እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብኣምነስቲ ዝቐረበሉ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብኸመይ ተቐቢልዎ?
ንመሰል ደቂ ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ሓያሎ ሰብኣዊ ግህሰታት ከምዝፈጸመ ዝገልጽ ዓሚዩቕ ጸብጻብ ብዓርቢ ኣውጺኡ።
እቲ ትካል ከምዝብሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሽልማት ኖቤል ኣብ ዝተቐበለሉ ዓመተ 2019፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን፡ መደበኛ ዘይኮኑ ዕጡቓት ተሓባበርቶምን፡ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም እዮም።
ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕብኡ እንታይ ኢሉ?
ድሕሪ እቲ ናይ ኣምነስቲ ጸብጻብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን ዝጠቐዖ ጽሕፉ፡ ብዙሓት ነዚ ጸብጻብ ዝተውሃበ መልሲ ከምዝኾነ ገይሮም ወሲዶምዎ ኣለዉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ነዊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን እዩ ድሕሪ ምባል፡ "ንዕብየት [ብልጽግና] ኢትዮጵያ ዘይሕግዙ ዛዕባታት፡ ኣሸምባይዶ ግዜና፣ ገንዘብናን ጉልበትናን፡ እዝንና'ውን ክንህቦም ኣይግባእን" እዩ ኢሉ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዋላኳ ኣብዚ ጽሑፉ ንኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እንተዘይጠቐሰ፡ እቲ ጽሑፍ ነቲ ብኣምነስቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ዝተውሃበ መልሲ ምዃኑ ርዱእ ገይሮም ዝወሰድዎ ብዙሓት እዮም።
ኣብቲ ናቱ መልሲ ተደሪኾም'ውን፡ ርእይቶታቶም ዝሃቡ ኣለዉ።
ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህወሓት ሓደ ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ፌስቡኩ "መራሒ ሰልፊ ብልጽግና ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳሩ ብኣምነስቲ ዝቐረበ ኣዝዩ ነቓፋይ ጸብጻብ ነጺግዎ ኣሎ" ኢሉ።
ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብቲ "ናይ ለውጢ ጉዕዞ፡ ነዊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን እዩ" ዝብል ርእይቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ተደሪኹ ድማ፡ ንኣብዪ ነቒፍዎ።
"[ኣብዪ] ነቲ ብሰዓብቱ ኣብ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዘጋጠመ ዘሕዝን ምጥፋእ ህይወት፡ ምእንተ ለውጢ ክበሃል ዝተኸፍለ ኣድላዪ ዋጋ ገይሩ ኣቕሪብዎ" ኢሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ።
ካልኦት ከ እንታይ ኢሎም?
መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን። መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ግን ነቲ ናይ ኣምነስቲ ጸብጻብ "ተኣማንነት ዝጎደሎ" ኢልዎ።
ብሰንበት መግለጺ ዝሃበ ቤትጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን ኦሮሚያ፡ እቲ ጽብጻብ ካብ "ተቓወምቲ" ኣብ ዝተውሃበ ሓበሬታ ዝተደረኸን፡ ነቲ ዘሎ ህሉው ኩነታት ዘየንጸባርቕን እዩ ኢሉ።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ'ውን ነቲ ጸብጻብ "ዘይምኽንያታውን ዘይፍትሓውን" ብምባል ከምዘይቕበሎ ገሊጹ'ሎ። ኣብ'ቲ ብኣምነስቲ ዝተጠቐሰ እዋን፡ ኣብ ጎንደርን ከባቢኡን ጎንጽታት ምንባሩ ግን ኣይከሓደን።
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ እንታይ እዩ ዝመስል?
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ናብ ቅልውላው ካብ ዝኣቱ ጸኒሑ እዩ።
ኣብቲ ኸባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኦሮሞ፡ ምስ ሓይልታት መንግስቲ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ጎንጺ ከምዘለዉ ነበርቲ ናይቲ ኸባቢ ይገልጹ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ'ውን፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዘይምርግጋእ ከምዘሎ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም። ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 11 ጉንበት፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ላሎ ኣሳቢ ኣብ ዝበሃል ወረዳ፡ 5 ሰባት ብሓይልተት መንግስቲ ከምዝተቐተሉ ሬድዮ ጀርመን ኣቃሊሓ እያ።
ቅድሚ ሰሙናት'ውን፡ ኣብ ዞባ ጉጂ፡ 12 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ብዕጡቓት ምቕታሎም ቢቢሲ ጸብጺቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መንጎ እዚ ጎንጺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ብኢደወነኖም ቅትለት ይፍጽሙ ምህላዎም ገለ ነበርቲ ይገልጹ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት ቢቢሲ ዘዛረቦም ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝነብሩ ወለዲ፡ ለሊሳ ተፈሪ ዝበሃል ውላዶም ብዕጡቓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቐተለን፡ ሬስኡ ኣብ ግዳም ተደርብዩ ከምዝረኸብዎን ገሊጾም እዮም።
ኣምነስቲ እንታይ እዩ ኢሉ?
