እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምርጫ ትግራይ፡ ወለዲ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ ደቆም ርእሶም ከምዘድንኑ ዝገብር ፖለቲካ ትግራይ ካበይ ዝበቖለ እዩ?
ኣብ ትግራይ፡ 'ወፍሪ ጸረ ባንዳታት' ዝብል ምንቅስቓስ ብሰፊሑ ተራእዩ። እቲ ወፍሪ፡ ኣካይዳ ህወሓት ንዝነቕፉ ሰባት ከም መውቅዒ በትሪ ይውዕል ከምዘሎ ይግለጽ። ብፍላይ ንወለዲ፡ "ደቕኹም ጸረ ህወሓት ኮይኖም" እናተባህሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ርእሶም ከምዘድንኑ ምግባር ነቲ ዝተረኽበ ንእሽቶ ተስፋ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዘጸልምት ስለዝኾነ ስክፍታ ይፍጠር ኣሎ።
"በቲ ዘረባ ኣእምሮይ ስሒተ'የ። ሰብ፡ 'እንታይ ኬንካ ኢኻ ትጭነቕ፡ እንኳንያ ደቅኻ ኣብ ርእሲ መርየት ሃልዮምስ ክንደይ መስዋእቲ እውን እኮ ተኸፊሉ'ዩ እናበለ የጸናንዐኒ'ሎ" ይብሉ ኣቶ ገብረመድህን ወልደኣረጋይ
እዞም ኣቦ ትግራይ ወረዳ እንዳባጻሕማ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ሓረስታይ'ዮም። መሬት ጫዂሮም ጽዒሮም ርሂጾም ዘምሃርዎም ስለስተ ደቆም፡ ገሊኦም ኣብ መቐለ ገሊኦም ኣብቲ ዝነብርሉ ወረዳ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኮይኖም ህይወቶም ይመርሑ ኣለው።
ንሶም እውን ወግሐ ጸብሐ ቤተ ክርስትያኖም ተሳሊሞም "ደቀይ ብሰላም ኣክብለይ" ኢሎም ኣጻሊቶም፡ ምህርቲ ኣዝመራ ክሓፍሱ ኣብዝጽበይሉ ዘለው እዋን ግን ሓንቲ ንኣእምሮም እትርብሽ ኣኼባ ተኻይዳ ቀንያ።
ወፍሪ ምጽራይ ባንዳታት!
ሰልፊ ኢህወደግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ህወሓት ካብቲ ሓድሽ ኣሃዱኣዊ ሰልፊ ንርእሱ ምስ ኣግልለ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ወጥሪ ሰፊኑ ምትፍናን ነጊሱ።
ብድሕሪኡ ብህወሓት ዝምራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ "ኣብ መኸተ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣንጻር "ሓድነት" ትግራይ እዮም ንዝበሎም ውልቀ ሰባት፡ 'ባንዳታት' ዝብል ሽም ኣጠሚቑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምቅላዕ ከም ሓደ ወፍሪ ጀሚርዎ።
እምበኣር እታ ንኣቶ ገብረመድህን ወልደኣረጋይ ኣእምሮኦም ዘናወጸት ኣካል እቲ ወፍሪ ዝኾነት ኣብ ወረድኦም ወረዳ እንዳባጻሕማ ዝተኻየደት ህዝባዊ ኣኼባ እያ። ካብታ ወረዳ ዝተዋጽኡ ልዕሊ ክልተ ምኢቲ ኣባላት ህወሓትን ዕጡቓት ምልሻን ኣብ ዝተኣከቡሉ "ጸረ ህወሓት" ናይ ዝተባህሉ ሰባት ሽም ዝርዝር ክንበብ ምስጀመረ ኣቶ ገብረመድህን ካብ ግምቶም ወጻኢ፡ ስም ሰለስተ ደቆም ምስቶም "ጸረ ውድብን መራሕቲ ህወሓት ዘጸልሙን" ዝተባህለ ምስተነበ ምድረ ሰማይ ከም ዝጸልመቶም ኣቶ ገብረመድህን ገሊጾም።
"ይውዓልዎ ኣይዋዓልዎ ብዘየገድስ፡ ኣስማት ሰለስተ ደቀይ ኣብ ጣብያን ወረዳን "ጸረ መራሕቲ ህወሓት ኮይኖም" ተባሂሉ ምስተነበ ኣንጉዐይ መኺኹ ኣእሙሮይ ስሒተ ኣለኹ። ወለደኛ እውን ከም ቆጽሊ ሓሪሩ'ዩ ዘሎ።" ዝበሉ ኣቶ ገብረመድህን ክሳብ ዓዲ ኣምሓራ ከይዶም ሸቂሎም ዘምሃሩዎም ደቆም ዓዲ ክመርሑ እናተጸበዩዎምን መንግስቲ ኣብ ዝመደቦም ክሰርሑ እናተጸበዩዎም "ጸረ ህወሓት'ዮም" ምስተባህሉ አእሙሮ ክሳብ ምስሓት ከምዝበጽሑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ብብጹሕ ውሉድካ ኣይትምሓል!
