ኢራን ተመራማሪ ሞህሰን ፋክህሪዛዴህ፡ 'ብርሕቐት ብእትቈጻጸሮ ኣጽዋር ተቐቲሉ' ኢላ

ኢራን፡ ተመራማሪ ኒኩሌር ማህሰን ፋክህሪዛዴጅ፡ 'ብርሕቐት ብዝቖጻጸር' ኣጽዋር ከምዝተቐለተ ገሊጻ።

እቲ ቅትለት ብእስራኤልን ኣብ ስደት ዝርከብ ሓደ ተቓዋሚ ሰልፊ ኢራንን ከምዝተኻየደ'ውን ኢራን ትኸስስ።

ላዕለዋይ ሃገራዊ ሓላፊ ድሕነት ዓሊ ሻምክሃኒ ከምዝሓበሮ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ "ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ተጠቒሞ'' ንመኪና እቲ ተመራማሪ ከምዘቓጸልዋ ገሊጹ።

እስራኤል ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ወግዓዊ ምላሽ የለን።

ኣብ መጀመርታ 2000፡ ፋክህሪዛዴክ ፕሮግራም ኒኩሌር ኢራን ኣብ ምምዕባል ዓብዪ ግደ ዝተጻወተ ተመራማሪ ኮይኑ፡ ኢራን እቲ ምምዕባል ኒኩሌር ንሰላማዊ መዓላ ዝውዕል'ዩ ትብል።

እንተኾነ፡ ብምኽንያት እዚ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ኢራን ቑጠባዊ ማዕቐባት ኣንቢረን እየን።

ንምዃኑ እቲ ተመራማሪ ብኸመይ ሞይቱ?

ኢራን፡ ፋክህሪዛዴክ ብዝተፈጸመሉ መጥቃዕቲ ክቖስል እንከሎ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ቴክራን ከተማ ኣብሳርብ ዝነበረት መኪንኡ ድማ ብጠያይቲ ተሃሪማ ተቓጺላ ትብል። ኣብ ልዕሊ እታ መኪና ናይ ቦንባ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ'ውን ትገልጽ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሑ ምስሊታት ድማ፡ ስብርባርን ደምን ከምኡ'ውን ብዓረር ጥይት ዝተሃረመት መኪና የርእዩ።

ኣብ መጀመርታ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ኣብ ሞንጎ ሓለውቲ እቲ ተመራማርን መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባትን ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ነይሩ ክብል መግለጺ ሂቡ።

ሓደ ኢራናዊ መሰኻኽር ዓይኒ'ውን፡ "ግበረ-ሽበራውያን ዝተባህሉ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም" ኢሉ።

መራኸብቲ ማዕኸናት ኢራን ከኣ፡ ተመራማሪ ፋክህሪዛዴክ 'ብርሕቐት ብእትቖጻጸሮ ብረት' ወይ ድማ "ብሳተላይት" እዩ ተቐቲሉ ይብላ።

ብሰኑይ ከኣ፡ ሓላፊ ቤት ምኽቲ ድሕነት እታ ሃገር ሪር ኣድሚራል ሻምክሃኒ፡ "ፍሉይ ኣገባብ" ብምጥቃም "ብርሕቐት" ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ ኢሉ።

"ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ልኡኽን ብኤሌክትሮኒካዊ ናውትን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ" እዩ ክብል እንከሎ፡ "ሽዑ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን" ኢሉ።

ትካላት ድሕነትን ስለያን እታ ሃገር፡ ፋክህሪዛዴክ ንምቕታል ውጥን ከም ዘሎን እቲ መጥቃዕቲ ኣበይ ይፍጸም ዝብልን ሓበሬታ ከም ዝነበሮም ሓቢሩ።

ነዚ ከኣ፡ ኣብ ስደት ንዝርከብ ተቓዋሚ ሰልፊ ሙጃሂዴን ክሃልቅን እስራኤን ተሓተትቲ'ዮም ኢሉ።

ሚኒስትሪ ድሕነት እስራኤል ኤሊ ኮሄን ብሰኑይ ንሓደ ሬድዮ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መን ከም ዝቐተሎ ኣይፈልጥን ኢሉ'ዩ።

እንተኾነ፡ ኒውዮርክ ታይምስ ሽሙ ይረቑሖ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል "ፋክህሪዛዴክህ ዝመርሖ ፕሮግራም ኒኩሌር ኢራን ንዓለም ስግኣት ስለ ዝኾነ፡ ዓለም ንእስራኤል ክተመስግን ኣለዋ" ኢሉ።

እስራኤልን ምዕራባውያንን፡ እቲ ተመራማሪ ገባሪ ሓዳግን ፕሮግራም ኒኩሌር ኢራን'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ከም ጸብጻብ ፎርብስ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብርሑቕ እትቆጻጸሮም ኣጽዋርን ናይ መሽን ጠመንጃታትን ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢራናዊ ተመራማሪ ኒኩሌር ፋክህሪዛዴክ ትማሊ ኣብ ቴህራን ተፈጺሙ።

ሚኒስትር ሃገራዊ ድሕነት መሓመድ ኣላቪ፣ ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ጀነራል ሑሴን ሳላሚን ሓላፊ ፕሮግራማት ኒኩሌር ዓሊ ኣኽባር ሳሌሕን ኣብቲ ስርዓተ ቀብሪ ተረኺቦም።

ጀነራል ሑሴን፡ "ዝደለናዮም ጉዳያት ከም እንበጽሐሎም ጸላእትና ክፈልጡ ይግባእ። ብህዝቢ ኢራን መልሲ ዘይረክብ ገበን፣ ተግባር ራዕድን ካልእ ሕማቕ ተግባርን ከም ዘየለ ከኣ ይፈልጡ'ዮም" ኢሉ።