እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ 13,000 በጺሑ
ኣብ ኣፍሪቃ ዛጊት 13,814 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙን ልዕሊ 2,300 ከምዝሓወዩን ይግለጽ። ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ ብውሕድ 700 ምብጽሑ ሓበሬታ ማእኸል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ የመልክት።
ኣብዛ ኣህጉር በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ዘይተረኸቡለን ሃገራት ኮሞሮስን ሌሴቶን እየን።
ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ሃገራት እታ ኣህጉር ከጋጥማ ዝኽእል ቁጠባዊ ሃሰያ ንምፍታሕ ዝውዕል ዓለምለኻዊ ሓገዝ ዘተሓባብሩ ሰለስተ ፍሉይ ልኡኻት ከምዝመዘዘ ይፍለጥ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ'ውን ኣብ ፈረንሳዊ ማዕኸን ዜና ፍራንስ 24 ቀሪቡ፡ ኣፍሪቃ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልያ ሓቢሩ'ዩ።
ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ 2,173 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝርከብዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። እታ ሃገር ቅድም ክብል ዝኣወጀቶ እገዳ ምንቅስቓስ ኣናዊሓቶ'ላ።
12 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝረኸበት ካሜሮን 848 ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ሰባት ብምሓዝ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ብኻልኣይ ደረጃ ትስራዕ።
እታ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ብብዝሒ ህዝባ ብኻልኣይ ደረጃ እትስረዕ ኢትዮጵያ ድማ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክትእውጅ ተገዲዳ'ያ። ዛጊት ደማ 71 በቲ ቫይረስ ዝተትሕዙ ኣለውዋ።
ኤርትራ'ውን ክሳብ ሕጂ 34 ብኮሮናቫይርስ ዝተተሓዙ ከምዘለዉዋ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብዓርቢ ኣብ ዘውጸኦ መግልጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ኸ?
- ኣይቮሪ ኮሰት 41 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ብምርካባ ብሓፈሻ 574 በጺሖም፤ ሓሙሽተ ሞይቶምዋ
- ኒጀር 38 ስለዝተወሰኹ ብጠቕላላ 529 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኣለዉዋ። 11 ሞይኦም
- ናይጀርያ ምስ 13 ሓደሽቲ ሰባት እቲ ቁጽሪ ናብ 318 ደይቡ
ጂቡቲ ሓደ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሞታ ከሎ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 214 ኣትዩ። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ድማ እቲ ካብ ሃገሩ ናብ ኢትዮጵያ ሰደድ ክግበር ዝተጽዓነ ዝነበረ መግቢ ከምዝተመለሰ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ገሊጹ'ሎ።
- ኬንያ 11 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ስለዝረኸበት ብድምር 208 እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ተረጋጊጹ'ሎ
- ሩዋንዳ ምስ 2 ሓደሽቲ ብሓፈሻ 120 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ። እታ ሃገር ግንዛበ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕባይ ሓገዝ ዝገብራ ኣናኣሽቱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣዋፊራ'ላ።
- ጋቦን ካብ ትማሊ ዝጀመረ እገዳ ምንቅስቓስ ኣዊጃላ። ሰለስተ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝለኸፉ ሰባት ብምርካባ ሓፈሻዊ ቁጽሪ 49 ክበጽሕ ክኢሉ
- ጋምቢያ ዛጊድ 9 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኣለዉዋ። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 23 ጣብያታት ሬድዮ ኣብ ትሕቲ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኮይነን ንተምሃሮ ትምህርቲ ክፍንዋ ተገይሩ'ሎ።
- ዚምባብወ 14 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኣለውዋ፤ ንእገዳ ምንቅስቓስ ዝጠሓሱ ልዕሊ 5,000 ሰባት ድማ ኣብ ቀይዲ ኣውዒላ
- ዛምቢያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 3 ሓደሽቲ ብምርካባ እቲ ሓፈሻቂ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 43 በጺሑ'ዩ
- ኣብ ማእኸላይ ግዝኣት ሶማሊያ ሚንስትር ፍትሒ ዝነበረ ካሊፍ ሙሚን ቶሆው በቲ ቫይረስ ከምዝሞተ ሚንስትትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ'ዩ።
ኣብ ሶማሊያ 4 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ክርከቡ ከለዉ፤ ድምር ቁጽሪ ዝተትሕዙ 25 ክበጽሕ ክኢሉ። መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ከተማ ሞቓዲሹ ግብራዊ ዝኸውን ካብ ምሸት ሰዓት 2 [8] ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 11 [5] ዝጸንዕ ኣዋጅ እቶ እቶ ትማሊ ኣዊጁ'ሎ።