ካብቶም ሰለስተ ደቆም ሓደ፡ መንእሰይ ጸጋይ ገብረመድህን ኣብዚ እዋን ኣብ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ብሞይኡ ተቖጺሩ ዝሰርሕ ዘሎን ን12 ዓመታት ኣባል ህወሓት ዝነበረን'ዩ። "ኣብ 2009 ዓ/ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ግን ኣካይዳ ኢህወዴግ ስለዘይጠዓመኒ ካብቲ ውድብ ንባዕለይ ኣግሊለ'የ" ይብል።
ንሱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ዝኾነ ይኹን ውድብ ፖለቲካ ኣባል ከምዘይኮነን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፌይስቡክ ግን ዝመሰሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ከምዝጽሕፍ እዩ ዝዛረብ።
ንሱ ኮነ ካልኦት ክልተ ኣሕዋቱ ብሰንኪ እቲ ኣብ ፌይስቡክ ዝጽሕፍዎ ሓሳባት፡ ወለዱ ብሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ህወሓት እታ ወረዳ፡ ተወሊዱ ኣብ ዝዓበየሉ ወረዳ እንዳባጻሕማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ኣቢሎም "ወለዲ ባንዳታት" ተባሂሎም ክሸማቐቑን ክሓንኩን ዝተገበረሉ ኣካይዳ ጸረ ደሞክራስን ናይ ድሑር ፖለቲካ መርኣያን ከምዝኾነ'ዩ ዝገልጽ።
ብፍላይ ሰባት ናብ ወላዲቱ ሊኢኾም "እቶም ቆልዑት ዘይትምዕድዎም ኣይናይ ዘርእናን እኮ" እናበሉ ካብ ማሕበረሰብ ከም እትግለል ይገብርዋ ከምዘለዉ ምስ ቢቢሲ ኣብዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ዝተብሃለ ቅርታ ንምጽራይ ናብ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣቶ ተኽለብርሃን መስፍን ደዊሉ ነይሩ። ኣቶ ተኽለብርሃን እቲ ብኣቶ ጸጋይ ገብረመድህን ዝቐረበ ሓሳብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ጸለመን ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ፡ ውድቡ ህወሓት ደሞክራስያዊ ስርዓት ንኽዕንብብ ይሰርሕ ከምዘሎን፡ ሰባት ኣብተን ኣብ ትግራይ ተመስሪተን ዘለዋ ውድባት ፖለቲካ ኣትዮም ከም ቃሕትኦም ክቃለሱ ዝኸልከለ ከምዘየለ እዩ ዝዛረብ። ኣስዒቡ ድማ ብሽም ናጽነት ሚድያ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣጸልሚቱ ከምድላዩ ክጽሕፍ ኣለዎ ማለት ግን ከምዘይኮነ እዩ ዝካታዕ።
