ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 31 ተወሰኽቲ ሰባት ረኺባ

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ 14 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣዲባራን ኣብ ሞልቊን ተወሺቦም ካብ ዝነበሩ 31 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ገሊጹ።

ካብዞም እቲ ሓደ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣትዮ ኣብ ሞልቍ ተወሺቡ ዝነበረ ምዃኑን፡ እቶም ዝተረፉ 30 ሰባት ድማ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባሪ ዝነበሩ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ትማሊ'ውን ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ ብዝተገብረ መርመራ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 24 ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ ኣስታት 7158 ኤርትራውያን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጁቡትን የመንን ንኤርትራ ተመሊሶም ኣለው።

ካብዞም እቶም 3,135 ሰባት ኣብ 47 መወሸቢ ማእከላት ከምዘለው እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ። ነዞም ናይ ሎሚ ሓዊስካ ኣብ ኤርትራ ብጠቕላላ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 96 በጺሒ ኣሎ። ካብዚኦም እቶም 39 ኣቐዲሞም ሓዊዮም ንገዝኦም ከምዝተፋነው ይፍለጥ።

እቶም 57 ሰባት ድማ ሕክምናዊ ናብዪት ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።