እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሮማ ኢጣልያ መሰላት ስደተኛታት ክሕሎን ክኽበርን ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ
ትማሊ ቀዳም 3 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣስታት 50 ዝኾና ዝተፈለላያ ማሕበራት ኢጣልያ ዝጸውዐኦ መሰላት ስደተኛታት ክሕሎን ክኽበርን ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
እቲ ሰልፊ ነቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ህልቂት ኣማኢት ኤርትራውያን ዘኸተለ ሓደጋ ምኽንያት ብምግባር፡ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ሽዑን ድሕሪኡን ኣብ ስደተኛታት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ክቕይር ዝጽውዕ እዩ።
እቶም ኣብ ጸሓይ ብራቕ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ኣፍ ደገ ላሜፔዱሳ ንቑጽ መሬት እናማዕደዉ፡ ሰኣን ኣቓልቦን ርህራሀን ዝምልከቶም ኣካላት ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እዋኑ መንግስቲ ኢጣልያ ተነቒፉሉን ተወቒሱሉን እዩ።
ህዝቢ ጥልያን ግን ዓቢኡ ንእሽትኡ፡ ተማሃሮን መማህራንን ክሳብ ጳጳስ ፍራንሲስን ሰበ-ስልጣን መንግስትን በቲ ፍጻሜ ነቢዖም፤ ባንዴራ ኢጣልያ እውን ንኽብሮም ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ተሰቒላ ነይራ።
ብድሕሪኡ'ውን እቶም ስደተኛታት ብምክትታል ሓለዋ ባሕሪ ራዳር ኢጣልያ ተራእዮም ንክድሕኑ ልዑል ተኽእሎ እናሃለወ፡ ስለምንታይ ኣድህቦ ዘይተገብረሎም ዝብል ክሲ ተመስሪቱ ይረአ ምህላው ነቲ ኩነታት ብቐረባ ካብ ዝከታተሉዎ ሰባት ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ይገልጹ።
እቲ ናይ ትማሊ ሰላማዊ ሰልፊ ከኣ ነቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ምርኩስ ብምግባር፡ መንግስቲ ጥልያን፡ ነተን ድሕሪ እቲ ፍጻሜ፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ተዋፊረን ህይወት ስደተኛታት ዘድሕና ዝነበራ መራኽብ ስርሐን ከይቅጽላ ዝኽልክል ዘሕለፎ ኣዋጅ ከልዕሎ ዝጽውዕ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ ድማ እቲ ብገታኢ ሕግታቱ ኣብ ባሕሪ ተኺሉዎ ዘሎ ዘይረአ መንደቕ ከፍርሶ፡ እዚ ማለት ከኣ መራክብ ህይወት ኣድሕን ስርሐን ንኪቕጽላ ከፍቅድ፤ ኣብ ርእሲኡ ምስታ ርጉእ መንግስቲ ክትምስርት ዘይከኣለት ሃገረ ሊብያ፡ ካብ መሬታን ገማግም ባሕራን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንኸይኣትው ንምኽልካል ዝኣተዎ ውዕልን ዝገብሮ ምወላን ከቋርጽ፤ ሳልሳይ ከኣ ነቶም ኣብ ኢጣልያ ካብ ስደተኛታት ስድራታት ተወሊዶም ዝዓብዩ ቖልዑ ናይ ዜግነት መሰል ክህቦም ዝሓትት እዩ።
ከምዝፍለጥ ኣብ ኢጣልያ፡ ካብ ወጻእተኛታት ስድራ ዝተወልደ ቖልዓ ክሳብ 18 ዓመቱ ዝመልእ ናይ ኢጣልያ ዜግነት ኣይወሃቦን እዩ።
ኣብ ርእሲኡ ኣብታ 18 ዓመቱ ዝመልኣላ ዕድመ ናይ ኢጣልያ ዜግነት ክረክብ እንተዘየመልኪቱ'ሞ እታ ዓመት እንተሓሊፋቶ፡ ብድሕሪኡ ከም ማንም ሓዲሽ ስደተኛ መሕተት ዜግነት ቅጥዒ መሊኡ፡ ስርሑን ኣታዊኡን ተራእዩ ዜግነት ከምዝረክብ ተሳታፊ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ መንእሰይ ስዒድ ነጋሽ የረድእ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሚላኖ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ደስበለ መሓሪ እውን ነቲ ስዒድ ዝበሎ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ሕጊ ጥልያን ሓታቲ ዑቕባ ስደተኛ እንተኼንካ እሞ ጉዳይካ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት፡ እንተደኣ ናይ ቁጠባ ስደተኛ ኬንካ'ሞ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ፡ ድሕሪ 10 ዓመት ዜግነት ክትሓትት ትኽእል ከምዝብል ይገልጽ።
ብሓጺሩ ኣብ ጥልያን ዜግነት ምርካብ ከም መሰል ስለዘይተቐመጠ ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ኣብ ርእሲኡ እቲ ዜግነት ዝሓትት ቅጥዒ፡ ዝኾነ ስደተኛ ምስ ንውሓት ግዜ ስደቱ ከማልኦ ዘጸግሞ፡ ካብ ዝውለድ ክሳብ እታ ሰዓት ካብ ገበን ነጻ ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖን ምስክር ወረቐት ልደቱን ካብ ሃገሩ ከምጽእ ዝጠልብ ብዙሕ ረቛሒታት ስለዝሓትት ሓተትቲ ዜግነት ብዙሕ ከምዝጽገሙን ነዊሕ ግዜ ከምዝወስድን ይሕብር።
ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ሓደ ኢጣልያውያን ፖለቲከኛታት "እዞም ካብ ወጻእተኛታት ስድራ ተወሊዶም ምስ ደቅና ብባህልን ስነ-አእምሮን ጣልያን ዝዓብዩ፡ ብቋንቋን ጥልያን ተማሂሮም ከብቅዑ ዜግነት ጥልያን ዘይረኽቡሉ ምኽንያት እንታይ እዩ" ኢሎም ዝማጎቱ ከምዘለው ይዛረብ።
ኣብቲ ትማሊ ቐዳም ኣብ ጥቓ ምምሕዳር ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፒያሳ ሳንታ ፖስተል ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ብዙሓት ኣርቲስት፡ ጋዜጠኛታት፡ ኣባላት ፖለቲካዊ ሰልፍን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተሳተፉዎ ተፈሊጡ።
ካቢነ ሚኒስተራት ኢጣልያ ጽባሕ ሰኑይ 05 ጥቅምቲ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ክዘራረብ ትጽቢት ስለዝግበር እቲ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተወደበን መንግስቲ ዝግባእ ቆላሕታ ክህቦ ትጽቢት ከምዝግበርን ስዒድ ነጋሽ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ ዕለት ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ነበር ሳልቪኒ ካብ ባሕሪ ስደተኛታት ንዘድሓነት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ካብታ መርከብ ንኸይወርዱ ብምኽልካሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ መብርሂ ክህብ ከምዝተሓተ ተፈሊጡ'ሎ። እቶም ስደተኛታት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክኣትዉ ተፈቒዱዎም ዑቕባ ምሕታቶም እውን ይዝከር።