ከም ሓበሬታ ኣቶ ተኽለብርሃን "ንሕና ስራሕና ኢና ሰሪሒና። ንሳቶም ልዕሊ 18 ዓመት ስለዝኾኑ፡ ንወለዶም ደው ኣቢልና እነዛርበሉ ምኽንያት የለን። ብስሩ እውን ከምኡ ኣይገበርናን የጸልሙና እዮም ዘለዉ። እንተደሊኹም ብሞንገኛ ኣካል መጺኢኹም ኣጻርይዎ" ክብል ተዛሪቡ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ናይ ክልቲኣቶም ሓበሬታ ሒዙ ናብ ወላዲ ኣቶ ጸጋይ ናብ ኣቶ ገብረመድህን ወልደኣረጋይ ምስደወለ፡ "ወለደይ ሓሶትን ስርቅን ነውሪ እዩ ኢሎም ስለዘዕበዩኒ ተመስገን ፈጣሪ እየ ዝብል። እንተ ንደቀይ ግን ኣምሂረዮም እየ። ይኹን እምበር ብብጹሕ ውላድካ ኣይትምሓል ከምዝበሃል፡ ደቀይ እቲ ትምህርቶም ግዲ'ዩ ከምኡ ዝብሎም ኮይኑስ "ጸረ ህወሓት'ዮም ንመራሕቲ ህወሓት የጸልሙ'ዮም" ተባሂሎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እንትቃልዑ ምጻር ስኢነ፡ ባዕለይ በርደግ ኢለ፡ 'እዞም ቆልዑት ብሕጊ ይጠየቑለይ' ኢለ እውን ተዛሪበ እየ 'ደው በል' ዝበለኒ ኣካል ግን ኣይነበረን" ኢሎም።
ባንዳታት እናበሉ ዝጥቅኑ መራቲ ዓቕሚ ዘይብሎም'ዮም!
ካልእ ኣብ ጥቓ ሽረ እንዳስላሰ ቆየጻ ኣብ ዝተብሃለት ቁሸት ተወሊዳ ከምዝዓበየት እትገልጽ ፋና ተኽላይ: ኣብ ዓዲ ዓረብ ኣብ እንዳ ሰብ ተቖጺራ ህይወታን ህይወት ስድርኣን እትኣሊ መንእሰይ እያ። ጎናጎኒ ስርሓታ ግን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝመሰላ ኣረኣእያ እትጽሕፍ ነጣፊት እያ።
ሓደ መዓልቲ ዓዲ ሰላም እዩ ኢላ ወጋሕታ ናብ ስርሓ ሃንደፍደፍ ኣብ እትብለሉ እዋን ግን ካብ ዓዲ ዘይተጸበየቶ ሓበሬታ ሰሚዓ። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ በቲ ናይ ምጽራይ ወፍሪ "ባንዳታት" ዝብል ሽም ተዋሂብዎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዝተቓልዑ 25 ሰባት ሓንቲ ከምዝኾነትን ክሳብ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሰት ገንዘብ ከምእትቕበልን ብእትፈትዎም ኣባላት ስድርኣ ተነጊርዋ።
እዚ ነገር ክትጻወሮ ከቢድዋን ኣእሙራዊ ጭንቀት ከምዝፈጠረላን እትገልጽ ፋና ተኽላይ፡ ናብቶም ኣብ እቲ ከተማ 'ባንዳታት' ዝብል ሽም ዝተዋህቦም ገሊኦም መሓዙታ ደዊላ ክተረጋግጽ ፈቲና። ካብኣቶም ዝረኸበቶ ሓበሬታ እውን እንተኾነ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ መናእሰይ 5 ሽሕ ብር እናሃበት ሓበሬታ ከምእትክብን ንህወሓትን ህዝብን ክትፈላሊ እያ ትሰርሕ" ዝብል ክሲ ከምዝቐረበላ ትገልጽ።
ፋና ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንህወሓት ደጊፎም ዝጽሕፉን ብዕሊ እውን "ንህወሓት ንምርጽ" እናበለት እትጉስጉስን ኮይና፡ ተወሊዳ ኣብ ዝዓበየትሉ ከባቢ ዝረኣየቶም ጉድለት ስራሕቲ ትሕቲ ቅርጺ ግን ኣምሪራ እትነቅፍ ነጣፊት እያ።
