‘ህወሓት መረጻ ገዲፉ ምስ መንግስቲ ፌደራል ክደራረደር’ ዓረና ጸዊዑ

ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉኣላውነትን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ “ዘይሕገ-መንግስታዊ” ክብል ነጺግዎ።

ወሲኹ ድማ ኣብ’ቲ ‘ናጻ ፍትሓውን ሕገ-መንግስታውን ክኸውን ዘይኽእል’ ዝበሎ መረጻ ከምዘይሳተፍ ብዕሊ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ተቓዋሚ ውድብ ነዚ ዝበለ፡ ብቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኡ እዩ።

“ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ህወሓት ዘይትቆጻጸሮምን ብናጽነት ዝተወደቡን ሲቪክ ማሕበራት፣ ንሰባዊ መሰላት ዝሕለቑ ትካላትን ሚድያታትን ኣብ ዘየለዉሉ ናጻ መረጻ ክካየድ እዩ ምባል ዘበት እዩ” ኢሉ።

“ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ናይ መረጻ ምንቅስቓስ ኢሕገ-መንግስታውን ዘይሕጋውን ብምዃኑ፡ ነዚ ውሳንኡ ዳግመ ግምት ገይሩ ክገድፎ ይግባእ። ኣብ ክንድኡ ድማ ምስ ካልኦት ውድባትን ንበይኑን ኮይኑ ምስ መንግስቲ ፌደራል ናይ ሓቂ ድርድር ከካይድ ንምዕድ” ኢሉ ዓረና ትግራይ።

ዓረና ዘቕረቦም ምኽንያታት እንታይ እዮም?

እቲ ተቓዋሚ ውድብ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ ዝነጸገሉ ምኽንያታት ከብርህ እንከሎ፡ ብቐንዱ እቲ መረጻ “ናጻን ፍትሓውን ክኸውን ኣይኽእልን” ብዝብል ምዃኑ ይጠቅስ።

ንትግራይ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓት ፈጺምዎም ንዝብሎም “ዓፈናታት” ዝዘርዘረ እዚ ውድብ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት መረጻ ክካየድ የብሉን ዝብል ቅዋሙ ገሊጹ።

ብኻልኣይ ደረጃ ዘቕመጦ ምኽንያት ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ።

ወሲኹ ድማ፡ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ከፈጽም ስልጣን ዘለዎ ‘ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ’ ምዃኑን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መረጻ ግን ነዚ ዝጥሕስ ምዃኑን ገሊጹ።

ውድብ ዓረና ኣብ መግለጺኡ፡ ‘መረጻ ክካየድ ኣለዎ’ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ ካብ ውድብ ህወሓት ምዃኑን፡ ነዚ ውሳነ ሕጋውነት ንምልባስ ጥራይ፡ ናብ ባይቶ እቲ ክልል ከምዝቐረበን ይገልጽ።

ካልእ እቲ ተቓዋሚ ውድብ ዘልዓሎ ነጥቢ ‘ናጻን ፍትሓውን መረጻ ንምክያድ ዘኽእል እኹል ግዜ የለን’ ዝብል እዩ።

“[እቲ መረጻ] ኣብ ሓደ ወርሒ ብዝግበር ምንቅስቓስ ዝካየድ ብምዃኑ፡ ኣብ ፍትሓውነቱ ተቐባልነት ኣይህልዎን። ኣብ መረጻ ኩሎም ተነሓናሕቲ እኹል ግዜ ረኺቦም ንደገፍቶም ኣእሚኖም ዝወዳደርሉ'ምበር ናይ ሓደ እዋን ስጉምቲ ብዘይምዃኑ፡ ነዚ ዘየማልእ ኢ-ፍትሓዊ መረጻ ካብ ምክያድ ክቁጠብ ንጽውዕ” ኢሉ ዓረና።

ዓረና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ዘቕረቦ ነቐፌታ

ዓረና ትግራይ፡ ኣብ’ቲ ንህወሓት ኣትሪሩ ዝነቀፈሉ መግለጺኡ፡ ንመንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ’ውን ነቒፉ’ሎ።

“ዓረና ዋላ’ኳ ኣብ እዋን ለበዳ መረጻ ይካየድ ዝብል ቅዋም ኣይሃልዎ፡ እንተኾነ ግን መንግስቲ ፌደራል መረጻ ንምንዋሕ ዝኸደሉ ኣግባብ ልክዕ እዩ ኢሉ ኣይቕበልን” ይብል ውድብ ዓረና ትግራይ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ክቕጽሉን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ’ውን ክናዋሕ ከምዝተወሰነን ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ እዚ ውሳነ “ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም ብምንዳይ” ዝተፈጸመ ምዃኑ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ውድብ ዓረና ግን ነዚ ከምዝቃወሞ ኣፍሊጡ’ሎ።

“ናይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ባይቶ ፌደሬሽንን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዕምሪ ስልጣን፡ 5 ዓመት ጥራይ ምዃኑ ተሓጊጉ እዩ። ነዚ ብግልጺ ዝተቐመጠ ዓንቀጽ ካብ ዝብሎ ወጻኢ ምትርጓም ኣይከኣልን” ክብል እዩ ነቒፉ።