እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ንቕትለት ተመራማሪ ኒኩሌር ሃገራ ሕነ ከምእትፈዲ ገሊጻ
ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ተመራማሪ ኒኩሌር ሃገር ዝኾነ ሞህሲን ፋክሪዛዴህ ንዝተፈጸመ ቕትለት ሕነ ከም እትፈዲ ኣፍሊጣ።
ፋክሪዛዴህ፡ ትማሊ ኣብ ቴህራን ብዘይፈልጡ ሰባት ብዝበጽሖ መጥቃዕቲ ናብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ህይወቱ ሓሊፋ።
ወተሃደራዊ ኣማኻሪ መራሒ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣያቶላ ሰይድ ዓሊ ኻመናኒ ዝኾነ ሆሴን ዲጋን፡ አብ ልዕሊ እቲ ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት ኢራን "ሃንደበዳዊ መጥቃዕቲ" ከም እትወስድ ኣፍሊጡ።
ትካላት ስለያ ምዕራባውያን ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ተመራማሪ፡ ኢራን ብሕቡእ ተካይዶ እያ ዝብሉዎ ፕሮግራም ህንጸት ኣጸዕዋር ኒኩሌር ኣለው ካብ ዝብሃሉ ተመራመርቲ ሓደ እዩ።
ይኹን'ምበር፡ ኢራን እቲ ምምዕባል ፕሮግራም ኒኩሌር ንሰላማዊ ዕላማ ዝውዕል ምዃኑያ እትገልጽ።
ድሕሪ ቕትለት ፋክሪዛዴህ መግለጺ ዝሃበ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ፡ እቲ "ብሃገር ዝተመወለ ግብረሽበራ" ዝበሎ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ክኹንኖ ሓቲቱ።
"ግብረ ራዕዳውያን፡ ፍሉጥ ኢራናዊ ተመራማሪ ቐቲሎም" ክብል'ውን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
መጠን ኢራን ተማዕብሎ ዘላ ዩራኒየም ከም ዝወሰኸ ዝሕብር ስግኣት ምስተገለጸ'ዩ ሞት እቲ ተመራማሪ ተሰሚዑ።
ትማሊ ዓርቢ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዕጡቓት ግብረሽበራውያን ኣብ ውሽጢ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ምርምርን ምህዞን ዝኾነ ሞህሲን ፋክሪዛዴህ ዝጉዓዘላ ዝነበረት መኪና መጥቃዕቲ ፈጺሞም'ዮም" ኢሉ።
ሓለውቲ እቲ ተመራማሪ ምስቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ከም ዝነበሮም ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ሞንጎ እዚ "ሞህሲን ብጽኑዕ ቖሲሉ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ" ክብል ኣብሪሁ።
ሰብ ሞያ ሕክምና ህይወቱ ንምድሓን ዝገበሩዎ ጻዕሪ ስለ ዘይሰለጠ ድማ ከም ዝሞተ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢራን ዝኾነ ማጂድ ታካት ራቫንቺ፡ ቕትለት እቲ ተመራማሪ ኣብቲ ከባቢ ቅልውላው ንምፍጣር ኾነ ተባሂሉ ዝተፈጸመን ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰን እዩ ብምባል፡ ኣብዚ ኢድ ኣእታውነት እስራኤል ምህላው ዘመላኽት መረዳእታ ኣለና ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብዛዕባ ፕሮግራም ኒኩሌት ኢራን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሽም እቲ ተመራማሪ ኣልዒሉ ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ቕትለት እቲ ተመራማሪ ዝሃበቶ መግለጺ የለን።