"ህዝበይ ናይ መሰረተ ልምዓት ጉድለታት ኣለዎ። እዚ ዝኾነ ከኣ ብሰንኪ ህወሓት እትምድቦም ዓቕሚ ዘይብሎም ኣመራርሓ'ዩ" ዝብል ገምጋም ከምዘለዋ እትገልጽ ፋና ተኽላይ፡ ሰኣን ጸገማቶም ገምጊሞም ዝዕርዩ ንዝነቐፎም 'ባንዳ' እናበሉ ሰባት ዘሸቑርሩ ብኣጋ ጸግዖም እንተዘይሒዞም ንህወሓት ከምዘይጥቕምዋ እያ እትዛረብ።
ብዛዕባ እቲ ፋና "ኣብ ልዕለይን ስድራይን ጸቕጢ ንምፍጣር ተፈቲኑ እዩ" ዝበለቶ ንምጽራይ ናብ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ሽረ እንዳስላሰ ኣቶ ኣዱኛ ወርቅነህ ደዊልና። ከም ሓሳብ ኣቶ ኣዱኛ፡ ንሱ ይኹን ውድቡ ህወሓት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝመሰሎም ኣረኣእያ ንዝጽሓፉ ሰባት እንተይኮነስ፡ ኣብ እታ ዘላ ናይ 'መኸተ' ግዜ ናይ ጽግዕተኛታት ሓይሊ ተለኣእኽቲ ኮይኖም ንህወሓት ምስ ህዝቢ ክፈላልዩ ዝጸዕሩ ንዘለዉ ሰባት ኢና መሚና ህዝቢ ከምዝፈልጦም ጌርና" ዝብል ምላሽ እዩ ዘለዎ።
ብፍላይ ይብል ኣቶ ኣዱኛ፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዘይተገበረ ተገይሩ ኢሎም ብምጽሓፍ ማእኸላይ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ኢዱ ከእቱ ኣለዎ ንዝበሉ ሰባት ኢና ኣቃሊዕናዮም። እዚ ድማ ምእንተ ድሕነት ህዝቢ ኢልና እንገብሮ ስለዝኾነ ቅቡል'ዩ" ዝብል ኣረዳድኣ እዩ ዘለዎ።
ብዛዕባ ፋና ተኽላይ "ብውልቃ ባንዳን ተለኣኣኺት ኣብይን ብዝብል ኣይገምገምናያን" ዝበለ ኣቶ ኣዱኛ ንሳ ዝገምገምናያ 'ኣብታ ከተማ ዘየለ ምስልታት ካብ ዘቃልሑ' ብዝብል'ያ ተግምጊማ ይብል። "ንስድርኣ ጓልኩም ባንዳ ኮይና፡ ኢልና ግን ኣይተዛረብናን ብኻልእ መገዲ እውን ክተጻርይዎ ትኽእሉ ኢኹም" ክብል መሊሹ። ካብቶም በብደረጅኡ ኣቃሊዕናዮም ዝበሎም 32 ውልቀ ሰባት ከኣ እቶም 26 ብገዛእ ርእሶም መመጺኦም ይቕሬታ ከምዝሓተቱ ተዛሪቡ።
ካልእ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ልዑል ተሳትፎ ዘለዎ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ መንእሰይ ብወገኑ፡ ሓለፍቲ እቲ ከተማ ህዝቢ ኣኪቦም ሽምን ስእሉን ተጠቒዑ ናይ "ኣብይ ተለኣኣኺ" ከምዝኾነን ካብ ደገ ቅርሺ ተቐቢሉ ናይ ባንዳ ስራሕ ከምዝውግንን ስለዝተገለጸ ስድርኡን ሓማቱን እንከይተረፉ በቲ ኩነታት ስለዝተደናገጹ "ሰምቢደን ተጨኒቐን ደኒነ ይነብር ኣለኹ" ክብል ተዛሪቡ።
