ብገዛእ ስድራ-ቤቱ ንሰለስተ ዓመት ዝተኣስረ ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ

ኣሕመድ ኣሚኑ ወዲ 32 ዓመት

ምንጪ ስእሊ, Haruna Ayagi

ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ከተማ ካኖ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ብስድራ ቤቱ ኣብ ጋራጅ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብኣይ ብፖሊስ እታ ከተማ ከምዝደሓነ ተሓቢሩ።

እቲ ኣሕመድ ኣሚኑ ዝተባህለ ወዲ 32 ዓመት፡ ፖሊስ ነቲ መንበሪ ገዛ ብሃንደበት ተፍትሽ ምስ ገበሩሉ ከምዝተረኽበ ተገሊጹ።

እቶም ጎረባብቲ ኣቐድም ኣቢሎም ብሃለዋት እቲ ወዲ 32 ዓመት ተረቢሾም ንተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ሓቢሮም ከምዝነበሩን፡ ሽዑ ድማ ፖሊስ መጺኦም ከምዝረኸብዎ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ገለ ካብቶም ሰባት፡ ኣሕመድ ኣሚኑ ከባቢ 7 ዓመት ተኣሲሩ ነይሩ ክብሉ ሓቢሮም።

እቲ ብማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርገሓ ምስሊ ናይቲ ወዲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ከምዝኾነን፡ ኣሕመድ ኣሚኑ ማህሚኑ ክንቀሳቐስ ብዘይምኽኣሉ፡ ብገለ ኣባላት እቶም ዘይመንግስታዊ ትካላት ተሓጊዙ ናብ መኪና ተሰቒሉ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

ንሱ፡ ብዘይካ ኣዕጽምቲ ዋላ ሓንቲ ዝረኣ ኣይነበሮን።

"ኣሕመድ ኣሚኑ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ብምንባሩ ኣብ ዝሸነሉን ደገ ዝፍትነሉን ቦታ ኢና ረኺብናዮ። ዝኾነ መግቢ ይወሃቦ ዘይምንባሩ ድማ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክመውት ይኽእል ነይሩ" ክብል ሓላፊ ሰብኣዊ መሰለት ሃሩና ኣያጊ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣፈኛ ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ጉዳይ ኣሕመድ ኣሚኑ፡ ኣቡኡን ሰይተቦኡን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም ኣለው።

እቲ ወዲ፡ ፍሉፍ ናይ ሓሺሽ ስዝነበረ ብስድራ ቤቱ ተሓይሩ ከምዝነበረን፡ እቲ ስድራ ድማ ብዘይ መግብን ሕክምናዊ ክንክን ደርቢዮሞ ከምዝነበሩ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ኣባይቲ ስድረኦም ተታሒዞም ዝነበረ ካልኣይ ግዳይ ንኻልኣይ ግዜኡ ከምዘድሓነ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሮቡዕ፡ ሓደ ወዲ 10 ዓመት ኣብ ገዛ እንስሳትታት ንክልተ ዓመት ብስድራ ቤቱ ተኣሲሩ ዝነበረ ብፖሊስ ከምዝደሓነ ይፍለጥ።