እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2020 ኢንተርኔት ብምዕጻዋ ልዕሊ 110 ሚልዮን ዶላር ከሲራ
ኢትዮጵያ ኣብ 2020፡ ን1536 ሰዓታት ኢንተርነት ክቋረጽ ብምግባራ 111.3 ሚልዮን ዶላር ከምዝሰኣነት ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
እቲ መጽናዕቲ ፡ 'ኔት ብሎክስ' ዝተባህለ ፍሰት ኢንተርነት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝከታተል ትካልን ንመሰል ተጠቃምነት ኢንተርነት ዝሕለቕ 'ዘ ኢንተርነት ሶሳይቲ'ን ብሓባር ዘካየድዎ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈጸመ ምዕጻው ኢንተርነትን ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝገምገመ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ ኣብ ዝሕይለሉ እዋን ኢንተርኔት ከምእትዓጹ ይሕብር።
ቅትለት ፍሉጥ ደራፋይ ኦሮምኛ ሃጫሉ ሁንደሳ ስዒቡ ኣብ ዝተፈጠረ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ካብ ሰነ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝበረ እዋን ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ኢንተርኔት ተቛሪጹ ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝጸብጸቦ፡ በቲ ጎንጺ 166 ሰባት እንትቕተሉ ፍሉጣት መራሕቲ ፖለቲካ ሓዊሱ ልዕሊ 2000 ሰባት ተኣሲሮም።
መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ድማ ልዕሊ 9000 ሽሕ ሰባት ከምዝኣሰረ ኣብቲ እዋን ኣፍሊጡ ነይሩ።
24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወታሃደራዊ ወፍሪ ካብ ዝእውጅ ናብዚ እውን ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ውሱናት ከባቢታት ኣገልግሎታ ስልኪ ዝተመለሰ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ግን ኣገልግሎት ስልኪ ይኹን ኢንተርኔት ከምዘይተመለሰ ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ንቢቢሲ ኣብ ቀረባ ተዛሪባ ነይራ።
ምቁራጽ እቶም ግልጋሎታት ንነበርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ትካላትን እኹል መረዳእታ ከይረኽቡ ከምዝገበሮም እንትሕብሩ፡ ሂዩማን ራይተስ ዎች ብተመሳሳሊ ምቁራጽ ስልክን ኢንተርነትን ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንዝከታተሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ዕንቅፋት ከምዝኾነን ካብቲ ክልል ወጻኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ከምዘይከኣሉን ገሊጹ።
ምቁራጽ ኢንተርነት ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም እንታይ ይመስል?
ኣብ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ዓለምና ን 27,000 ሰዓታት ምቁራጽ ኢንተርነት ዘጋጠማ እንትኾን 4.01 ቢልዮን ዶላር ኽሳራ ከምዝበጸሓ እቲ ጽንዓት ኣረዲኡ።
እቲ መጠን ኣብ 2019 ካብ ዝነበረ ናይ 8.05 ቢልየን ኪሳራ ብፍርቂ ዝነከየ እዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ኣብ 2020፡ ኢንተርኔት ን 6929 ሰዓታት ከምዝተቛረጸ ዝሓበረ እቲ መጽናዕቲ፡ በዚ ምኽንያት እታ ኣህጉር 237.4 ሚልዮን ዶላር ከሲራ ኢሉ።
እዚ ቁጠባዊ ሃስያ ምስ ሳዕቤን ኮሮናቫይረስ ተደሚሩ፡ ኣብ ሃገራት ከቢድ ጉድኣት ከምዘብጸሐ እቲ መጽናዕቲ ገሊጹ።
ኣብ 2020፡ ኣብ 21 ሃገራት 93 ምቁራጻት ኢንተርኔት ነይሮም ይብል እቲ ጸብጻብ።
ብጠቕላላ ኣብ ዓለም ን 27,165 ሰዓታታት ምቁርራጽ ኢንተርነት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ምቁራጽ ኢንተርነት ን 10,693 ሰዓታት፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዕጻው ን 5,552 ሰዓታት፣ ፍጥነት ኢንተርነት አዐርዩ ክዝሕል ምግባር ን 10,920 ሰዓታት ዝተመዝገቡ እዮም።
በዚ ምኽንያት 268 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣይረኸበን።
ኣብ ዓለም ኢንተርነት ብምቁራጽ ዝያዳ ዝተጎደአት ሃገር ህንዲ ኮይና፡ ምስ ማንያማር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሽመን ብምቁራጽ ኢንተርነት ብብዝሒ ተላዒሉ እዩ።
ጫድ ብወገና ካብ 2018/19 ጀሚራ ዋትስኣፕ ኣብ ግዝኣታ ከይሰርሕ ኣጊዳቶ እያ።
ምኽንያታት እቶም ዝተገበሩ ምቁራጻት ኢንተርነት ብዝምልከት ድማ፡ መረጻ ምኽንያት ብምግባር 15 ምኢታዊት፣ ናይ ፕረስ ነጻነት ንምዕፋን 12 ምኢታዊት፣ 29 ምኢታዊት ድማ ኣኼባ ናይ ምክያድ ነጻነት ንምኽልካል ከምዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ምቁራጽ ኢንተርኔት፡ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ ሓበሬታ ፍሰት ንምትእጉጓል ብምሕሳብ ኢንተርነት ወይ ርክብ ኢንተርነት ክቋረጽ ወይ ፍጥነቱ ክንኪ ምግባር ከምዝኾነ 'ኣክሰስ ናው' ዝተባህለ ትካል ይገልጽ።
ምልካዊ መንግስታት ሰልፍታት ተቓውሞ ንምትዕንቓፍን ኣብ እዋን መረጻ ዝግበሩ ሰልፊታት ተቓውሞ ንምቁጽጻርን ኢንተርነት ከምዝዓጽዉ ይግለጽ።
ምቁራጽ ኢንተርነት፡ ብከምዚኦም ዝኣመሰሉ መንግስታት ኣብ 2021 እውን ክቕጽል ከምዝኽእል እቲ መጽናዕቲ ኣተንቢሁ።