታን ሊብያን ነንሓድሕዶም ክዘራረቡ ስለዝደንጎዩ፡ እቶም ስደተኛታት ብምሉኦም ምጥሓሎም፡ ናይ ፈረንሳ ሰብኣዊ ትካል ኤስኦ ኤስ መዲተራንያን፡ ሮይተርስን ቢቢሲን ከምኡ እውን ማዕከናት ዜና ኢጣልያን ምስ ሓበራ፡ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ምቕናዩ ነባሪ ከተማ ቦሎኛ ኣብርሃም ተስፋይ ይሕብር።

ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐት ካልእ ጃልባ እውን 40 ዝዀኑ ስደተኛታት ሒዛ ከም ዝጠፍአት ኣፈኛ ጕጅለ ኤስ ኦ ኤስ ሜዲተራያን ብዓርቢ ሓቢሩ። ካልኦት ሰለስተ ኣብ ጭንቂ ዝነበራ ሓገዝ ዝሓተታ ጀላቡ ቫይኪንግ ብዝስማ ናይ ድሕነት መርከብ ከምዝተሓገዛ እቲ ትካል ሓቢሩ።

እታ ንዓመታት ብሓድሕዳዊ ግጭት እተኸፋፈለት ሊብያ፡ ነቶም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ካብ ማንም እዋን ከፊኣቶም ከምዘላ እቶም ኣብ ጭንቂ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ይሕብሩ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም)፡ ዓመት 2021 ካብ እትጅምር ጥራሕ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 500 ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምማቶም፡ እዚ ቑጽሪ እዚ ከኣ ሰለስተ ዕጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ምዃኑ ሓቢሩ። ዓሚ 2,200 ሰባት ኣብ ባሕሪ ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ኣይኦኤም የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 2000 ስደተኛታት ናብ ላምፓዱሳ ምስ ኣተው፡ እቶም ንዓመታት ንስደተኛታት ብሓልዮት ዝቕበሉ ዝነበሩ ነበርቲ እታ ደሴት፡ " ንሕና ኣብ ጸገም እንከለና መንግስቲ ንስደተኛታት ብዙሕ ገንዘብ ከውጽእ ኣይንቕበሎን ኢና" ክብሉ ቅሬተኦም ከምዝገለጹ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ነጋዶ ደቂ ሰባትን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ንምእታው ናይቶም ስደተኛታት ከም ናይ ዓወት ዛንታን ዕድልን እናዘርግሑ መኽሰባቶም ንምኽዕባት ይጥቀምሉን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑዎን ከምዘለው ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተል መንእሰይ ኣብርሃም ይገልጽ።

እቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ንላምፔዱሳ ዝኣተው ከኣ መብዛሕቶም ካብታ ብቑጠባ ተሃስያ ዘላ ቱኒዝያ ዝተበገሱ ምዃኖም የረድእ።

ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዝፍትኑ ዘለው መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምግታእ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ብዋሕዚ ስደተኛታት ዝተማረራ ሃገራት ኤውሮጳ ንመንግስቲ እታ ቀንዲ መናሃርያን መበገስን ስደተኛታት ዝኾነት ሊብያ፡ ገማግም ባሕራ ንኽትኽሉን ካብ ማያታ ንዝብገሱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንኽትገትእን ብገንዘብን ንዋትን ገዚፍ ወፍሪ ከምዝገበሩ ኣብቲ ውዕላት እትፈረመሉ እዋን ኣካያዲት ስራሕ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም " እቲ ስጉምቲ ፍትሓዊ ኣይኮነን" ክትብል ተዛሪባ ኔራ።

ኣብ ርእሲ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣሻሓት ዶላር ከፊሎም ካብ ማያት ሊብያ ነዊሕ ከይከዱ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይኣትውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይወድቁ ምህላዎምን መንእሰይ ኣብርሃም ይሕብር።

"ሊብያውያን ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ኤውሮጳውያን ስለዝተወዓዓሉ ነንዝተበገሰት ጃልባ ይዓግቱን ይመልሱን ስለዘለዉ፡ አሕዋትና ስደተኛታት ንዝያዳ ማእሰርቲ ሽግርን ይቃልዑ ኣለው" ክብል ከኣ ኣብ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ሽግርን መከራን ከቢድ ምዃኑ የረድእ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ኣስታት 9000 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከም እተመልሱን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር፡ ብተላጋቢ ሕማም፡ ብጥሜት፡ ብጭንቐት፡ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ይሳቐዩ ከምዘለው ካብ እሙናት ምንጭታት ብዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ ኣብርሃም።

ንኣብነት፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክልተ ሰለስተ ሳዕ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ፈቲኑ ዘይተዓወተ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ገንዘብ ዝደለዩ ሸፋቱ ብጥይት ከምዝቐተሉዎን ገና ስድራ ቤቱ ስለዘይተነግሩ ንግዝይኡ ሽሙ ተዓቂቡ ከምዘሎን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, OPEN ARMS / REUTERS

ወፍሪ ምህዳን ሸፋቱ ሰሃራ ብመንግስቲ ሊብያ

እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኩናት ሕድሕድ ዝጸንሐ መንግስቲ ሊብያ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ወተሃደራዊ ብረት ዓጢቖም ናብ ናይ ኵናት መሳፍንቲ ዝተቐየሩ ዘይሕጋውያን ደላሎን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባትን ብምህዳን፡ ኣብ ዝተፈለላየ መኽዘን ኣብያተ ማእሰርቶም ተታሒዞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ንዝርከቡዎም ኣማኢት ስደተኛታት ነጻ ኣውጺኡ ኣሎ።

እንተኾነ እቶም ነጻ ዝወጽኡ ስደተኛታት "ነጻ ወጺእኩም ኢኹም እሞ ደጊም ነናብ ዝደለኹሞን ዝሓሰብኩሞን ኪዱ" ኣይተባህሉን ይብል ኣብርሃም። ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ እዮም ኣትዮም።

ኣብ ኩሙዝ ኣብ ቢን ወሊድ ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ኩፍራ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝተወስደን ብዙሓት ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ተታሒዞም ዝነበሩ ስደተኛታት ነጻ ወጺኦም ከምዘለው፡ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ምህላው የረድእ ኣብርሃም።

ኣብ ከባቢ ኩፍራ ንጉዕዘኦም 5 ሺሕ ዶላር ከፊሎም ክንሶም፡ ኣብ መኽዘን ተታሒዞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብመንግስቲ ሊብያ ነጻ እኳ እንተወጽኡ ብድሕሪኡ ዝጽበዮም ግን ቤት ማእሰርቲ እዩ ይብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት።

ስለዚ፡ ኩሎም ብሓባር ሓደራኹም እዚ ኩነታት ክሳብ ዝረጋጋእ ኣኣብ ዘለኹሞ ጽንሑ። ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ናብራ ጸገም ክህሉ ይኽእል እዩ። ግን እታ ህይወት ክትጸንሕ ትኽእል እያ። ኣብ ሊብያ ግን ነታ ህይወት ንባዕላ ኢኻ ትስእና። ንሊብያ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ካብ ሊብያ ክትወጽእ ግን ኣይሕሰብን እዩ። ነታ ህይወት ንባዕላ ኢኻ ትኸፍላ" ክብል ሊብያ ምድራዊት ሲኦል ምዃና ኣምሪሩ ይሕብር ኣብርሃም።