ተመራመርቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ክሳብ ክንደይ ተቓሪቦም ኣለዉ?

ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ይርከብ፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ክታበት እዚ ንዓለም ዘናውጽ ዘሎን ሕማም ኮቪድ-19 ዘኸትልን ኮሮናቫይረስ ኣይተረኸበን።

እንተኾነ ክታበት ይኹን ፈውሲ እዚ ቫይረስ ንምርካብ ለይትን ቀትርን ይስራሕ ኣሎ።

ንምንታይ'ዩ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ኮይኑ?

እዚ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቀሊሉ'ዩ ዝመሓላላፍ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ዓለም ከኣ ንሓደጋ እዚ ሕማም ዝተቃልዐ'ዩ።

ክታበት ከኣ ስርዓት ምክልኻል ሰባት ብምድላብ በቲ ቫይረስ ከይጥቅዑ ክከላኸልን ዝተጠቅዑ'ውን በቲ ቫይረስ ከይሰዓሩን ስለዝሕግዝ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ'ዩ።

ብዓቢኡ እዚ ካብ ገዛ ከይወጽእ ተሓቢርዎ ዘሎ ሰብ ናብ ስርሑ ክምለስን፡ ኩሉ ስግኣታቱ ተወጊዱ ብዛዕባ ኣካላዊ ምፍንታት ከይሓሰበ ክወፍርን ክኣቱን ስለዝኽእል ኩሉ ሃረር ዝብሎ'ዩ።

ክሳብ ሕጂኸ እንታይ ምዕባለታት ተራእዩ'ሎ?

ክሳብ ሕጂ ኣስታት 80 ጉጅለታት ሓካይም ኣብ ምድላይ ክታበት ኮቪድ-19 እዮም ተጽሚዶም ዘለዉ፡ ገለ ካብኦም ከኣ ናብ ክሊኒካዊ ፈተን በጺሖም ኣለዉ።

  • ናይ መጀመርታ ፈተን ክታበት ኣብ ስያትል ዝርከቡ ተመራመርቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሰብ ፈቲኖም፡ እዞም ተመራመርቲ ነቲ ኣቀዲምካ ኣብ እንሰሳ ዝግበር ዝነበረ ፈተን ብምስጋር'ዮም ኣብ ሰብ ፈቲነሞ፡ እዚ መግበሪኦም ከኣ እዚ ሕማም ዘስዕቦ ዘሎ መጠን ሞት ትንፋስ ዝህብ ስለዘይኮነ'ዩ።
  • ሳፎኒን ጂኤስከይን (Sanofi and GSK) ዝተበሃሉ ክልተ ዓርሞሽሽ ኣፍረይቲ መድሃኒት ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምምዕባል ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ይርከቡ።
  • ኣውስትራልያውያን ተመራመርቲ'ውን ክልተ ውጽኢት ክርከቦም'ዮ ዝበልዎም ክታበታት፡ ኣብ ምጹጹላይ ፈቲነሞ ኣለዉ፡ እዚ ፈተነ እዚ እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ኣንስሳ ዝፍተን ዘሎ ክታበት ኮይኑ እዞም ተመራመርቲ ነቲ ክታበት ኣብ መወዳእታ መርሒ ሚያዝያ ኣብ ሰብ ክፍትንዎ ከም ውጥን ሒዘምዎ ኣለዉ።
  • ኣብ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ተመራመርቲ'ውን ነቲ ዝሰርሕዎ ክታበት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሰብ ብምፍታን ኣብ ወርሒ መስከረም ብሚልዮንናት ዝቁጸር ኣፋውስ ከምርቱ ወጢኖም ኣለዉ።

እንተኾነ እዞም ትጽቢት ዝግበረሎም ዘሎ ክታበታት ክሳብ ክንደይ ውጽኢታውያን ክኾኑ'ዮም ዝብሉ ብዙሕ ሕቶታት የለዓዕሉ?

እቲ ክታበትከ ምዓስ'ዩ ኣብ ኢድና ክኣቱ?