"ዓቕሚ ስኢነ እምበር ክሳብ መቐለ ከይደ ተሟጊተ ዝጸለመ ሽመይ ከምልስ ምደለኹ" ዝብል ርእይቶ ዘለዎ እቲ ሽመይ ንዓኹም ዝበለና መንእሰይ፡ ናብቶም ሓለፍቲ ከይዱ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ከዘራርቦም'ኳ እንተደለየ "ሱቕ ኢልካ ይቕሬታ ሓቲትካ ዓሪፍካ ንበር" ዝብል ምላሽ ስለዝተዋህቦ፡ ካብቲ ዓዲ ክሳብ "ሃጽ ኢለ ዶ ክጠፍእ ኢለ ነይረ እሞ ሓዳረይ'ኸ ኢለ ደኒነ ክነብር መሪጸ ኣለኹ" ክብል ሓሳቡ ኣካፊሉ።
ከም ኣገላልጻ እቲ ምንጭና "እቶም ሓለፍቲ ከም እቲ ከካብ ዞባኹም 'ሞዴል' ሓረስቶት ስደዱልና ተባሂሎም መምርሒ ምስተዋህቦም፡ ምእንቲ ክሽለሙ ኢሎም ቁጽሪ ኣብዝሕ ኣቢሎም ዝልእኹ፡ እዚ ናይ 'ባንዳታት' ዝበሃል ጉዳይ እውን ቁጽሪ ንዘይምውሓድ'ዩ መማልእቲ ገይሮሙና እምበር ንሕና ምስ ህዝብና ኬይንና ሓድነት ትግራይ እነውሕስ ሰባት ኢና" ድሕሪ ምባል "እኳ'ድኣስ እቶም ሓለፍቲ፡ ጸገማት መሰረት ልምዓት ከተልዕለሎም ስለዘይደልዩን ውሑሉል ኣመራርሓ ስለዘይኽተሉን ፖለቲካዊ ስልጣኖም ተጠቒሞም ብገዛእ ዓድና የሳቕዩና ኣለዉ" ክብል ኣምሪሩ ተዛሪቡ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምጽሓፍ ደው ከምዘበለ ይገልጽ።
ቢቢሲ "ዝኾነ ይኹን ዜጋ ንዝደለዮ ውድብ ኮነ መንግስቲ ናይ ምድጋፍ ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣለዎ እሞ እቲ ተግባር ጸረ ዴሞክረስያዊ መሰላት'ዶ ኣይኮነን'ዩ? ገበን'ዩ ዝብል ምልከታ እንተልዩኩም ድማ ብመስርሕ ቤት ፍርዲ ክትከድዎ እናኸኣልኩም ስለምንታይ ናይ ሰባት ሰናይ ምስሊ ብዘይፍቓዶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትብልልዎ? ዝብል ሕቶ ንኣቶ ኣዱኛ ቐሪቡሉ ነይሩ።
"ንሕና፡ ነቶም ዝገምገምናዮም ሰባት፡ 'ደገፍቲ ህወሓት ኢና' እናበሉ ስለዘደናግሩ እምበር ኣብ ልዕሊ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ዝፈጠርናዮ ጸቕጢ የለን። ከምኡ ዝገበረና ድማ ንህዝቢ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ስለዘለና እዩ" ከብል ምላሽ ሂቡሉ።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ግን ኣብ ከተምኦም ብዛዕባ ዝርእይዎም ሕመቓት ካብ ምጽሓፍ ሓሊፎም ከምቲ ዝተባህለ ንህዝብን መንግስትን ዘባእስ ይኹን ዘይኮነ ምስሊ ከምዘየሕልፉ ብምግላጽ እቶም ኣመሓደርቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓላፍነት ብዝግባእ ይዋጽኡ ስለዘየለዉ መሕብኢ እዮም ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ክብሉ ይነቕፍዎም።
ፖለቲካ ኣብ ቤተ ክርስትያን?
