እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር 'ንሽምግልና ናብ ኢትዮጵያ የምርሕ'
ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ንፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ንምሽምጋል ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ ምዃኑ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ቅድሚ እዚ ዜና፡ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ክሽምግል እዩ ዝብል ዜና ተዘርጊሑ እኳ እንተነበረ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓሶት እዩ ክብል ነጺግዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት: ኣብ ትግራይ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ፡ ነቲ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ፍልልያት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ድልየት ኣየርኣየን ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዘተ ምስ ህወሓት ቅሩብ ከም ዘይኮነ ደጋጊሙ ኣነጺሩ እዩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ዝኾነ ናይ ሽምግልና ፈተነ ንስርዓት-ኣልቦነትን፡ ዘይተሓታትነትን ዘተባብዕ እዩ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ዝኾነት ሃገር ሮኬትን ሚሳይልን ምስ ዝዓጠቐን፡ ከጥቅዕ እየ እናበለ ምስ ዝፍክር ኣካል ንዘተ ኮፍ ክትብል ኣይትኽእልን" ኢሉ።
ኣፈኛ ፕረዚደንት ነበር ኦባሳንጆ ንኤኤፈፒ አብ ዝሃቦ መግለጺ "[እቲ ፕረዚደንት ነበር] ንዝርርብ ናብ ኣዲስ ኣበባ የምርሕ" ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ንሽምግልና ይኸይድ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ብዛዕቢ እቲ ዝገብሮ ሽምግልና ግን ካልእ ዝርዝራት ኣይሃበን።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።
ብሰንኪ እዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንሱዳን ይሰግሩ ከምዘለው'ውን ተፈሊጡ።