ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከባ ዓድታት ኣካላዊ ርሕቐት ንምሕላው ምስሊ 'መልኣከ ሞት' ይጥቀማ

ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከባ ዓድታት ኣካላዊ ምርሕሓቕ ሰባት ንምቁጽጻር 'ተምሳል መልኣከ ሞት' ዝተኸደኑ ወለንታውያን ሰባት ይጥቀማ ኣለዋ።

ኣብ ደሴት ጃቫ እትርከብ ኩፑል እትብሃል ዓዲ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚራ'ያ ነቲ ኣገባብ ክትጥቐመሉ ጀሚራ።

እዚ ብኣጸዋውዓ እቲ ዓዲ 'ፖኮክ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምስሊ፡ ከም መንፈስ ናይ ምውታት'ዩ ዝውሰድ።

ካብ ጆን ሆፕኪንስ ብዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኢንዶኒዥያ፡ ዛጊት 4400 ዜጋታታ ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው 400 ድማ ሞይቶሙዋ ኣለው።

እንተኾነ ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ቁጽሪ መወትቲ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንላዕሊ ከኸውን ከምዝኽእል ስክፍተኦም ይገልጹ።

እቲ ብምስሊ መልኣከ ሞት ዝፍተን ዘሎ ኣካላዊ ርሕቀት ሰባት ንምቁጽጻር ዝተፈተነ ሜላ፡ ሰባት ነቶም ምስሊ መልኣከ ሞት ዝተኸደኑ ወለንታውያን ንምዕዛብ ዑጉግ ስለዝብሉ ጠንቂ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ከይኸውን ስግኣት ከምዘሎ ካብ ሮይተርስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ነበርቲ እተን ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ዝጥቀማ ዘለዋ ዓድታት ግን፡ እቲ ፈተነ ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ከም ዘሎ እዮም ዝዛረቡ።

ነባሪ እታ ዓዲ ዝኾነ ካርኖ ሱፓዶ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ነዞም ምስሊ መልኣከ ሞት ዝለበሱ ኣብቲ ሰብ ዝእከበሉ ዝነበረ ቦታታት ኮፍ ከነብሎም ምስ ጀመርና ሰብ ካብ ገዝኡ ምውጻእ ገዲፍዎ" ኢሉ።

ሰባት፡ ድሕሪ ስግደት፡ ኣብዚ 'መልኣከ ሞት' ኮፍ ዝብልሉ ቦታ ይእከቡ ከም ዝነበሩ ዝሕብር ካርኖ ሱፓዶ፡ ሕጂ ግን ነቲ ምስሊ ምስ ርኣዩ፡ ሞት ስለዘዘኻኽሮም ምእካብ ከም ዘቋረጽዎ'ዩ ዝሕብር።

እዚ ብተበግሶ ማሕበር መንእሰያትን ፖሊስ ናይቲ ከባብን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ሓላፊ እቶም መንእሰያት፡ ኣንጃር ፓንካኒንግትያስ " መልኣከ ሞት፡ ከምቲ ሽሙ ዘፍርሕ'ዩ፡ ብሓቂ ኸኣ ስራሕና ውጽኢት ርኢናሉ ኢና" ይብል።