ሓደ ክታበት ተማሂዙ፡ ግቡእ መስርሓት ሓሊፉ ናብ መዓላ ክውዕል ኣብ ርጉእ እዋን ዓመታት'ዩ ዝወስደሉ፡ ወረ ሓደ ሓደ ግዜስ ልዕሊ ሓደ ዕቁድ'ውን ይወስድ'ዩ።

ቃልሲ ተመራመርቲ ንክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምርካብ'ዩ ዘሎ።

ብዙሓት ክኢላታት ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ከም መቀመሪ ተጠቂሞም፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ መፋርቕ 2021 ኣብ ዕዳጋ ከምዝውዕል ይሕብሩ።

እዚ ከኸውን እንተኽኢሉ ሳይንሳዊ መስተንክር ክብሃለሉ'ዩ፡ እንተኾነ ኣብ መፋርቕ 2021 ክታበት ኮሮናቫይረስ ክርከብ'ዩ ኢሉ ውሕስነት ዝህብ ኣካል የለን።

ምክንያቱ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ርኢና ኣለና፡ ኩሎም ተመሳሳሊ ምልክታት ዘርእዩ ኮይኖም፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ንኹሎም ክታበት ኣይተረኸቦምን።

ሕጂኸ እንታይ ክግበር ይከኣል?

ብዙሓት ጉጅለታት ተመራመርቲ ብዙሕ ተስፋ ክንበረሎም ዝኽእል ክታበታት ሰሪሖም ኣለዉ፡ እንተኾነ ናብ መወዳእታ ሕንጻጽ ንምብጻሕ ክሰግርዎ ዘለዎም ነገራት ኣለዉ።

  • ሓደ ክታበት መጀመርታ ጎድናዊ ሳዕቤን ዘየውርድ ወይ'ውን ጎድናዊ ሳዕቤኑ ትሑት ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ክታበት ልዕሊ እቲ ሕማም ሕልኽላኻት ዝፈጥር እንተኾይኑ ግን ኣብ ጥቅሚ ኣይውዕልን'ዩ።
  • ኣብ ቤተፈተነ ዝግበሩ ቅድመ ፈተን'ውን እቲ ክታበት ናይ ደቂ ሰባት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክብ ዘብል ምዃኑ ከመስክር ኣለዎ።
  • እቲ መድሃኒት ንቢልዮን ሰባት ዝኣክል ክፈሪ ክኽእል ኣለዎ
  • ክታበት፡ ቅድሚ ናብ ሰብ ምውዓሉ፡ እቲ ክታበት ብዓለምለኻዊ ምቁጽጻር ብቅዓት መድሃኒት ዝምርምር ኣካል ብቕዓቱ ተረጋሂጹ ክምስከረሉን ፍቃድ ክውሃቦን ኣለዎ።
  • ኣብ መወዳእታ ናብ መላእ ዓለም ዘሎ ደላዩ እዚ ክታበት ዝኾነ ህዝቢ ንኽበጽሕ ዘሎ ብድሆ'ውን ኣካል እቲ መስርሕ ኮይኑ'ዩ ዝግለጽ።

ብዙሕ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዕጽዋ'ዩ ዝርከብ፡ እዚ ከኣ ነቲ መስርሕ ምርካብ ክታበት እዚ ሕማም ከደናጉዮን ንድሕሪት ክጎቶን ይኽእል'ዩ።

ክንደይ ዝኾኑ ሰባት'ዮም ክታበት ዘድልዮም?

እቲ መዓስዩ ክጅመርን፡ እዚ ሕማምከ ክሳብ ሽዕኡ ዝርጋሐኡ ከመይ'ዩ ክኸውን ከይፈለጥካ ብዝሒ ክታበት ዘድልዮም ሰብ ምግማት ከቢድ እዩ።

ኣስታት 60-70 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም፡ ዝርገሕ እዚ ቫይረስ ብምግታእ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ምብራኽ የድልዮ'ሎ።

እዚ ሚእታዊት ናብ ቁጽሪ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እንተቐይርናዮ ቢልዮናት'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ክታበት ከመይ ጌርካዩ ዝስራሕ?