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ መምህር ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣቶ ኣብርሃ ሃይለዝጊ፡ ተወሊዱ ኣብ ዝዓበየሉ እምባሰነይቲ ካድረታት ህወሓት ኣብ ቤተ ክርስትያን ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ እንኮላይ ናይ ቀረባ ስድርኡ ኣብ ዘለዉሉ "ኣብርሃ ሃይለዝግን ኣብርሃ ተኽሉን [መሪሕነት ባይቶ ዓባይ ትግራይ] ኣንጻር ውድብ ተሰሊፎም ስለዘለዉ ተጠንቐቕሎም ተባሂሉ ስለዝተነገሮም ስድርኡ ርእሶም ከምዘድነኑን ደዊሎም "እንታይ ዲና ኮይንና" ከምዝበልዎ ተዛሪቡ።
ብፍላይ እቲ ከባቢ ካብ ደርግን ህወሓትን ወጻኢ ካልእ ውድብ ስለዘይፈልጥ "ኣብርሃ ሰሊሙ" ምስበልዎም እቲ ሕብረተሰብ ናብ ደርጊ ከምዝኣተኹ ገይሩ እዩ ወሲድዎ። እዚ ድማ ከም ነውሪ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ ክብል ሓቢሩ።
"ብሰንከይ ስድራይ ከምዝሓንኩ ዝተገበረሉ መገዲ ኣመና እዩ ተሰሚዑኒ" ዝበለ መምህር ኣብርሃ ሃይለዝጊ እዚ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ህወሓት ኮይኑ ክግስግስ ዘይከኣለ ሽኹል ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘሰጉም ኣመራርሓ ከምዝኾነ እዩ ዝርዳእ።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ እውን እንተኾነ ፈታውየይ ወይ ከዓ ጸላእየይ ዝብል ፖለቲካዊ ባህሊ ከምዝነበረ ዝዛረቡ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ሎሚ ጉራማይለ ሓሳባት ዘተኣናግድ ደሞክራስያዊ ስርዓት ይኽተል እየ ብዝብል ውድብ ህወሓት ክሳብ ሎሚ ክኣልዮ ዘይምኽኣሉ ግን ትግራይ ሕዚ እውን ካብ ድሑር ፖለቲካዊ ባህሊ ከምዘይተናገፈት ዘመላኽት እዩ ይብሉ።
ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝጽሕፍዎ ፖለቲካዊ ሓሳባት፡ በብደረጅኡ ዘለዉ ኣባላት ህወሓት ናብ ስድርኦም እናኸዱ "ደቑኹም ባንዳታት ኮይኖም" እናተብሃሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝሓንኩ ይግበር ኣሎ ዝብል ዘመተ ምስበርተዐ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ሓላፊ ፕሮፖጋንዳ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ወግዓዊ ፌይስቡኩ 'ከም ህወሓት እቲ ኣብ ከይዲ ዘሎ መረጻ ሰለማውን ደሞክራስያውን ኮይኑ ብዘይ ገለ ኣበር ንኽዛዘም ብጥቡቕ ዲሲፒሊን ክትግበር፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ዘይገብር ኣባል ህወሓት ግን ስጉምቲ ከምውዝሰድ ገሊጹ ነይሩ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ እዚ ድኣ ይበል እምበር ኣብ ተግባር ግን ማይ ዝቛጽር ስጉምቲ ስለዘይወስዱን 'ንኣፈ ጨለነት" ተባሂሉ ዝግበር እንተዘይኮይኑ ኣብ ግብሪ ዝውዕል መእረምታ ስለዘየሎ እቲ ኩነታት ሕዚ እውን ይቕጽል ከምዘሎ እዮም ዝዛረቡ እቶም በደል ይወርደና ኣሎ ዝብሉ ሰባት።