ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መግለጺ ሂቡ

ኣብ እዋን ልበዳ ኮሮናቫይረስ ንህዝቢ ዝኮነ ሓበሬታ ብዘይምሃቡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ብኤረ-ቲቪን ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቲ መልእኸቲ ከምዘመሓላለፈ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ዝወጽኣ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ዘሎናዮ ፈታኒ እዋን፡ ብልዑል ንቕሓትን ሓያል ስራሕን መኪትና ክንሰግሮ ግድነታዊ ሓላፍነት እዩ" ኢሉ።

ኣስዒቡ እቲ ፕረዚደንት፡ "ሕማም ኮሮና ቫይራስ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም፡ ብኹሉ መለክዒታት ዘይተገመተ - ሃንደበታዊ ኲናት እዩ። ብዛዕባ መበቈሉን ኣመጻጽእኡን ኰነ ናበይ ኪምዕብል ከምዝኽእል ንፈልጦን ክንግምቶ ንኽእልን ስለዘየለ፡ ብዘይካ "ምርጋጥ" ምሕያል፡ ሕርያ የለን" ኢሉ።

ንሱ፡ "ማዕረ መኸተ ንኲናት ኮሮና፡ መኸተ ልምዓትና ኣሐዪልና ክንሰርሕ ኢና። ለበዳ ኮሮና ኣተኲሮና ኪዘርግ፡ ከሰንፈናን ኪመልከናን ስለዘይብሉ፡ ተታሓሒዝናዮ ዝጸናሕና ልምዓታዊ መደባት ብዓጸፋ ከነሕይሎም ክንሰርሕ ኢና"

ንሱ፡ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንተሳተፋነት ኤርትራውያን ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢን ድሕሪ ምምስጋን፡ "ርሑስ ፋሲካ፡ ብሩኽ ሮሞዳን - ምስ ጥሉል ክራማት' ተመንዩ" ክብል እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣቶ ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ'ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ህጹጽ ናይ ለበዳ ስግኣት ክሳብ ሕጂ ብዝኾነ ኣገባብ ንህዝቢ ወግዓዊ መግለጺ ከይሃበ ምጽንሑ ከዘራርብ ቀንየዪ'ዩ።

ብዛዕባ ውልቃዊ ጥዕንኡ'ውን ዝተፈላለዩ ወረታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክናፈሱ ተሰሚዖም ነይሮም።