መንግስቲ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝን ዕጡቕ ጉጅለን ሰነድ ስምምዕ ተፈራሪሞም

ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝወከለ ኣይተ ኣጀግናማው ማንግዋን

ምንጪ ስእሊ, Metekel Zone Communication

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብቲ ብተደጋጋሚ ጥቕዓት ዝፍፀመሉ ዞባ መተከል ዘሎ ፀገም ፀጥታ ብዘላቕነት መፍትሒ ንምምፃእ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ሰነድ ስምምዕ ከምዝተፈራረመ ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕ ትማሊ ኣብ ከተማ ግልገል በለስ ከምተፈራረሙ ድማ፡ መምርሒ ኮምዩኒኬሽን ዞባ መተከል ኣፍሊጡ።

ፀገም እቲ ከባቢ ብዘላቕነት ንምፍታሕ፡ ብወገን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝለዓሉን ሓባራዊ ኣብ ዝገብሩ ጉዳያትን ከምዝተፈራረሙ እዩ፡ ተገሊፁ ዘሎ።

እዞም ሓይልታት ናይ ሓላፍነት ቦታ ንክረኽቡ ምግባር፣ ናይ ከተማ መስርሒ ቦታን ናይ ገጠር ናይ ሕርሻ መሬትን ንክህልዎም ምግባርን ዝብሉ፡ ኣብዚ ሰነድ ካብ ሞንጎ ዝተኻተቱ ቀንዲ ጉዳያት እዮም።

ዓቕምን ደረጃ ትምህርትን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከምዝምደቡ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፡ ብብርኪ ክልል ክልተ፣ ብብርኪ ዞባ ሰለስተን ብብርኪ ወረዳ ከኣ ኣርባዕተ ሰባት፡ ኣብ ሓላፍነት ቦታ ከምዝቕመጡ ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ልምዲ ዘለዎም ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ኣብ መሓውር ፀጥታ እቲ ክልል ክምደቡ፣ ደቂኣንስትዮ ብምስታፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ክውደባ ምግባር፣ ብዝተምሃርሉ ዓውዲ ትምህርቲ ንክምደቡን ኣገልግሎት ልቓሕ ክረኽቡን ዝብሉ ሓሳባት'ውን፡ ኣብቲ ውዕሊ ተኻቲቶም እዮም።

ዋላ'ኳ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብስም እንተዘይተፀርሐ፡ ስልጠና ተሃድሶ ይወስዱ ምስ ዘለዉ ኣባላት ከምዝኾነን ብወገን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝለዓሉ ሕቶታት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕን፡ ዲሞክራስያዊ ብዝኾነ መገዲ ፍታሕ ንምሃብ ስልጠና ከምዝወስዱን፡ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ነቲ ክልል ብምውካል፡ ኣይተ ኣጀግናማው ማንግዋ ድማ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብምውካል እዮም፡ ነቲ ውዕል ተፈራሪሞም።

እዚ ሰነድ ስምምዕ ብዘይገለ ምጉታት ተግባራዊ ከምዝኾን ዝገለፀ እቲ ርእሰምምሕዳር፡ ነዚ ምስኽዑን ነቲ ስራሕን ብቐረባ ንምክትታልን፡ ካብቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሰለስተ ኣባላት ዘካተተ ግዝያዊ ቤት-ፅሕፈት ኣብ ከተማ ግልገል በለስ ከምዝተጣየሰ ኣፍሊጡ።

እቲ ርእሰምምሕዳር ነቶም ብሰላም ዝኣተዉ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ "ኣምባሳደር ሰላም" ኢሉ ዝፀወዖም እንትኾን፡ ናብ ሰላም ዘይመፅኡ ኣባላት ዕጡቕ ጉጅለ ናብ ሰላማዊ መገዲ ክመፅኡ ክፅዕሩ ፀዊዑ።

ኣብ ዘቦ መተከል ቁፅሪ ኢዶም ዝሃቡ ዝተብሃሉ ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለ፡ 3 ሽሕን 230 ከምዝኾነ ዋልታ ምፅብፃቡ ይዝከር።

ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝፍፀሙ "መጥቃዕትታት"

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳቦ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ መተከል፣ ካማሺን ኣሶሳን ዝበሃሉ ሰለስተ ዞባታት ይርከቡ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዞባታት፡ ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ ብዕጡቓት ብተደጋጋሚ ዝፍፀሙ "መጥቃዕትታት"፡ ብዙሓት ሰባት ንሞትን ምምዝባልን ከምዝተሳጥሑ ይዝከር።

ካብ ሞንጎ እዚኦም ንነዊሕ እዋን መጥቃዕቲ ክፍፀመሉ ከምዝፀንሐ ኣብ ዝግለፅ ዞባ መተከል፡ ኮማንድ ፖስት ካብ ዝጣየሽ ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዞባ መተከል፣ ወረዳ ቡለን፣ ቀበሌ ኩጂ ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ "መጥቃዕቲ" ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐተሉ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል እታ ሃገር ሓዊሱ፡ ሰብመዚ እቲ ክልል ገሊፆም ኔሮም።

ኣብዝን ኣብ ካልእን ዝተፈፀሙ ቅትለታት ስዒቡ ሓይልታት ፀጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ኢድ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣብ መሓውር መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ዝርከቡ ኣመራርሓታት፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን ብዙሓት ዕጡቓት ከምዝተቐተሉን ተገሊፁ ኔሩ።

ንሕርሻ ዝውዕል ሰፊሕ ልሙዕ መሬት ዘለዎ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ እቲ ንዓመታት ዝቐፀለ፡ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ዘዋጥጥ ዘሎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ከባቢ እዩ።

ኣብቲ ክልል ኣስታት 1 ነጥቢ 1 ሚልየን ህዝቢ ከምዝርከብ፡ ዩኒሴፍ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘውፅኦ ሓበሬታ የመላኽት።