እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ብዝሒ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 30 ሽሕ በጺሑ
ክልተ ሰሙን ዘቑጸረ ኲናት መንግስታት ክልል ትግራይን ፌዴራልን፡ ስዒቡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ምምዝባሎም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት መንግስታት [ዩኤንኤችሲአር] ገሊጹ።
እቲ ጎንጺ ዓብዪ ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ ከምዘሎ ዝገለጸ ኣብ ካርቱም መተሓባባሪ ሓደጋ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን፡ ጀንስ ሄዝማን "እቲ ኩነታት ኣስጋኣይ እዩ" ኢልዎ።
በቲ ኩነታት ዝተደናገጹን ዝሰንበዱን ተመዛበልቲ ናብ ሱዳን የምርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ፡ ካብኣቶም ፍርቂ ዝኾኑ ህጻናት ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።
ዝበዝሑ እቶም ተመዛበልቲ ዝኾነ ከይሓዙ ከም ዝመጹ ዝገለጸ እቲ ኣወሃሃዲ፡ ገሊኦም ድማ ምስ ጥሪቶምን ናይ ማሕረስ ንዋቶምን ይመጹ ምህላዎም ተዛሪቡ።
ንኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ዶባት ብሸነኽ ትግራይ ዶባት ጥሒሶም ዝጓዓዙ ዘለዉ እዞም ተመዛበልቲ፡ ብፍላይ ብኣንፈት ምብራቅ ሱዳን ብሰለስተ ወገን ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ብዝሖም ዘሰክፍ ከምዝኾነ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ ።
ብፍላይ ብወገን ሃምዳይት ልዑል ዝኾነ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ይኣትዉ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳሰብ ከምዝኾነ ድማ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
እቲ በዝሒ በብመዓልቱ ኣዝዩ ብዘግርም መልክዕ እናወሰኸ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ።
ትማሊ፡ 7 ሕዳር 2013 ዓም [ኣ.ኢ] ጥራሕ ልዕሊ 2,300 ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ናብ ሱዳን ኣትዮም።
ከምኡ ድማ፡ ብቕድሚ ትማሊ፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ሱዳን ምስጋሮም ሓቢሩ።
እዚ፡ እቲ ምምዝባል ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ሱዳን'ውን ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ጀንስ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ብግዝኣት ብሉናይል'ውን ብርክት ዝበሉ ተመዛበልቲ ዶብ ይሰግሩ ከምዘለዉ ብምጥቃስ እቲ ቅልውላው ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት እቲ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዝርጋሕ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ኢሉ።
ኣብ ሃምዳይት ካብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ሒደት ቁጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ክመጹ ምጽንሖም ዝገለጸ እቲ ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኩሎም እቶም ዝመጹ ዘለው ስደተኛታት ቃለ መሕትት ክሳብ ዝግበረሎም፤ ኣብ ቁጽሪ ኤርትራውያን ለውጢ ምህላው ምዝራብ ከም ዘጸግም ሓቢሩ።
ልዕሊ ዓቕሚ
ማእከል ስደተኛታት ሃምዳይት ክሕዞ ዝኽእል በዝሒ ሰብ ውሑድ ምኳኑን ሕዚ ልዕሊ ዓቕሙ መሊኡ ከም ዝርከብን እዩ ዝዛረብ፡ እቲ ሓላፊ።
ኣማኢቲ ንምትእንጋድ ዝተጣየሸ ማእከል ስደተኛታት ሃምዳይት፡ ብዓሰርታት ኣሸሓት ተጨናኒቑ ኣሎ ድማ ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ገለ ተመዛበልቲ ናብ ከተማ ሃምዳይት ክኸዱ ከምዝተገደዱ እዩ ዝገልጽ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ሱዳናውያን፡ ነቶም ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ዝኸኣልዎ ኩሉ ይገብሩ ከምዘለው'ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።
ሰብ ስልጣን እቲ ከባቢ ድማ፡ እቶም ስደተኛታት ዝዓርፍሉ ቦታ ኣብ ምፍላይን ምሕጋዝን ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ገሊጹ።
እቲ ማእከል ስደተኛታት፡ ህይወት ናይቶም ዝተዳኸሙ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን'ውን ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሐሉ ኣሎ ተባሂሉ።
"እቶም ስደተኛታት ብፍርሕን ስንባደን ተዋሒጦም እዮም ዝርከቡ። ብዙሓት ንድሕነቶም ይስግኡ ኣለዉ። ኣብኡ ምስ በጽሑ'ውን እንተኾነ ጽላለቶም ከይተረፈ ኣይኣምኑን። ዓብዪ ስግኣት እዩ ዘለዎም። ሕዚ'ውን እንተኾነ ብህይወት ከምዝተረፉ ኣይኣምኑን" ኢሉ።