ኣምነስቲ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ጸብጻብ "ሃሳዪን ዘይሚዛናውን እዩ"

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2019 ወታሃደራቱ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሰላማውያን ዜጋታት ቀቲሎም ንዝብል ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጸ ጸብጻብ "ሃሳዪ ክሲ" ክብል ገሊጹዎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝራዊ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ክልል ሓያሎ ዓመጻትን ግህሰታታትን ሰባዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ይኸስስ።

እቲ ዝተባህለ ዓመጽ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ስርሒታት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ከም ዝፈጸምዎ'ውን እቲ ጸብጻብ የረድእ።

ኣምነስቲ ከም ዝበሎ፡ 39 ሰባት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተረሺኖምን፡ ብዙሓት ተሓፊሶም ናብ መዳጎኒታት ተወሲዶምን።

እንተኾነ ግን፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ክስታት "በቶም ነቲ ኣብቲ ቦታ ልዝብ፡ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ዝውሰዱ ዘለዉ ተበግሶታት ከፍርሱ ዝደልዩ ሓይልታት ኮነ ተባሂሉ ዝናፈስ ዘሎ ሓሶታት'ዩ" ክብል ነጺጉዎ።

እቲ ጸብጻብ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ኣብ ግምት ዘየእተወ "ሚዛናዊ ዘይኮነ ዝተቖንጨለ ናይ ጸጥታ ትንተና'ዩ" ክብል እቲ ሚኒስትሪ ነቒፉ።

ሰብመዚ ክልል ኦሮሚያ'ውን፡ እቲ ጸብጻብ፡ ነቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጎነጽ ዘይጠቅስ'ዩ ኢሎም።

ኣምነስቲ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ኣብ ዝተፈጥረ ግጭት 130 ሰባት እናተቐትሉ ወታሃደራት መንግስቲ ትም ኢሎም ከም ዝራኣዩ ከሲሱ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ ዘይሚዛናውን ካልእ ግጭት ከባርዕ ዝኽእልን ክብል ኒቒፉ።