እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቴክኖሎጂ፡ ኢትዮ ቴሌኮም ኣስፊሐዮ ዝበሎ 4-ጂ እንታይ'ዩ?
ኣብ ቴሌፎንኩም ኢንተርነት ክትጥቀሙ እንከለኹም፡ ኣብ ላዕሊ ኢንትርኔት ትጥቐሙ ከምዘለኹም ዘርኢ ምልክት ክውላዕ እንከሎ ዝተፈላለዩ ምልክታት'ዩ ዘርኢ።
E፣ O፣ GPRS፣ 3-ጂን 4-ጂን ምጥቃስ ይክኣል። 4 ጂ ኤል ቲ ኢ ብዝብል ክግለጽ ይኽእል።
'Long Term Evolution' ወይ ድማ ብቐሊሉ ናይ ነዊሕ ግዜ ለውጢ ብዝብል ምቕማጥ ይክኣል።
ኣዝዩ ቕልጡፍ ኢንተርነት'ዩ ዝብሃል 'ሓምሻይ ወለዶ' ወይ'ውን 5-ጂ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኣገልግሎት ካብ ዝውዕል ጸኒሑ ኣሎ።
እንተኾነ እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ኩለን ሃገራት የለን። በጺሑ እንተተባህለ'ውን ነዚ ዝተዳለወ ቴሌፎን የድሊ።
ናይ ሞባይል ኢንተርነት ቅልጣፈ ንክህሉ ዝወጽኡ ዓለምለኻዊ ደረጃታት እንተዘይሃለው'ውን፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘቕርቡ ትካላት ካብቲ ሓደ ወለዶ ናብቲ ካልእ እናተሰጋገሩ ድሮ ኣብ ሓምሻይ ወለዶ በጺሖም ኣለዎ።
ኢትዮ ቴሌኮም
ኢትዮ ቴሌኮም ልዕሊ 50.7 ሚልዮን ዓማዊል ኣለውዎ። እቲ ኩባኒያ ኣለዉኒ ካብ ዝብሎም ዓማዊል ከኣ ልዕሊ 48.9 ሚልዮን ተጠቃሚ ሞባይል'ዩ።
ልዕሊ 23.5 ሚሊየን ድማ ዳታን ኢንተርነትን ይጥቀም።
ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ብ1997 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣገልግሎት ሞባይል ጀሚሩ።
ብ2007 ከኣ ኣገልግሎት 3ጂ ጀሚሩ።
"ኣገልግሎት 4ጂ ኤልቲኢ ቕልጡፍን ባንድዊዝን ከምኡ ድማ ዘተኣማምን ኣገልግሎት ዳታ ዝህብ ስለ ዝኾነ፡ ዓማዊልና ኣገልግሎትኩም ዲጂታላይዝ ንምግባር፣ ፍርያምነትኩም ንምዕባይን ኣብ ቴሌኮም ዘለኩም ተሞኩሮ ንምዕባይን ክሕግዘኩም'ዩ" ክብል ኢትዮ ቴሌኮም ኢንተርነት 4ጂ/ኤልቲኢ ኢንተርነት ብ2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩዎ።
እቲ ኩባኒያ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ፡ እዚ ንዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት 4ጂ "ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኩለን ክልላትን ዕድየትን ድልየትን ትራፊክ ዳታ መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ምግፋሕ ኣገልግሎት 4ጂ ብምውዳድ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለው" ኢሉ።
እዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝጀመሮ ሓቢሩ ኣሎ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ንፈለማ እዋን ኣብ ዞባታት ደቡብ ምብራቕ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ኣዳማ፣ ቢሾፍቱ፣ ዱከም፣ ገላን፣ ሞጆን ኣዋሽ መልካሳን ከምዝጅመር ገይሩ ኣሎ።
ኣብ ዝቕጽል ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ባህርዳር፣ ደብረማርቆስ፣ ፍኖተ ሰላም፣ ቡሬ፣ ዳንግላ፣ እንጅባራን ቻግኒን ክጅምር እዩ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ዝርከባ ሽዱሽተ ከተማታት ወላይታ ሰዶ፣ ኣርባ ምንጭ፣ ሆሳእና፣ ወልቂጤ፣ ቡታጅራን ጂንካን ከኣ እቲ ኣገልግሎት ተጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ኩባኒያ ነቲ ሕብረተሰብ ዘቕረቦ ኢንተርነት 4ጂ ንምጥቃም ዘድሊ ሞባይል ነቲ ሕብረተሰብ 'ብተመጣጣኒ ዋጋ' ክቐርብ ሓቲቱ ኣሎ።
ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ካልኦት ከተማታት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእሉ ስራሕቲ የሳልጥ ከም ዘሎ ከኣ ሓቢሩ።
ንምዃኑ ኢትዮ ቴሌኮም ኣስፊሐዮ ዝበሎ 4ጂን ካልኦትን እንታይ'ዮም?