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣብ ክልል ኣምሓራን ሓያል ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት ከምዝተፈጸመ እዩ ገሊጹ።
ኣብ ኦሮሚያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ጸጥታ ምኽባር ዝዓለመ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ጉጂ ኣጣይሹ፡፡
እቲ ካብ ሚልሻታት፣ ፖሊስ፣ ፍሉይ ሓይልን መከላኸሊ ሰራዊትን ዝተወጻጽአ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ክልቲአን ዞባታት ዘሎ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ [ኦኤልኤ] ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ናይ ምምካት ዕላማ ከም ዝነበሮ ኣምነስቲ ይሕብር።
ጥሪ 2019፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉጂ 39 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ብዘካየድክዎ መርመራ ኣረጋጊጸ እየ ዝብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብዚኦም እቶም 23 ኣብ ወረዳ ጉሮ ዶላ ብሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ኦሮምያን ዝተቐተሉ እዮም ኢሉ፡፡
እቶም 16 ድማ ኣብ ወረዳ ዱግዳ ዳዋ ከባቢ ርሽና፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ብዝመስል መገዲ ከም ዝተቐተሉ ጭቡጥ መረዳእታ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ይኸስስ፡፡
ቀጺሉ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኦሮምያ፡ ብኣባላት ምክልኻል ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ብጥይት ከም ዝቐተሉዎም ጸብጻብ ኣምነስቲ ይሕብር።
ቀጺሉ ድማ ካብቶም ቅትለታት ብተወሳኺ ጅምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ስቅያት ይፍጸም ከም ዝነበረን ዝገልጽ ኣምነስቲ፡ ገና ኣብ መስርሕ መርመራ እኳ እንተሃለወ ክስታት ግዱድ ጾታዊ ዓመጽ'ውን ከም ዝተፈጸመ ጸብጺቡ ኣሎ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ፡ ካብ መስከረም 2018 ክሳብ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ዞባታት ምዕራብን ማእከላይን ጎንደር ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ቅማንትን ኣምሓራን ጎንጺ ነይሩ ይብል።
ኣብ ወረዳታት ቋራ፣ መተማን ጭልጋን ኣባላት ፖሊስን ሚልሻን እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማሕበረሰብ ቅማንት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ጸገም ንምህዳእ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከም ዘይገበሩን ይኸስስ፡፡
እቶም ኣባላት ምክልኻል ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 10ን 11ን ጥሪ ከምኡ'ውን መስከረም 2019፡ ናይ ርድኡና ምሕጽንታ'ኳ እንተቐረበሎም፡ ንሳቶም ግን "ጸማም እዝኒ ሂቦም" ይብል።
ኣብ ጥሪ 2019፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ 58 ሰባት ተቐቲሎም ብጅምላ ተቐቢሮም ክብል'ውን ይከስስ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ከተማ ጎንደር ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ፡ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን 2019 ኣብ ከባቢ መተማ ብዝተወለዐ ቀቢላዊ ግጭት 43 ሰባት ከም ዝሞቱን 12 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ጠቒሱ፡፡
10 ጥሪ 2019፡ ኣብ ከተማ መተማ ዮሃንስ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣሕሉቕ ጎበዝን ፋኖ ዝባሃሉ ጉጅለን፡ 'ቀበሌ ሦስት' ዝበሃል ብበዝሒ ኣባላት ቅማንት ዝነብሩሉ ከባቢ፡ ከቢቦም ብእምኒ፣ ጠበንጃን ቦንባን ንሰባት ከም ዘጥቅዑ ዝገልጽ ኣምነስቲ፡ ሰራዊት ምክልኻል ክሳብ ዝበጽሕ ን24 ሰዓታት እቲ መጥቃዕቲ ቀጺሉ ምንባሩ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ንመዓልቲታት ምድላው ከም ዝተገበረ መሰኻኽር ዓይኒ ነጊሮሙኒ ዝብል እቲ ትካል፡ እቶም መናእሰይ ብፖሊስን ሚልሻን ተሓጊዞም እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን፡ መከላኸሊ ሰራዊት ድማ ን24 ሰዓታት ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከም ዘይገበሩን ይጠቅስ።
በለጠ መንግስቱ ዝተባህለ ናይ ኣይኒ መሰኻኽር ዝጠቅስ ኣምነስቲ " እቲ ሰራዊት ኩሉ ጥፍኣት ምስ ተፈጸመ እዩ በጺሑ። 1600 ዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ቅማንት ናብ ናይ ሰራዊት ሰፈራ ጣብያ ተወሲዶም እዮም" ኢሉኒ ይብል።
ብተወሳኺ 12 ጥሪ 2019 " ነቶም ዝሞቱ ኣብ መተማ ተኽለሃይማኖት ቤተ ክርስትያን እንትንቀብር ናይ 58 ሰባት ሬሳ ቖጺረ እየ" ከም ዝበሎ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
ብ11 ጥሪ 2019፡ ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ቅማንት ኣብ ዝነብሩሉ መንደር ናይ ሳትላይት ምስሊ ተጠቒሙ ትኪ ከም ዝተርኣየን ብሰሜናዊ ምዕራብ እታ ከተማ ዘለዉ ክልተ ከባቢታት ተቓጺሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ኣምነስቲ ይገልጽ።
ካብ ከተማ ጎንደር ንኣንፈት ሰሜን ኣብ ዝርከባ ተወለድቲ ቅማንት ኣብ ዝበዝሑለን ከባቢታት ኣርባባ፣ ወለቃን ሳይናን ናይ ሕነ ምፍዳይ ዝመስል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ካብ ጥሪ 14 ክሳብ 16 ከም ዝተፈጸመ ሓበሬታ ኣለኒ 'ውን ኢሉ፡፡
በቶም ዝተኻየዱ ማሕበረሰባዊ ጎንጺታት ብውሑድ 130 ከም ዝተቐተሉ ዝግልጽ ኣምነስቲ፡ ሓይሊታት ጸጥታ ዕሽሽ ብምባሎም ከምዘጋደዶ ይጠቅስ።