መብዛሕትኡ ክታበታት፡ እቲ ናይ ኣካላት ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ዘይርኣዮም ታህዋስያን ከምዝርእዮም ብምግባር፡ ባዕዳዊ ኣካል መጺኡኒ ኢሉ ንዐኦም ንምክልካል ዘኽእሎ ዓቕሚ ንክድልብ'ዩ ዝሕግዝ።

ኣብ እዋን ፈተነ ከኣ ነቲ ሰብ መጀመርታ ክታበት ብምሃብ ሓቀኛ ቫይረስ ናብ ነብሱ ብምእታው ጥቡቕ ምክትታል እናገበርካ ውጺኢት ትርኢ።

እቲ ውጽኢት ኣወንታዊ ኮይኑ እንተተረኺቡ ከኣ እቲ ሰብ ኣንጻር እቲ ቫይረስ ዝዋፈር ሓይሊ ኣብ ውሽጡ ኣማዕቢሉ ከምዘሎ ከምርዱእ ክውሰድ ይከኣል።

ክታበታት ንፍዮ ጽግዕን ሩቤላን (ንፍዮ ጀርመን) ነቶም ቫይረሳት ብምድኻም ኣብ ደቂ ሰብ ጉዳኣት ከምጽእሉ ኣብዘይክእሉ ደረጃ ብምውራድ እዩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ።

እቲ ኣብ ወቅታዊ ሰዓል ዝተገበር ክታበት ከኣ ዝተፈለየ ኮይኑ እቲ ክታበት ነቶም ቫይረሳት ምሉእ ንምሉእ ብምልማስ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝገብር እዩ ነይሩ።

እዚ ኣብ ኮሮናቫይረስ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ክታበት ከኣ ሓዲሽን ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈተነን ምስ ምዃኑ 'ፈትን- ርአ' ዝዓይነቱ እዩ ኢልካ ክግለጽ ይከኣል።

ጀኔቲካዊ ቅርጺ ኮሮናቫይረስ ወይ ሳርስ ኮቭ-2 ተፈሊጡ'ዩ።

ኣብ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ተመራመርቲ ካብቲ ጀኔቲካዊ ቅርጺ ሓደ ንኡስ ክፋል ብምውሳድ ንኣህባይ ከጥቅዕ ዝኽእል ዘይጓዳእ ቫይረስ መስሪሖም ኣለዉ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣንጻር እዚ ቫይረስ እዚ ተዓጢቁ ንስርዓተ ምክልኻል ደቂ ሰብ ዘደልብ ክታበት ምስራሕ'ዩ ከድልዮም።

ክታበት ንኹሉ ክሊ ዕድመ ብማዕረ ከገልግል ይኽእል ድዩ?

ክታበት ኣብ ኣረጋውያን ትሑት ውጽኢት ከምዘለዎ ኣቀዲሙ ዝተረጋገጸ ኮይኑ ኣብዚ'ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ክረአ'ዩ ትጽቢት ዝግበር።

ምኽንያቱ ኣረጋውያን እቲ ስርዓተ ምክልኻሎም ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ድኹም እዩ።

ኣብ ኣረጋውያን ዝሓሸ ውጽኢት ንምምዝጋብ ወይ ብዙሕ ዓቀን ምሃብ'ዩ ወይ ድማ ነቲ ስርዓት ምክልኻሎም ዘበራብር 'ኣድጁቫንት' ዝብሃል ከሚካል ብምሃብ እዩ ዝትግበር።

ክታበት ቀዳምነት ንመን'ዩ ዝውሃብ?

ክታበት ኮሮናቫይረስ እንተተረኺቡ ኣብ መጀመርታ ሕጽረት ቀረብ ከምዘጋጥም ርዱእ ስለዝኾነ ቀዳምነታት ክስራዕ ንቡር'ዩ።

ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ቀዳምነት ክውሃቦም ዓይኒ ዘሕሲ ምርጫ ኣይኮነን።

እዚ ሕማም ዝያዳ ንኣረጋውያንን ሕዱር ሕማም ንዘለዎምን ስለዘጥቅዕ እቲ ክታበት ኣብ ኣረጋውያን ውጽኢት እንተተረኺብዎ፡ እዞም ጉጅለ እዚኦም ኣብ ካልኣይ ክስርዑ'ዮም።

ከምኡ'ውን ነቶም ኣለይቲ ኣረጋውያንን ምስ ኣረጋውያንን ዝነብሩን ምኽታብ'ውን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክስራዕ ዘለዎ'ዩ።