1ጂ
1ጂ ወይ ድማ ቀዳማይ ወለዶ ብ1991 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ተጀሚሩ።
1ጂ ኣናሎግ ዝኾነ ሓበሬታ መለዋወጢ መገዲ'ዩ። በዚ ጻውዒት ስልኪ ጥራሕ ኢኻ ክተመሓላልፍ እትኽእል።
2ጂ
እዚ ናይ ጽሑፍ መልእኽታት ዝጀመረሉ እዩ።።
2ጂ፡ ኤስኤምኤስ ብዝብል ዝፍለጥ ሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምልኣኽ ኣኽኢሉ።
ብተወሳኺ እዚ ወለዶ ኤምኤምኤስ [መልቲሚዲያ ሜሴጂንግ ሰርቪስ] ዝተባህለ ናይ ስእሊ መልእኽቲ መተሓላለፊ መገዲ ኣላልዩ'ዩ።
ኣብ ሞባይል ከኣ ጂኤስኤም፣ ጂፒአርኤስ ፣ ኢዲጂኢ ዝብሃሉ ኣገልግሎታት ኣለውዎ።
3ጂ
ናይ ቪድዮ ጻውዒት ብ2001 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ወግዓዊ ኮይኑ።
3ጂን 2 ሜጋባይትስ ብካልኢት [ኣብ ካልኦት 0.25 ሜጋ ባይት] ሓበሬታ ምልውዋጥ ዘኽእል ኣገልግሎት ዝህባ ናይ መጀመርታ ስማርት ሞባይል ናብ ዕዳጋ መጺአን።
ኣዝዩ ቅልጡፍ እንተዘይተባህለ'ውን ቪድዮ ዝሓወሰ ጻውዒት ስልኪ ንክህሉ ግን ኣኽኢሉ።
እዚ ማለት፡ 4.26 ጊጋ ባይት ሓበሬታ ንምውራድ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓት ይሓትት።
4ጂ
እዚ ከኣ ብ2010 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] መጽአ።
በቲ ዝህቦ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ናይ ሞባይል ናውቲ ጸወታ [ሞባይል ጌምስ] ቀይሩዎም።
ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ ኣዝዩ ቅልጡፍ 4ጂ ብማእከላይ ኣብ ሓደ ካልኢት 45 ሜጋ ባይት ይህበካ።
እቲ ኢንዳስትሪ፡ ኣብ ሓደ ካልኢት ሓደ ጊጋ ባይት ንምብጻሕ መደብ ኣለዎ።
ብ3ጂ ተመሳሳሊ ፊልሚ ንምውራድ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወስድ ዝነበረ፡ ኣብ ግዜ 4ጂ ትሕቲ ሸሞንተ ደቒቕ ክኸውን ክኢሉ ተባሂሉ ይግመት።
5ጂ እንታይ ማለት'ዩ?
እዚ ሓሙሻይ ወለዶ ተባሂሉ ዝግለጽ 5G ኣዝዩ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ይህብ።
ዝርግሐ ብርሃን ሬድዮ [ስፔክትረም] ብምጥቃም ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሓት መሳርሒታት ናይ ሞባይል ኢንተርነት ክረኽቡ ይሕግዝ።
ድሮናት፣ መካይንን ናይ ሞባይል ጌማትን ነዚ ኢንተርነት ተጠቒሞም ዝሓሸ ኣገልግሎት ይህቡ።
ናይ ሞባይል ቪድዮታት ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከይተቖራረጹ ይቐርቡ። ብቪድዮ ዝግበሩ ጻውዒታት'ውን ዝኾነ ምቁርራጽ ናይ ድምጽን ስእልን ከየርኣዩ ናብ ተጠቀምቲ ይበጽሑ።